2017-01-21 16:45:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ፓናማ


እቲ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ክልተ ዓመት ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት እቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ክካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝወሰኑ ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ ዝካየደሉ ዕለት ድማ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ ምዃኑ ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ሞኒንጎ ኡያኦ መዴታ ዕለት 20 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻኦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ናይ ፓናማ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ክምልከት እንከሎ እቲ መግለጺ ኣስዒቡ ብፁዕነቶም እቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ንኽካይድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምውሳኖም ዝተሰምዖም ሓጐስ ገለጾምን ኣመስጊኖምን ኣብ ወርሒ ጥሪ ንኽካየድ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድማ ናይ ፓናማ ናይ ኣየር ጠባይ ግምት ብምሃብ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ፓናማ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ናይ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ተሳተፍቲ ንምእንጋድ ዓቢይ ሃረርታ ዘለዋን ኣእዳዋ ዘርጊሓ ከምእትቕበሎምን ገሊጾም እቲ ዝካየደሉ እዋን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ናይ ዕረፍቲ እዋን ከምዘይኰነ ዝፍለጥ ኰይኑ እዚ ግና ንብዙሓት ክሳተፉን ብቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ኣቢሎም ምስ ኢየሱስ ንኽራኸቡ ድላይ ንዘለዎም መንእሰያት ከምዘየሰናኽል እምነት ኣሎኒ ቢሎም ናይ ፓናማ መንእሰያት ናይቲ ኣብ ሃገሮም ንኽካይድ ናይ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያ ቀንደይና ተዋሳእቲ ኰይኖም ክርከቡን ድማ ኣተሓሳሲቦም ንመላእ መንእሰያት ዓለም ፓናማ ቤተ ክርስቲያናውነት ዘስምዕ ናይ ሓባር ናይ እምነት ተመክሮ ንምክፋል  ልባታ ከፊታን ኣእዳዋ ዘርጊሓን ብእምነት ክትቅበሎም ስንድውቲ እያ ከምዝበሉ ናይ ፓናማ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.