2017-02-07 17:08:00

ኣዋጅ ብፅዕና ጃፓናዊ ናይ እምነት ሰማዕት ኡኮን


ኣብ 16 ክፍከ ዘመን ዝነበሩ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጁስቱስ ታካያማ ኡኮን መስፍናውን ናይ ጃፓን መስፍናዊ ወትሃደር (ሳሙራይ) እምነት ክርስትና ተቐቢሎም ምስ ተለወጡ ዝተቐበልዎ እምነት ክርስትና በቲ እዋን ዝነበረ ናይ ጃፓን መስፍናዊ ንጉስ ካም ክሕደን ሃገርን ሕዝብን ተቆጺሩ ነቲ ጸረ ክርስቲያን ዝዀነ ግዝኣት ዛሕዚሖም ዝተሰዱ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረት ዕለት 6 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ከተማ ኦሳካ ናይ ቅድስና ጉዳይ ብዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕ ከምዝበለቶ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣመልኪተን።

መስፍናዊ ወትሃደር እቲ ከም ጃፓናዊ ሳሞራይ ሻምለይና ብርቱዕ ተዋጋኣይን ጉራደኡ ነሳደድቱ ካብ ምምዛዝ መስቀል ክርስቶስ ዝመረጸን ኣብ ስደት ዝሞተን ምዃኑ ናይዚ ሓድሽ ብፁዕ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ታሪኽ ይሕብሮም። ኣብ 1552 ዓ.ም. ዝተወልደን ገና ወዲ 12 ዓመት ዕድመ እንከሎ ወላዲኡ ብናይ ኢየሱሳዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ስብከት ተማሪኾም እምነት ክርስትና ምስ ተቐበሉ ምስ ኣቡኡ ጸጋ ጥምቀት ምስ ተቐበለ ኣብቲ እዋን’ቲ ናይ ታካያማ መሳፍንቲ ታካዙኪ ምስ ተቖጻጸሩ ኡኮን ከይፈርሔ ኣብታ 30 ሽሕ ሕዝቢ ዝቕመጣ ከተማ እምነት ክርስትና ይሰብኽ ከዝነበረ ካብቶቶም 30 ሺሕ ተቐማጦ እቶም 25 ሺሕ ድማ እምነት ክርስትና ከምእተቐበሉን ናይ ኡኮን ናይ ታሪኽ ማሕደር ጠቒሶም ከምግዝገለጹ ደኒኒ ኣፍሊጠን።

ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ፡ ኡኮን ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ ብዕምቆት ዝተረድኤን ማእከል መልእኽቲ ድማ ፍቕሪ ምዃኑ ኣሚኑ ምስ ኩሎም ምሕረት ኣምላኽ እናተግበረን ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደሩ ዝነበሩ ኣብቲ እዋን ኣገልገልቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ብፍቕርን ምሕረትን ንድኻታት እውን ሓላይን ስኡናት እናኣለየን ነቶም ድኻታት ሳሞራይ ድማ ሓገዝ እናሃበ እምነት ዝመስከረን ናይ ሕውነት ማሕበር ምሕረት ዝመስረተ እውን ምንባሩን ሕዙናት ምጽንናዕን ሕሙማን ምብጻሕን ኣላይ ዘይብሎም ድኻታት ካብ ዓለም ብሞት ምስ ዝፍለዩ ቀባሪ ንዘይብሎም ባዕሉ ምስ ኣብኡ ኰይኑ ቀባሪ ኰይኑ ጸሎት ፍትሓት እውን እናቕረበን ክርስትና ክርስቶስ ምምሳል እንተዘይኰይነ ርእየት ዓለም ኰይኑ እዩ ዝተርፍ ዝብል ክርስትና ብሕይወት ዝመሰክረ ከምዝነበረ ዘኪሮም።

