2017-02-07 17:05:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን


ዕለት 11 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኰይኑ ክሕሰብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድሚ 25 ዓመት ዝወሰንዎ ውሳኔ መሰረት ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ሉርድስ ከምእተፈጸመን እንክዝከር እነሆ ድማ ዕለት 11 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ንሳልሳይ ጊዜ ኣብ ሉርድስ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ፥ “ክጽብጸብ ዘይከኣል እግዚኣብሔር ስለ ዝፍጽሞ ኵሉ ምድናቕ፡ እቲ ከሃሌ ኵሉ ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ”ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ክበዓል ምዃኑ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ሕንጸት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ማሬ ማተ ሙሲቪ ሙፐንዳዋቱ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ሎሚ እውን ዕለት 11 ለካቲት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ዕለት ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ማሪ ሙፐንዳዋቱ ናይ ክንክን ጥዕና ሰብ ሙያ ሓድሽ ቅዋም ከምዘላለዩ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ ብፁዕነቶም ነቶም ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡ ዝነበሮም ብዘጋጠሞም ጉድለት ጥዕና ክርከቡ ንዘይከኣሉ ናይቲ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ሕንጸት ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ኅየተ ብፁዕ ካዲናል ፒተር ቱርክሶን ተኪኦም ከምእተረኽቡ ኣተሓሳሲቦም፡ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዓለም ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ንዘርእይዎ ተገዳስነት ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዘመሕላለፍዎ ናይ ምስጋና ቃል ነቶም ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተረኽቡ ናይ ዝተፈላለያ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ዕለታዊ ጋዜጣታትንና ድምጸ ርእየት ጋዜጠይናታት ልኡካን ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣቕሪቦም፡

ህሙማንን ንህሙማንን ዝሳቐዩን ስሌኦም ብዘለዎም ናይ ክንክን ጥዕና ሞያን ወይ ድማ ከም መስተሓምማን ወለንተይናታት ዝሓልዩን ዝከናኸኑን ኵሎም ቆላሕታ ክግበረሎም ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ብዝተፈላለዩ መፈሳውን ኣብ ዛዕባ ክንክን ጥዕና ብዘማእከሉ ናይ ባህሊ መደባትን ዓውደ መጽናዕትታትን ጉባኤታትን ተሰንዩ ዝካየድ ከምዝዀነ ንቕዱስ ኣቦና ወኪሎም ዕለት 11 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምዃኖም ከምዝገለጹ  ጂሶቲ ሓቢሮም።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ናይ ጸሎትን ሓልዮትን ስቓይ ከም ናይ ቤተ ክርስቲያን ብቑዕ መስዋዕቲ ምዃኑ ዝስትንተነሉን ስቕያት ኵሉ ኣብ ስቓይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝድሕን ምዃኑ ብእምነት ኣሜን ዝበሃለሉን ኣብ ዝሳቐይ ሰብ ወጅሂ ክርስቶ ምልላይ ከምዘድሊ ዝስትውዓለሉን ዓቢይ መዓልቲ ጸሎት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልእኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉን መግለጺ ካብ ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ሓላፊ ግረግ ቡርከ እቲ ሓድሽ ዛዕባ ክንክን ጥዕና ሰብ ሙያ ቅዋም ብመርኣያ ጠመቅ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ስነ ምርምርን ተሓዲሱን ዝረቐቐ ምዃኑ እንክሕብሩ መግለጺካብ ዝሃቡ ሓደ ድማ ኣብ ሮማ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ምዱብ መምህር ፕሮፈሰር ኣንቶኒዮ ጆዋኪኖ ስፓኞሊ ብወገኖም እቲ ሓድሽ ቅዋም ነቶም ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ናይ ስነ ጥዕና ስነ መድሃኒት ተመራመርትን ኣባይቲ ምህርቲ ኣፋውስን ናይ ስነ ሕክምና ጉዳይ ናይ ዝምልከት ስነ ምሕደራን ናይ ስነ ጥዕናን ሕክምናን ጉዳይ ዝምልከት ሕግን ደያኑን ኵሎም ዝምልከት እዩ ስለዚህ ናይ ሕልና ትብዓትን ምስ ሕልና ናይ ምርኻብ ትብዓት ዘነቓቕሕ እዩ ከምዝበሉ ኣመልኪቶም።

እቲ ቅዋም ተዋልዶን ምንባርን ካብዚ ዓለም ብሞት ምሕላፍን ነባራዊ ባህርያት ሕይወት ዝምልከትን ዝትንትን ኣብዚ ጉዳይ ብዕምቀት ዝብርህ ናይ ገዛእ ርእሱ ምዕራፍ እውን ከምዘለዎን ፕሮፈሰር ስፓኞሊ ገሊጾም፥ እዋናዊ ተበጽሖታት ናይ ስነ ሕክናን ስነ መድሃኒትን ምርምር ግምት ዝህብን ኣተሓሒዙ ድማ ናይ ሞት ባህሊ ዘስፍሑ ጸረ ሕይወት ዝኣመሰሉ ከም ጽንሲ ምንጻልን ስነ ንጹህ ወልድ ማለት ሰነ ምምሕያሽ ዘርኢ ብዝብል ኣመለኻኽታ ወልድ ምሕራይ ዝግበር ናይ ዓይነት ዝውለድ ሰብ መረጻን ኣብ ልዕሊ ዕሸላንትን ናይ ምውሳን ብቕዓት ኣልቦ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ በጽሒ ወለዶ ዝግበር ምኮራን ከም ቤተ ፍተሻ ምጥቃምን ብጥልቂ ብስነ ኣመክንዮ ተቐባልነት ከዘይብሉ ምዃኑ ዘገንዝብን እዩ ኰይኑ ግና ስነ ምርምር በቢ ዕለት ማዕባሊ ብምዃኑ እቲ ቅዋም ብዛዕባ ጥዕናንን ሕሙማንን ዝምልከት ኩሉ ብምልኣት ዘጠቓልልን ዝድምድምን ኣይኰነን ኩሉ ተበጽሖታት ግምት እናሃበ ዝሕደስ እውን እዩ። ስለዚህ ምስ ናይ ክርስቶስን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ምሉእ ስንይት ብዘለዎ መገዲ ዘብርህ ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሙያዊ ቅዋም እዩ ከምዝበሉ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.