2017-01-21 16:51:00

የኔታ ቪጋኖ፥ ኣብ ቃል ቅዱስ ኣቦና ትረኻ ታሪኽ


ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 20 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ክርስትና ንዘሎ ርድኢት ከመይ ከምዝቐየሩን ወንጌል ከመይ የመሓላልፉን? ዝብል ሕቶ ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብዝተፈላለየ መልክዑ ብኸመይ ይግለጽ ንዝብል ሕቶ ፈልዩ ዝትንትን መልስታቱን ዝሕብር ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኅየንተ የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ድኽነትን ሰላምን ምሕረትን ኣደጊፎም ክዛረቡ እንከለዉ ብዛዕባ ድኽነትን ሰላምን ምሕረትን ብዕምቆት ክስትውዓል ከምዘለዎን እቲ ናይ ድኽነትን ሰላምን ምሕረትን ኣምር ኣበይ ከምዝተሰርተ ምስትውል ይድግፍ። ቅዱስ ኣቦና ዝጥቀምሉ ቃላት ረቒቕን ዘይጭበጥን ኣይኰነ ስለምታይ ታሪኽን ጭቡጥ ከነትን ኣሞርኵይዞም እዮም ዝዛረቡ። ንኣብነት ምርአይን ምጥማትን ዝብሉቃላት ቅዱስነቶም ኣባል ማሕበር ልኡካን ኢየሱሳውያን ብምዃኖም ምስቲ ናይ ቅዱስ ኢግናዚዮስ መንፈሳዊ ሱባኤ ተመክሮ ብዝብል ትምህርትን መንፈሳውነትን ሓሳብ ዝተሰረቱ እያቶም። ስለዚህ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ክዛረቡ እንከለዉ ንዝብልዎ ንምርዳእ ቅድሚ ምፍታን እንታይ ክብሉ ከምዝደለዩ ምስትዓል ከምዘድሊ የኔታ ቪጋኖ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘስመሩሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮቫቲካን ጓራሺ ኣስዒቦም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ፊላደልፊያ ናይ ቲዮሎጊያ መምህር ፕሮፈሰር ማሲሞ ፋጆሊ ኣብታ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታልነት ቅዱስ ጴጥሮስ እትምራሕ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ዓለማውያን ምእመናን ዘማእከለን ክህነታውነት ጥራሕ ዝብል አመለኻኽታ ዘርሕቕ ምዃኑ እንክገልጹ፥ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ክህነታውነትን ተቛማነትን ብሓጺሩ ከምቲ ዓለማዊ ምእመን ዝብል ልክዕን ግቡእ ትርጉሙ እዮም ዘነጽሩ።  ዓለማዊ ምእመን ኣንኢስካ ክህነታውነት ተቛማነንት ምዕባይ ኣይኰነን ዘድሊ። ስለዚህ ዓለማዊ ምእመን ካብ ሕሉፍ ኣመለኻኽታ ክህነታውነትን ተቛማነትን ተላቒቑ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ግደ ከድምዕ ይግብኦ። ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡ ዝነብረላ ቤተ ክርስቲያን እምበር ሃይራርቅያ ማለት ድርገታዊ ዕቃቤ ናይ መዓርጋዊ መስርዕ መሰረት ዝገበረ ዓይነት ኣነባብራ ዘለዋ ከይትኸውን እዮም ዝገልጹ። እቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝግለጽ ዓለማዊ ምእመን ከምኡ ድማ ክህነታውነት ዝብል ቃል በዚ መገዲ’ዚ እዩ ክንርድኦ ዝግብኣና። ዓላማዊ ምእመን በቲ ሃማኖትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራዊ ናብራ ዘግልል እዋናዊ ባህሊ ዘይጽለው ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉ ጓራሺ ኣፍሊጦም።

ሮማ ሳልሳይ እተሰምየ ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ እዋናዊ ታሪክ መምህር ናይ ታሪክ ሊቅ ፕሮፈሰር ሮበርቶ ሞሮዞ ደላ ሮካ ብወገኖም፥ ሰላም ዝብል ቃል ጠቒሶም ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገልጽዎ ናይ ሰላም ሓሳብ ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ሓሳብ እዩ። ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከከም ጸዋዕታኡ ዝነብሮን ከከም ጽዋዕታኡ  ከቃልሖ ይግባእ። ጳጳሳት ካህናት ገዳማውያን ዓለማውያን ምእመናን ብዘየገድስ ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡ ጸዋዕታኡ ንኽነብረሉን ሕይወቱ ንኽመርሓሉን ኣብ ዝነብሮ ኩነት ሕይወት ክገልጾን ክምስክሮን ይግባእ። ስለዚህ እቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝቐርብ ትምህርቲ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ እዩ ከምዝበሉ ጓራሺ ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.