ናይ ሕይወት ታሪኹ መሰረት ገይሮም ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ኣማቶ፥ ኣብ 1587 ዓ.ም. ሾጉን ሚደዮሺ ልኡካነ ወንጌል ብምስጓግን  በቲ ኣብቲ እዋን ብዘበገሶ ጸረ ክርስቲያን ተግባራትን ኣሳዶን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያንን ኣቡኡን ንሱን እቲ መንግስቲ ክርስትናኦም እንተድኣ ክሒዶም ዘቕርበሎም ክብርን ሽመትን ይትረፈና ቢሎም ክርስትናን ድኽነትን መሪጾም ከብቅዑ ኣብ 1641 ዓ.ም. ሾጉን ክርስትና ብሕጊ ክልኩል ቢሉ ብምእዋጅ ይወስዶ ብዝነበረ ስጉምቲ ናብ ፊሊፒንስ ምስ ካልኦት 300 ክርስቲያን ንስደት ምስ ኣምረሐ ናብ ፊሊፒንስ ቅድሚ ምብጻሑ ድሕሪ 40 መዓልቲ ኣብ ሰማይ ቤት ከምእተወልደን ገሊጾም፥ ክብርን ቅንዕናን ዝሕንጸቱ ናይ ክርስቶስ ዕጡቕ ብእምነትን ተስፋን ፍቕርን ምስክርነት ሕይወትን ቃልን ዝዕጥቁ ኣብ ልቡ ጽኑዕ ተኣማንነት ንኽርስቶ ዝሰረተን እዚ ድማ ኣብ ስደትን መከራን ሓይሊ ኰይኑ ከምዘሰነዮ ኣብሪሆም ናይ ዓለም ክብርን ልዕልናን ኣይፋል ቢሉ ድኽነት ዝመረጸ እዚ ሓድሽ ዝስዕቦ ዝነበረ ሕይወቱ ሕጉስ ኰይኑ ንዝተቐበሎ ቅዱስ ምስጢር እሙንን ምስክርን ኰይኑ ምንባርን ምሟትን ንኣይ ክርስቶስ እዩ ዝበለ ኣብነት እዩ ከዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን ኣብ ጎራዴ ዝነበረ ሓይሉ ነጺጉ ሓይለይ መስቀል እዩ ዝበለን ምንባሩ ኣብታ ኡኮን ሳሞራይ ዘርእስታ ብዛዕባ ታሪኽ ሕይወቱ ዘዘንትው ሰነዳዊ ፊልም ከምእተሰመረሉን ናይዚ ኣበሃህላ’ዚ ትርጉሙ ድማ ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን።

ናይቲ ሰነዳዊ ፊልም ደራሲትን ቀራጺትን ሊያ በልትራሚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ናይ ብፁዕ ኡኮን ሕይወት ኣብ ሰለስተ ደረጃ ይምደብ ምስ ኣቡኡ ብሓባር ምስጢረ ጥምቀት ምስ ተቐበለን፡ ኣብ ዓውደ ውግእ እንከሎ ድማ ውግእ ሕይወቱ ከምዘይኰነ ምስትውዓሉን ካብ ክብርን ኢየሱስን ኣብ ምምራጽ ኩነት ምስ ዝርከብን እያኦም። እቲ ንሱ ዝመርጾ መገዲ ሳዕቤኑን ኣብ ልዕሊኡ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብታ ኣብቲ ኣብቲ ከባቢ እትውለድ ንዝነበረት ቤተ ክርስቲያንን ልኡካነ ውንጌልን ኣባይቲ ስድራኡን  እውን ከቢድ ከምዝኸውን ዝተረድኦ እውን እንተነበረ ሕይወት ክርስቶስ ኢዩ ቢሉ ንናይ ዓለም ኣመክንዮ ኣይፋል ቢሉን መንግስቲ ናይዚ ዓለም ሓዲጉ መንግስቲ ኣምልኽ ዝመረጸ እዩ። መለለይኡ ጃፓናዊ ባህሉ ከይከሓደ ነቲ ባህሊ ብክርስትና ክስበኽ ዝገበረን ሎሚ እውን ሓደ ካቶም ጃፓናውያበን ዓበይቲ ሳሞራይ ተባሂሉ ኣብ ናይ ጃፓን ባህሊ ዝዝከረን ምዃኑ ሓቢረን ካብ ልኡካነ ወንጌል ዝቐረበሉ ክርስቶስ ኣብ ሕይወቱ እናነበረ ብተራኡ ድማ ሰባኬ ወንጌል ዝኾነ ብቃል ኢየሱስ ወትር ድኑቕ እዩ ኔሩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.