2017-01-17 16:56:00

ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ፎርተ፥ ክርስትና መስካሪ ምዃን እምበር ተርእዮ ማለት ኣይኰነን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ናይ ሰበኻ ሮማ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰተቪለ ዘጉይዶኒያ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ቁምስና ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት “ክርስትያን ማለት ኢየሱስ ዝምስክር እምበር ልክዕ ከም ናይ ሓደ ስፖርታዊ ጉጅለ ደጋፊ ኰይንካ ምንባር ዝርእይ ማለት ኣይኰነ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኪየቲ ቫስቶ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ፥ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስብከት ሕመረት ክርስቲያን ምዃናዊ ህላዌ እምበር ተርእዮ ማለት ኣይኰነን ዝብል እዩ። ስለዚህ ኣብ ሕይወት ዝንበር እምበር ረአዩለይ ኣይኰነን። ናይ ገዛእ ርእስኻ ምዃን መግለጺ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ እዮም ብተሪር ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘተሓሳስቡ እንክብሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስብከት ኣብ ዝሃብውሉ ቲዮሎጊያዊ ትንታኔ ገሊጾም፥ ክርስትያን ኣብ ድልያ ሓቂ ምንባርን ምስ ሓቂ ምርኻብን በንጻሩ ድማ ክርስትያናዊ ተርእዮ ኣይፋል ዝብል እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ብኣስተምህሮታቶም ስብከቶምን ስልጣናዊ ትምህርቶታቶምን ኣቢሎም ንልቢ ሰብ እዮም ዝዛረቡ ንናይ ልቢ ሓቂ እዮም ዝዛረርቡ፡ ክርስትና ተርእዮን መኸወሊ ወጅሂ ወይ ከኣ መሕብእ ወጅሂ ኣይኰነን፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘሎ ምዃንና ኣብ ኵሉ ምግላጽን ምንባርን እዩ ተግባር እዩ። ሰብ ከሕጉስ ክረአየለይ ሕይወት ምስ ክርስትናን ክርስያን ምዃኑ ምንም ዓይነት ዘራኽብ መገዲ የብሉን። ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ንእግዚኣብሔር ባህ እተብሉ ዝብሎ’ኰ ባህታ እግዚኣብሔር ኵኑ እዩ ዝብል። እግዚኣብሔር ውሳጠ ዝርእይ እዩ ስለዚህ ብዛዕባ እቲ ደጋዊ ርእዩ ዝፈርድ ሰብ ኣይትሕሰብ። ነቲ ልቢ ዝርእይ ፍራሕ። ፈሪሃ እግዚኣብሔር ክበሃል እንከሎ እምበር ንሱ እዩ። ጥበብ እዩ። ክንፍተው ናይ ካልኦት ቆላሕታ ንኽንማርኽ ናይ ገዛእ ርእስና ተክለ ሰብነት ከነመሓላልፍ ዘይኰነስ በቲ ብምዃን ህላዌና እንነብሮ ክርስትና ኣቢልና ነቲ ዘወሰጥናዮ ክርስቲያን ዘብል ኢየሱስ ክርቶስ ዘርእይ ዝምስክር ክኸውን ይግባእ።

ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ኣብ መንጐ ናይ ኢየሱስ ስልጣንን ናይ ፈሪሳውያንን ናይ ሕጊ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ስልጣን ዘሎ ፍልልይ እንክትንትኑ ክርስትያን እቲ ዝብሎን ዝገብሮም ዝቐነየ ወይ ከኣ ዘወሃደ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣርጊጾም ብምትሕስሳብ  ክርስቲያናዊ ምስክርነት ብቓል  ዝግለጽን ብልቢ ዝንበርን ብግብሪ ዝንበርን እዩ። ስለዚህ ክርስትና ነዝሒ ቃላት ዘይኰነ ነቲ ዝተሰብአ እግዚኣብሔ ኢየሱስ ብቓልን ግብርን ዝንበር ክኸውን አለዎ እዚ ማለት ከኣ ፍቓድካ ዘይኰነስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሕይወትካ ምንበር ማለት እዩ።

