2017-02-04 17:15:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ሱታፌኣዊ ኤኮኖሚ ወነንቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ለካቲት 2017 ዓ.ም. እቲ ብኣፍቅሮተ ዘቤት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዝተመስረተ ናይ ሲታፍፌኣዊ ኤኮኖሚ ዋኒን ማኅበረሰብ ኣባላትን ሱታፌኣዊ ኤኮኖሚ ዘተሓሳስቦ ከይዲ ኤኮኖሚ ዝስዕቡ ልዕሊ ሺሕ ዝግመቱ ኣብ ዘሳተፈ ዛዕባ ናይ ሱታፌ ኤኮኖሚ ኣብ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

እቲ ማሕበር ሱታፊኣዊ ኤኮኖሚ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት መስራቲት ኪያራ ሉቢክ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ምብጻሕ ኣብ ዘካይዳሉ እዋን ኣብታ ሃገር ማእከላይ ደረጃ ዘይብሉ ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልይን ዘሎ ተጋራጫዊ ማሕበራዊ ኩነታት ተተንኪፈን ከብቅዓ ነዚ ዓይነት ኤኮኖሚ ንምብዳህ ኣማራጺ ኤኮኖሚ ዘነቓቕሑን ክውን ዝገብሩን ኣብ ሕውነትን መኽሰብ ተኻፊልካ ምንባርን ዝብል ብትኽክል ነቲ ኣብ ግብረ ሐዋርያት ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 32 ክሳብ 35 ዘሎ፥ “እቶም ዝኣምኑ ዅላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ፡ ብዅሉ ብርኪ ነበሩ እምበር ሓደ እኳ ነቲ ገንዘቡ ‘እዚ ናተይ እዩ’ ዚብል ኣይነበሮምን፡ ሓዋርያት ከኣ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና ይምስክሩ ነበሩ። ኣብ ኵሎም ከኣ ዓቢይ ሞገስ ነበረ፡ ኵላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ሸይጦም ዋጋ እቲ ዝተሸጠ ኣብ እግሪ ሓዋርያት ኣምጺኦም የቐምጥዎ ነበሩ፡ ንነፍስ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ስለ ዝነበሩ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን” ዝብል ቃል ሙሉእ ሱታፌ ዝገልጽ ሓሳብን ተግባርን ኣጣሚሩ ዝኸይድ ነዚ ጽንሰ ሓሳብ ዝትግብር ኤኮኖሚ ምስ ረኣያ ተደኒቐን ዓለም ለኻዊ ማሕበር ሱታፌኣዊ ኤኮኖሚ ከምዝመስረታ ታማሮ ኣዘኻኺረን ናይ ሓደ ትካል መኽሰብ ብማዕረ ምክፋል ዝብል ኣተሓሳስባ ኤኮኖሚ ኣብ መንጐ ሰራሕተይናታትን ሰብ ትካላን ትግቡር ኰይኑ እቲ ማሕበር ዓለም ለኻዊ ቅርጹ ኣዚዩ እናዐበይ ምስ ዝኸይድ ብሓቂ ድኽነት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ዕዉት ውጽኢት ከምዝህልዎ ነፍሰ ሄር ኪያራ ሉቢክ ደጋጊመን ዝገልጽኦ ሓሳብ ከምዝምዝነበረ ታማሮ ይሕብራ።

ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ብወገኖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ 49 ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ሱታፌኣዊ ኤኮኖሚ ማሕበር ጨንፈር ሓለፍቲ ካብ ሾሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ካብ ቡርኪናፋሶን ብሩንዲን ካመሩንን ኣይቮርይ ኮስትን ኢትዮጵያን ናይጀሪያን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ኡጋንዳን ካብ ሰሜን ኣመሪካ ድማ ካብ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካብ ላቲን ኣመሪካ ድማ ካብ ኣርጀንቲናን ቦሊቪያን ብራዚልን ቺለን ኩባን መክሲኮን ፓናማን ፓራጉዋይን ኡራጉዋይን ካብ እስያ ድማ ካብ ቻይናን ኮረያን ፊሊፒንስን ሆንግ ኮንግን ህንድን ማለዢያን ሲንጋፖርን ታይላንድን ቬትናምን ካብ ምስራቕ ኤውሮጳ ድማ ካብ ክሮኣዚያን ሮማኒያን ሩሲያን ሰርቢያን ስሎቫኪያን ኡክራይን ሃንጋርን ካብ ምዕራብ ኤውሮጳ ድማ ካብ ኦስትሪያን በልጂም ፈረንሳን ጀርመንን ኣየርላንድ ጣልያንን ሆላንድ ፖልርቱጋልን ሕቡራት ግዝኣተ ንጉሳንን ስፐይንን ካብ ኦቻይና ድማ ካብ ኣውስትራሊያ ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ ሺሕን ሚእትን ተጋባእያን ካብ ቅዱስ ኣቦና መሪሕ ቃል ከምእተቐበሉን እቲ ዕለት 1 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ዝጀመረን ዕለት 5 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓውደ ጉባኤ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ካስተልጋንዶልፎ ዝከየድ ዘሎ ክኸውን እንከሎ ብኻልእ መዳይ እቲ ዓውደ ጉባኤ ድኻታት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ማእከል ከምዝዀኑን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ድኻታት ምእኩል ዝገበረ ስልጣናዊ ትምህርቶም ዝብልዎ ዝህብዎ መርሕ ቃልን ምዕዳንን ዘተሓሳስብ ዝትንትንን እውን ከምዝዀነ ሎሞናኰ ገሊጾም፡ ነቲ ናይ ዓለም ናይ ንግድ ስርዓት ዝልውጥ ኩሉ ናይ ዓለም ሃብቲ ተኻፋሊ ክኸውንን ትምህርቲ መግቢ መንበሪ ኣባይቲ ሕክምና ኰታ ኩሉ ንሰብኣዊ መሰረታዊ ኣድላይ ዘበለ ክረክብን ድኽነት ሰብ ኣምጸኦ ከምዝዀነ ዘነጽር ስልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ዘድምዕ ዓውደ ጉባኤ ከምዝዀነ ገሊጾም።

ድኽነት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ሱታፌን ሕድ ሕዳዊ ስምምዕን ንናይ ሓባር ጥቅሚ ስምምዕን ዝብሉ ክብርታት ኣስተንፍሶ ዝገበረን እዚ ኣብ ካስተልጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ማርያፖሊ ማእከል ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ እቲ ማሕበር ሱታፌኣዊ ኤኮኖሚ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ዝኽተሎ መደብ ዝሓንጸጸን ድኽነት ንምውጋድ ዝግበሩ ጉባኤታትን ዝቐርቡ ዝተፈላለዩ ረቂቓን ሓሳባት ንድኸት ኣዚዩ ዘተሓላልዀ እምበር ዝፈትሖ ኣይኰነን ድኽነት ንምውጋድ መፍትሒኡ ተኻፊልካ ምንባር እዩ ልክዕ ከምቲ ግብረ ሓዋርያት ፥ “ኩሉ ናይ ኩለ ነበረ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዚድልዮ ይምቀል ነበረ ምእንቲ’ዚ እቶም ሕዝቢ ሓደ ሽጉር ኣይነበሮምን” ዝብሎ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ናይቲ ሕሱም ድኽነት መፍትሕ እዩ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ዘስምርሉ ሓሳብ ዘቃልሕ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ሎሞናኰ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.