2017-02-09 16:56:00

ምስሪ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርካ ሰድራቅ፥ ጸረ ኣቢያተ ክርስትያን መጥቃዕቲ እውን እንተሎ ኣቢያተ ክርስትያን ምሕናጽ ግድን እዩ


ብምኽንያት ቪሲታ ኣድ ሊሚና ኣፖስቶሎሩም Visita ad Limina Apostolorum ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስን ንምስላም ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ኣብ ምስሪ ናይ እስክንድሪያ ምስራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዝሓለፈ ሰኑዕ ዕለት 6 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ተራኺቦም ብዛዕባ ኣብ ምስሪ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህልው ኩነታት ዘትዮም ካብ ቅዱስነቶም መሪሕ ቃል ከምእተቐበሉ ክፍለጥ እንከሎ።

ናይ እስክድርያ ኤጳርቅና ፓትሪያርክ ብፁዕነቶም ኢብራሂም ኢሳክ ሰድራክ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅድሚ ምርኻብ ምስ ቅዱስ ኣቦናን ምቕባል መሪሕ ቃሎምን ምዕዳኖምን ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባባርቲ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ጳጳሳዊ ኣቢያተ ምኽርታትን ምብጻሕ ከምእተኻየደን ገሊጾም፡ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ርክብ ይብሉ፥ ብዛዕባ ሕንጸት ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ቀጻሊ ሕንጸት ወሉደ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናንን ብቓልን ሕይወትን ኣብነት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻእን ፍሉዩ ቆላሕታን ንመንእሰይ ወለዶን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩ ቅዱስነቶም ኣብዞም ነጥብታት ኣተኵይሮም ቅድም ኣቢሎም እውም ምዕዳን ከምዝለገሱን እቶም ኣብ ምስሪ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምስሪ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ንኽፍጽሙ ናይ ዕድመ ሰታሪት ከምዘረከቡ እውን ሓቢሮም ስለ እተገብረሎም ዕድመ ድማ ኣመስጊኖም ብጥንቃቔ ድማ ክሓስብሉ እየ እንክብሉ ከምዝመለሱ ዝሓበሩ ብፁዕነቶም ፓትሪያርክ ኢብራሂም ኢሳቕ ሰድራቕ ኣስዒቦም ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕን ምስርን ኣብ ዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፥ ዓመጽን ሁከትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሰፊሕ ዝረአይ እውን እንተዀነ ዓመጽ ዳርጋ ዕውሉም ኰይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ምስሪ ዘሎ ህልው ኩነት ናይ ምስሪ ሰናይ ዝሓስቡ መንግስትን እስላምን ክርስቲያንን ኩሉ ብዙሕ እዩ ዝሻቐልን ዝሓስብን እቶም ሰላም ዘይደልዩን ናይ ምስሪ መንግስቲ ክእለይ ዝደልዩ ናይ ገለ ገለ መንእሰያን ብስእነት ስራሕ እውን ዝተጠቕዑ ካልኦት ጉድለት ሓበሬታን ዘይኣፍልጦነት እናተጠቐሙ  ናይዚ ናይ ሁከት ዕላማኦም መሳለጢያ ክገብርዎም ይርአይ ኣሎ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ምስሪ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ። እቲ ማሕበረ ክርስቲያን ድማ ነቲ መንግስቲ ኣል ኣሲሲ ደጋፊ ስለ ዝበሃል በቶም ኣኽረርትን ጸረ መንግስቲ ምስርን ተሃዳኒ እዩ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብመንግስትን ብሰላማዊ ሕዝብን ክውገዝን ናይቲ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ንፍርዲ ንምቕራብን ግቡእ ፍርዲ ንምትሕልላፍ ዝግበር ዘሉ ኣሰራርሓ ኣባይቲ ፍርድን ሓይሊ ጸጥታን ዘርአይዎ ዘሎ ጻዕሪ ዘሕጉስ እውን እንተዀነ ዝቕተሉ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ዝግበር ጸሎተ ፍትሓት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ልኡካንን ክሳተፉ ምስ እትርእይ እቲ ዘሎ ሓድነት የሐጒስ። ኣብ ልዕሊ ማሕበረ እስላም ዝፍጸም መጥቃዕቲ እውን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ልዕለይ ዳርጋ ዝተፈጸመ እዩ ቢሉ ዘርእዮ ምትሕብባር ንኡድ እዩ።

ኣብ 2013 ዓ.ም. ብኣሸበርቲ ዝወደማ ኣቢያተ ክርስቲያን መንግስቲ ንዳግማይ ሕንጸት ድጋፍ ይህብ እውን እዩ። ኵለን ዝዓነዋ ኣቢያተ ክርስቲያን ዳግማይ ተሓኒጸን እየን  እዚ ዓቢይ ተበጽሖ እዩ ሽሕ እኳ ቤተ ክርስቲያን ንምሕንጻ ፍቓድ ምሕታት ዝብል ሕጊ እውን እንተሎ ኣብ ሓሳብን ተግባርን ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ መንጐ ኣል ኣዝሃርን ናይ ምስልምና ሃይማኖት መንበረ ጥበብን ኣብ ግብጺ ናይ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ፕሮተስታትን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ሰናይ እዩ፡ ሰላማዊ ሕዝቢ ሃገሩ ዘፍቅር እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.