2017-01-31 16:58:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ማዳጋስካር


ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ብጋሴ ኬሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ማዳጋስካርን ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካብ ዕለት 26 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ዝጀመረ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ማዳጋስካር ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕነቶም ብምኽንያት ኣብ 1952 ዓ.ም. ዝተበገሰ ክሌኣዊ ርክብ ዝኽሪ መበል 50ዓመት ምኽንያት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 27 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ምስ ናይ ማዳጋስካር ርእሰ ብሔር ሀርይ ራጃኦናሪማንፒኣኒና ኣብ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ሃገረ ማዳጋስካርን ቀጺሎም ድማ ምስ መራሔ መንግስቲ ሶላናድራሳና ኦልቪየር ማያፋልይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ከምእተራኸቡን ዕለት 28 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ማዳጋስካር ከተማ ኣምባቶሮካ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ መላእ ኣብ ማዳጋስካር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ተራኺቦምን ሰኑዕ ዕለት 30 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ንምእታው ናብ ኢጣሊያ ቅድሚ ምንቃሎም ብስሎቨኖ ኣርጀንቲናዊ ካህን ኣባ ፐድሮ ኦፐካ (ኣንድራላኒትራ) ዝተመስረተ ድኻታን ዝተነጸሉን ግዳም ሓደርን ኣካላ ስንኩላን ዝእለይሉ ማእከል በጺሖምን ምስቶም በቲ ማእከል ዝእለዩ ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕነቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማዳጋስካርን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ከምእተሳአፉን፡ ኣብቲ ሓድሽ ናይ ማዳጋስካር ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶምን ቀጺሎም እውን ኣብ ናይ ኣንቲጓ መንበረ ጥበብ ቀጽሪ ተረኺቦም ምስቶም ተመሃሮን ኣብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ መዳቕሶ ሕንጻ እናተቐመጡ ትምህርቶም ምስ ዝከታተሉ ካብ 21 ሰበኻታት ዝተዋጽኡ 72 ድኻታት ተመሃሮ ክፍሊ ሕብረተሰብ መንበረ ጥበብ ተራኺቦም ምዕዳን ከምዝለገሱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብፁዕ አቡነ ፓሮሊን ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ማዳጋስካር ተራኺቦም ምዕዳን ከምዝለገሱን ኣብቲ ርክብ ኣብ ማውሪሸስ ናይ ፖርት ልዊስ ሊቀ ጳጳስን ናይ ሃገራት ውቅያኖስ ህንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማውሪሰ ፒያት እውን ከምእተሳተፉን፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓርሊን ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፥ ናይቲ ከባቢ ብፁዓን ጳጳሳት ግብረ ኖላውን ማሕበራውን ብድሆታቶም ኣማእኪሎም ኣብታ 95% ዝሽፍን ሕዝባ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ምዃኑ ኣብ ዝንገረላ ሃገር ህያው መሰኻኽር ወንጌልን ንድኻታን ንተቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠበቓን ጸግዕን ብምዃን ሰብኣውን መፈሳውን ሕንጸት ብምቕራብ ካብቲ ዝወደቕሉ ተነጺልካ ምንባር ኵነት ተላቒቖም ሕይወት ኣባይቲ ስድራኦምን ናይ መጻኢ ሕይወቶምን ብሩህ ክኸውን ምድጋፍ የድሊ። ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ርክብን ዘተን መሰረት ሰላም ስለ ዝዀነ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕ ክፍሊ ሓዋያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰንበት ዕለት 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ፒያትን ኣብ ማዳጋስካር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ጉኣልቴሪን ብናይ ማዳጋስካር ብፁዓን ጳጳሳት ተዓጂቦም ኣብ ናይ ማሃማሲና ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ልዕሊ 80 ሺሕ መእመናንን ናይ ረፓሊካዊት ማዳጋስካር ርእሰ ብሔርን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ወከልቲ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኣብ ኢየሱስ ናይ ርህራሀን ለውሃትን እግዚኣብሔር ህልው ከምዝዀነን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ በዓል ሂፖ እቲ ብላቲን ስርዓት ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 5 ዝተወስደ ናይ ዕልቱ ምንባብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ ስብከት ምንጪ ብፅዕና ዝትንትን ኣስተዋጽኦ ወይ ከኣ ጽማሬ እንክብል ይገልጾ። ስለዚህ እቲ ናይ ወንጌል ጽማሬ ግላዊ ይኹን ብማሕበራዊ ደረጃ እውን ዘለዎ ልዑል ሓይሊ ንምስትምቓርን ንምዕዳልን ነቲ ብፅዕና ምንባር የድሊ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝቕጽል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ነዚ ናይ ኢየሱስ ስብከት ኣርእስቲ ገይሮም ኩሎም መንእሰያት ነዚ ምንጪ ብፅዕና ከስተንትኑ ከምእተላበዉን ድማ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምዝሓበሩ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ናይ ዕለተ ሰንበት ውዕሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕነቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ኣብ ዝርከብ ገዳመ ደናግል ቀርመሌሳያን ብዘካየድዎ ምብጻሕ ከምዝተጠናቐ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.