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እቲ ዘገድስ እንገብሮ ሓቅነት እምበር ብዓበይትን ዝተሓላለኹን ዝማርኹን ቃላት ዝግለጽ ሓቅነት ኣይኰነን። ርግጽ እትብነሮ ሓቂ ንኽትገልጾ ኣይከብድን እዩ ስለምታይ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ። ዘይትነብሮ ሓቂ ብቓላት ክትገልጾ ጥራሕ ኣብ ፋልማ ክማርኽ ይኽእል ስዒቡ ግን ዘሰልክይ እዩ ዝኸውን። እትብሎ ዘይኰነስ እትነብሮ እዩ እቲ ዝዓበየ ቃል። እግዚኣብሔር ልቢዝምርምር ኣምላኽ እዩ። ተርእዮታትካ ዘይኰነ ክውን ህላዌኻ እዩ ዝርእይ። ቅዱስ ኣቦና እዚ ዝብልዎ ንኹሉ እዩ ብፍላይ ንውሉደ ክህነትን ጳጳሳትን ብዘለዎም ደረጃ ሓላፍነት ብልዑል ሚዛን እዮም ዝዛረብዎ ዘስተምህርዎን ብቓልን ሕይወትን ዝገልጽዎ። ዝዀነ ይኹን ወንጌል ዝሰብኽ ቃልን ግብርን ዘጣመረ ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ኵሉ ተርእዮ እዩ ዝኸውን።

ኣብ ሰተቪለ ዘጉይዶኒያ ቁምስና ቅድስተ ማርያም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝልገስዎ ስብከት፡ ደቀ መዛሙርት ሕድ ሕዶም መን እዩ ቀዳማይ ዝኸን ዘይከውንን እናበሉ ስልጣን ምድላይን ክሳብ ንኽርስቶስ ምኽሓድን ምሳኹም እየ ዝበሎም ኢየሱስ ረሲዖም ቃሎም ኣዕቢሮም ምስ ሞተ ፈሪሖም ዝተሓብኡ እያቶም፡ ኩሉ እቲ ሰብኣዊ ዝዀነ ሓጢኣት ዝነበሮም። እዚ ድማ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዝገልጾ ሓቂ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ወንጌል ሕድ ሕዶም ይተሓማመዩ ነይሮም ዝብል ናይ ስም ምክፋእን ምጽላምን ሓጢኣት ግና ፈጺሞም ዝብል ቃል ኣይንረክብን። ኣስዒቦም እቲ ዓቢይ ሓጢኣት በለካ ለኸዓካ፡ ስም ምጽላም ሓሜት እዩ። እትብሎ እንተሎካ ነቲ ዝምልከቶ ሰብ ፊት ንፊት ተራኺብካ ምንጋር እዩ። ንሓውኻ ንቆሞስካ ካብ ምሕማይ ንሓውኻ ድዩ ንቖሞስካ ኣብ ገጹ ንገሮ፡  ሓደ ማሕበረ ክርስቲያን ሕድ ሕዳዊ ምትእርራም ዝነበሮ እምበር ገብረ ኣጸልሞ ስምን ሓሜትን ዝንበሮ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ክርስቶስ እናዓበየ ናይ ምዃድ ጉዕዞኡ እዩ ዘሰናኽል ከምዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ኣዘኻኺሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ክርስቲያን በቢ ዕለቱ ዝልወጥ ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ዝዓብይ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ፡ ስለዚህ እንነብሮ ክርስትና ናይ ሓሜት ክርስትና ድዩ ወይ ከኣ ናይ ቃልን ተግባርን ልብን እዩ? ሰዓብተይ ምዃንኩም ብፍቕርዅም ይፈለጡ። ኣብ መጐኹም እትነብርዎ ፍቕሪ ካልኦት ርእዮም ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ከመስግኑ እዮም። ምስክርነት ድማ ፍቕሪ እዩ። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምም ንሓድ ሕድኩም ተፋቐሩ። ፍቕሪ ድማ ብቓልን ግብርን እዩ ዝግለጽ። ስለዚህ ክርስትና ህላዌ ምዃን እምበር ተርእዮ ማለት ኣይኰነ እንክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስብከት ዝሃብሉ ትንታኔ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.