2017-02-02 16:52:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣውነት


ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እወን ኣምነስት ኢንተርናሽናል ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝፍነው ዘሎ ዳርጋ ውግእ ክበህል ዝከኣል መጥቃዕቲ ብምውጋዝ ዱተርተ ናይ ፊሊፒንስ ርእሰ ብሔር ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብ ዝሓለፉ ሽውዓተ ኣዋርሕ ኣደንዛዚ እጸዋዕ (ዕጸ ፋርስ) ዘንቀሳቕሱን ኣብታ ሃገር ዝረአይ ገበናት ንኽውገድ ኣዚዮም ከምዝዓዩ ዝኣተዉዎ ቃል መሰረት  ኣጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሱን ገበነይናታትን እያቶም ብዝብል መግልጺ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ናይ ቅትለት ገበን  ይረአይ ከምዘሎን ልዕሊ 7 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ከምእተቐትሉን ካብዚኣቶ እቶም 2,500 ድማ ብናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ዝተቐትሉ ምዃኖም እንክምልከት፡ ገበነይና ንፍርዲ ከየቕረብካ ባዕልኻ ፍርዲ ምሃብን ሓይሊ ጸጥታ እውን ባዕላቶም ስጉምቲ ምውሳድ ከም ልሙድ እናዀነ ብዙሕት ዜጋታት ይቕተሉ ምህላዎምን እዚ ዓይነት ተግባር መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ድኻታት እምበር ኣብ ልዕሊ ግብረ ምንቅስቓስ እጸ ፋርስ  ዝኣወጆ ውግእ ከምዘይኰነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስ ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲ ማሕበር ይገልጹ ከምዘለዉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከመልክት እንከሎ ብዛዕባ እዚ ኣብ ፊሊፒንስ ዘሎ  እዋናዊ ኩነት ኣመልኪቶም ኢጣሊያዊ ናይ ስነ ደቡብ ምስራቕ እስያ ጉዳይ ሊቅ ፋቢዮ ኣፋታቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲ ማሕበር ብዛዕባ ፊሊፒንስ ዘቕረቦ ጸብጻብ ዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ፊሊፒንስ ተመስሎኡ ብንጹር ዝሕብር ጭቡጥ ስእሊ ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ናይታ ሃገር ዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ሓልዮ ማሕበራትን ኣብ ፊሊፒስን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት እውን ዝገልጽኦን ርእሰ ብሔር ሮድሪጎ ዱተርተ ምንቅስቓስ እጸ ፋርስን ዘንቀሳቕሱን ንምውጋድ ብዝብል ውሳኔ ዕሙት ስጉምቲ ክውስድን ገበንን ገበነይናን መን ተሓታትን ከይፈለኻ ሓፈሻዊ ግዳም ኣባይቲ ፍርዲ ዝዀነ ዓይነት ኣቀጻጽዓ ገበነይና እናሰፍሔ ይኸይድ ምህላውን ሓይሊ ጸጥታ ባዕላቶም ከሰስትን ዳይናን እናዀኑ ስወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ብሓቂ ከቢድን ብሕጊ ዘቕጽዕ ከም ተኸሳሲ ኣብ ቅድሚ ፍትሕን ሕግን ዘቕርብ ምዃኑ ፋቢዮ ኣፋታቶ  ገሊጾም፥ ናይ ሕጊ ሉኣላውነት ይገሃስ ኣሎ። ሓይሊ ጸጥታ እውን ባዕሉ ናይ ክፍለ ከተማታት ኣኽበርቲ ጸጥታ ቢሉ ብዘዳልዎም ብሕገ መግስቲ ተፈላጥነት ዘይብሎም ብዝውድቦም ኣካላት ኣቢሉ እውን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዙሕ ቅትለን ማህሰይትን ይፍጸም ኣሎ። ስለዚህ እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ዘሎ ቅልውላው ከቢድን ዓሚዩቕን እዩ ኢሎም።

እቶም ዝቕተሉ ድኻታትን ኣላይ ዘይብሎም ርኹባት ካብ ዘይኮነት ስድራ ቤት ዝውለዱን ወይ ድማ ስደተይናታትን እያቶም ስለዚህ እዚኣቶም ግዳም ሓደር ብናይ ገበን ጉጅለታትን ብሓይሊ ጸጥታን ዝህደኑ ከይኖም ኣለዉ። ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ብምዃኖም ክንክንን ሓለዋን ክረኽቡ ይግባእ። ናይ ገበን ጉጅለታት እያቶም ብዝብል ምስምስ ብሓይሊ ጸጥታ ክቕተሉን ማህሰይቲ ክወርዶምን ምርአይ ዘሕዝን እዩ። ዝዀነ ይኹን ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ሉኣላውነት ሕጊ ኣብ ምኽባር ዝቖመን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ዘቐድም ንሕገ መንግስቲ ዝእዘዝ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ካልኦት ናይ ፖለቲካን ማሕበራውን ሃማኖታውን ተቛማት ካህናትን  ብወኪላቶም ኣቢሎም እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ድሕሪ ምምራጽ ዱተርተ ዝርአይ ዘሎ ግዳማዊ ኣባይቲ ፍርድ ውሳኔታት ደው ክብል ጻውዒት የቅርቡ ኣለዉ። ብዙሓት ብፁዓን ኣቡናት እውን እቲ ሓይሊ ጸጥታ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ናይ ሞት ፍርዲ ቢሎም ብምግላጽ ጅምላዊ ካብ ኣባይቲ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ እናበሉ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ስለዚህ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጻውዒት ናይ መንግስትን ናይ ሓይሊ ጸጥታ ኣባላትን ብሓፈሻኡ ናይ ሕዝቢ ሕልና ዘነቓቕሕን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ድማ ህልው ኩነታት ፊሊፒንስ ብቐረባ ክከታተሎ ዝዕድም እዩ። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ናይ ምጥቃም እጸ ፋርስ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ካብቲ ዝወደቕሉ ሓደጋ ንምእላይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ጻዕሪ ብምሕያል ናይ ሰብኣውን መንፈሳዊን ድጋፍ ተቕርብ ኣላ ምስ በሉ ፊሊፒንስ ኣብ ኤኮኖሚ መዳይ ዓቢይ ምዕባለ ተርእይ እውን እንተላ ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታም ዘሎ ፍልልይ ኣዚዩ እናተረሓሓቐ ክኸይድ ዝገብርን ብዝተመጣጠነ እቶት ዕለታዊ መነባብርኡ ዝመርሕ ዜጋ ናብ ድኽነት ከንቆልቁል ዝገብር ዓይነት ምዕባለ እዩ። እውነተይና ኤኮኖሚያዊ ምዕበለ ክበሃል እንከሎ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ናብ ዝገደደ ድኽነት ዘጽድፍን ዘይኰነስ ካብ ድኽነት ከላቕቖ ዘኽእልን ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልይ ዘጽብብን ኩሉ ዕለታዊ መነባብርኡ ክመርሕ ዘኽእሎ ዕድል ዘውህብ ምስ ዝኸውን እዩ፡ ንሒደት ክፍሊ ሕብረተሰብ ጥራሕ ዘወንጭፍ ኤኮኖሚ፡ ምዕባለ ዘይኰነ ምዝመዛ እዩ። እዚ ዓይነት ዘምዕሩይ ሜኮኖሚያዊ ምዓባለ እዩ ኣብ ፊሊፒንስ ዝረአይ ዘሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለመሕትት ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.