2017-02-04 17:12:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓልዮትን ግብረ ሰናይን


ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ኡምብሪያ ከባቢ ፐሩጃ ብተደጋጋሚ ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ከባብን ሕዝብን ብዝተፈላለየ መገዲ መሰረታዊ ኣድላዪ ኩሉ ይቐርብሉ ምህላዉን መንግስቲ ኢጣሊያ እውን ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኣብ ኩለ መዳይ ግብረ ሰናይ ይርከብ ምህላዉ ክምልከት እንከሎ ዕለት 17 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔ ከባቢ ኢጣሊያን ከምኡ ድማ ኣብ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉዪ ቤት ሕክምና ሕጻናት ንምሕናጽ ቅዱስ ኣቦና ንዝሓቀንዎ መደብ ግብረ ሰናይ መሳለጢ  ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዝተኻየደ ናይ ውሁድ ጥዑም ቅንይት መደብ ምርኢት ሙዚቃ ካብ ዘርከቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሸውዓተ ሚእቲ ሺሕ ኣብታ ኣዚያ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔት ከተማ ኖርቻ ናይ መንእሰያት ማእከል ንምሕናጽ መደብ ዝውዕል ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖን ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታ ዋና ኣዛዚ ዶመኒኮ ጃኒን ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣመሓዳሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቨርገዝ ብሓባር ምስቲ ነቲ ናይ ሙዚቃ ጥዑም ውሁድ ቅንይት ዝመርሑን ነቲ ምርኢት ዘቕረቡ ውሩይን ህቡብን ኢጣሊያዊ ድምጻዊ ክላውዲዮ ባሊዮነ ናብቲ ከባቢ ዕለት 2 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ከምዘብጽሑ እንክሕበር ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ብወገኖም ግባሬ ሰናይ ምዃን ናይ ኵሉ ጸዋዕታ እዩ። እቶም ናይ ባንጉዪ ሕጻናት ንገዛእ ርእሶም ብዙሕ ሓገዝ ዘድልዮም ክነሶም በቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገበርሎም ግብረ ሰናይ ተማሪኾም ብተራኦም ንናይ ኖርቻ ሕፃናት ሓገዝ ዝውዕል ዝኣከብዎ ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሓምሳን ኤውሮ ከምዝለኣኹ ሓቢሮም። ሰናይ ዝተገብረሉ ብተራኡ ሰናይ ካብ ምግባር ኣይቦክርን። ግብረ ሰናይ ተላገብ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይ ስፖለቶ ኖርቻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ረናቶ ቦካርዶ ብወገኖም ነቲ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ባንጉዪ ሕፃናትን ዝለገስዎ ግብረ ሰናይ ኣመስጊኖም፡ እቲ ዝፈረሰ መውዓሊ ሕፃናት ብናይ ሰሜን ኢጣሊያ ወለንተይናታት ብዝገበርዎ ድጋፍን በቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ግብረ ሰናይ ዳግም ተሓኒጹ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል እዩ ከምዝበሉ ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ቦካርዶ ነቶም ነቲ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔ ከባቢ ደገፎም ዘቕርቡ ንዘለዉ ኵሎም ብፍላይ ድማ ነቶም ዕለት ብዕለት ብጸሎትን ብግብረ ሰናይን ዘሰንይዎም ቅዱስ ኣቦና ምስጋና ከምዘቕረቡን ዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተም መግለጺ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣመሓዳሪ ኣብ ኖርቻ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታን ቡራኬን ኣባታዊ መንፈስ ሒዞም ምርኻቦም ገሊጾም  ነዛ ብርእደ መሬት ዝተናወጸትን ዝዓነወትን ከተማ ክትርእይ ክንደይ ሕይወት ንስቓይ ከምእተዳረገን ዝዓበኻሉን መበቆልካን ክጠፍእን ስቓይን ፍርሕን ከሕድረልካን ብዙሓት ብሞት ክፍለዩኻን ካብ ተስፋ ናብ ቀቢጸ ተስፋ ዝዳርግ እውን እንተዀነ ነዚ ኹሉ ስቓይን ተስፋ ቝርጸት ብሓሳብን ብስነ ኣእምሮኣዊውን ብዓብዩ ብእምነትን መዳይ ምስጋር ጥራሕ ዘይኰነስ ብዳግመ ሕንጸት እውን እዩ ዝፍወስ ስለዚህ ኣብ ግብረ ሰናይ ምርኻብ ንሰብ ሓገዝን ድጋፍን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ምርኻብ ዓቢይ መድሃኒት እዩ እንክብሉ ብፁዕ ኣቡነ በካርዶ ዳግማይ ሕንጸት ክቀላጠፍ ድማ ናይ ኣባይቲ ጽሕፈት ኣሰራርሓ ስሉጥን ናይቲ ሕጹጽ ድጋፍ ዘድልዮ ዜጋን ከተማ ኩነት ዓቢይ ግምት ዝህብ እምበር ዝንጉዕ ክኸውን የብሉን ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.