2017-01-28 18:06:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንሓደ ክርስቲያን ዘልምስ ሓጢኣት ጥራሕ እዩ


“ካብቲ ንሓደ ክርስቲያን ዘልምስ ሓጢኣት እግዚኣብሔር ናጻ የውጽኣና። ንዅሉ ምፍራሕን ናይ ኵሉ ነገር ፍርሒ ተዘክሮን ተስፋን ትብዓትን ትዕግስትን ንኸይህልወና ዝዕንቅጽ እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ዘነግህ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብላቲን ስርዓት ባሕረ ሓሳብ መሰረት ዝተነበ ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ ዕብራውያን ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 32-39ን ከምኡ ድማ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 26-34 ኣሞርኵይዞም፥

ኣብ ሕይወተይ ተዘክሮ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ክገብር

ንዕብራውያን ኣብ ዝተጽሓፈ መልእኽቲ ክርስትያናዊ ሕይወት ንምባር ሓላፍን ህልውን መጻእን ጊዜ ንምስትዓል ይምዕድ፡ ቅድም ቀዳድም ተዘክሮ ንኽንገብር ይዕድመና። ስለምታይ ናይ ክርስቲያን ሕይወት ኣብ ሕጂ ወይ ከኣ ኣብ ሕጅኣዊ ክውን ጊዜ ዝጅምር ዘይኰነስ ኣብ ሕጅኣዊ ጊዜ ዝቕጽል ዝሓለፈ ኵሉ ሰናይን ዘይሰናይን ተዘክሮ ዝንበረሉን ብሓፈሻኡ ታሪኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዘይ ሕብእብእን ሽፍንፍንን ዝክኸወነሉ እዩ።

እሓዋተይ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ስብከቶም ብምቕጻል፥ ናብ ተዘክሮ ምልስ በሉ፡ ኣቃልቦ ኣብ ተዘክሮ ግበሩ እቲ ብውዕዉዕ መንፈስ ንእምነት ዝተበገስናሉን ሕይወት ኣብ እምነት ምንባር ዝጀመርናሉን ስቓይን መከራን እንክጋጥም ምልስ ቢልና ንዘክሮ። ብዘይ ተዘክሮ ሕይወት ክርስትናን መንፈሳዊ ሕይወትን ንምስትዓውሉ የጸግም እዩ። ክትርድኦ ዘጸግም ጥራሕ ዘይኰነስ ብዘይ ተዘክሮ ክርስትያናዊ ሕይወት ንምንባር ዘይከኣል እዩ። ኣብ ሕይወተይ ታሪኽ ምድሓን ኣምላኽ ኣብ ሕይወተይ ኩሉ ግድፈታተይን ላዕልን ታሕትን ሕይወተይን ካብዚ ኹሉ ላዕልን ታሕትን እግዚኣብሔር ከመይ ገይሩ ኣድሓነኒ? ተዘክሮ ብሓቂ ጸጋ እዩ። ዝለዚህ ጸጋ ካብ ኰነ ድማ ተዘክሮ ንኽህልወና ንጐይታ ምሕታት የድሊ። ኣብ ሕይወተይ ተዘክሮ ጐይታ ከይዝንግዕ፡ እቲ ሰናይ ዝገበርካለይን ዘጋጠመንን ኩሉ ሓጎስን መስቀልን ከይርስዕ ሓግዘኒ ንበሎ። ክርስቲያን ናይ ተዘክሮ ሰብ እዩ።

ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ተስፋ ምንባር

መልእኽቲ ዕብራውያን ኣብ ጉዕዞ ዘለና ንሓደ ነገር ኣማዕድይናን ንኣኡ እናተጸበናን እንነብር ምዃንና የብርሃልና። ኣብ ሓደ ተብጽሖ ንኽንበጽሕን ምርኻብን ምስ ጐይታ ምርኻብ እዩ ተበጽሖና። ብእምነትን ምስ እምነትን ኣብ እምነትን ንኽንነብር ይምዕደና። ተስፋ ንመጻኢ ምምዕዳው። ከምቲ ሕይወት ክርስትና ብዘይ ተዘክሮ ክንበር ዘይከኣል ከምኡ ኸኣ ብተስፋ ምስ ጐይታ ንምርኻብ ዝብል መጻኢ ዘየማዕድው ሕይወት ክርስትና ምንባር ዘይከኣል እዩ። ሕይወት ልክዕ ከም እስትንፋስ እዩ ይብል መልእኽቲ ዕብራውያን ሓደ መንእሰይ ብምዃኑ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሕን ነዊሕን ጊዜ ከምዘሎ ገይሩ ይሓስብ። ደሓር ግና ሕይወት ጊዜ ዝጐይን ቀልጢፉ ዝሓልፍን ከምዝዀነ የመክረና። ከመይ ይሓልፍ እዚ ጊዜ ንብል። ብተስፋ ከምእንረኽቦ እናሓሰብና ምንባር ናይ ሕይወት ውጥረት ይበሃል። እዚ ውጥረት’ዚ ድማ ኣብ መንጐ ተዘክሮን ተስፋን ሓላፍን መጻእን ማእከል ዘሎ እዩ።

ህልው ኩነት ብትብዓትን ትዕግስትን ምንባር

እቲ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ዘተሓሳስበና ሳልሳይ ነጥቢ ድማ፥ ሕልው ኩነት ምንባር ዝብል እዩ። ብዙሕ ጊዜ ስቓይን ትካዜን ዝተመልአ ይኸውን ይኹን ደኣ እምበር ብትብዓትን ትዕግስትን ምንባር እዩ። እዚ ማለት ድማ ብግልጽነትን ብዘይ ፍርሕን ሓፍረትን ናይ ሕይወት ክውንነትን ኩሉ እናተቐበልካዮ ምንባር ማለት እዩ። ሓጢኣተይናታት ኢና። ኩላትና፡ ይቕድመ ይድሓር ኩላትና ሓጢኣተይናታት ኢና። ብትብዓትን ብትዕግስትን ድማ ንቕድሚት ንሰጉም። ኣብ ዘለናሉ ኣይንኺድ። ኣብ ደውታ ኣይንንበር ኣብ ደውታ ምንባር ኣየዕብይን።

ሓጢኣት ሕይወት ክርስትና ዘልምስ እዩ፥ ረዓዲ ዝገብር እዩ። ንቕድሚት ንኸይትስጉም ዝዓግት። ኢየሱስ ግና ዝብለና፥ “ኣይትፍራሕ” እዩ። ፈራሓትን ረዓድትን እቶም ንድሕሪት ዝስጉሙ እያቶም። ማለት ገዛእ ርእሶም እናተቖናቖኑ ዝዕቅቡ። ሕሉፋት ዓቀብቲ ገዛእ ርእሲ። ኵሉ ዘፍርሖም፡ ሓደገይና ኮንደኾናዊ፡ ኮንደኾናዊ እናብዝሑ ኣብ ደውታ ዝነብሩ። በጃኻ ተጠቀቕ ኣስጋኢ እዩ ዝብሉ። ርግጽ እዩ ትእዛዛት ኩሉ ዝሓቶ እዩ። ኰይኑ ግና ረዓዲ ብድሆ ዝፈርሕ ዝተውሃቦ ጸጋታት ዝርስዕ እዩ። ፍርሒ ተዘክሮ ይድምስስ ተስፋ የወግድ ንቕድሚት ንኸይትብል ምቑሕ ይገብር።

ናይ ሓደ ክርስቲያን ህልው ጊዜ ህልው ኩነት ዘየርዕዶ እዩ። ርዑድ ክርስትና ምንባር ማለት ተዘክሮ ምድምሳስ ማለት እዩ። እምበኣርክስ ጐይታ ኣብ ተመክሮን ተስፋን ጉዕዞና ይዕብየና። ዕለታዊ ትብዓትን ትዕግስትን ድማ ይዓድለና። ካብ ራዕዲ የድሕነና። ካብቲ ገዛእ ርእስኻ ምዕቃብ ፈራሕ ኩሉ ነገር ምዃን ይኽደነና። ኢየሱስ “ሕይወቱ ከድሕና (ክዕቕባ) ዝደሊ ኬጥፍኣ እዩ” ይብለና እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.