2017-02-09 16:50:00

ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ናይ ካቶሊክ ሕንጸት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር


ፍቱዋተይ

ኣብዚ ርክብና’ዚ ኣቐዲሞም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ናይ ሰላምታን ምስጋናን ቃል ንዘስምዑ ናይ ስነ ካቶሊክ ትምህርቲ ሓልዮ ቅድስ ማሕበር ህየተ ብፅዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲን ኣመስጊኖምን ነቶም ኣብዚ ቅዱስ ማሕበር ንኸገልግሉ ዝተሾሙን ሓደስቲ ኣባላትን ተጋባእያንን ነቶም ናይ Fondazione Gravissimum educationis - ማሕበር ልዑል ኣገዳሲ ሕንጸ ብዝብል ስያሜ ዝቖመ ነቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕንጸ ኣማእኪሉ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝሃበሉ ውሳኔ ዘነቓቕሕ ማሕበር ኣባላት እውን ዘላምታኦም ብምቕራብ ኣተሓሒዞም ኣብቲ ዘካይድኩምዎ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣገልግሎትን ዕዮኡን ወዳኒ ቀጺሉ ከይዲ ስራሕ ዝምስርቕን ዘላልን ምዃኡ ብምዝኽኻር ናይ ስነ ካቶሊክ ሕንጸት ዓውዲ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ሓላፍነት እዩ ብምዃኑ ድማ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ፋልማውን ቀጻልን ሕንጸት መምሃራን ስነ ካቶሊክን ሕንጸት ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ትምህርቲ ሓለፍነትን ኣመሓደርትን ነዚ ድማ ዘይንጽል በንጻሩ ዝሓቁፍ ትምህርቲ ሃይማኖት ዘተባብዕ ኣብ ናይ ከባቢ ሰበኻታት ዝርከባ ኣባይቲ ትምህርቲ ካቶሊካውያን ዝድግፍ እዩ።

እቲ ዘካየድክምዎ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሕንጸት ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መናብርተ ጥበብ ንሕዳሴ Costituzione apostolica Sapientia christiana – ሓዋርያዊ ቅዋም ክርስቲያናዊ ጥበብ ቅዋም ምስ ውሳኔ ዛዕባ ምስጢረ ተኺሊል ዝተተሓሓዘ ሕንጸት ስነ ሕገ ቀኖናን ከምኡ ድማ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መናብርተ ጥበብ ዝብሉ ኣርእስታት ኣማእኪሉ ከምዝመኸረ ድማ ገሊጾም ኣብቲ ወጌላዊ ሓሴት እተሰምየ ዓዋዲ መልእኽቶም ከምዝበልዎ መናብርተ ጥበብ ንምስትዓውልን ምስትንታንን ንናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገልግሎ ምዕባለን ሓለፋ ዘለዎ ስፍራ እዩ። ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ንባህሊ ብወንጌል ኣብ ምስባኽ ኣብ ዝግበር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዓቢይ ኣበርክቶ ኣለወን፡ ሰብኣውነት ዘነቓቕሕ ሕንጸት ዝመሓላለፈሉን እቲ ንሰብኣዊ ኣብ ምዃኑ ዘድክይ ሸለልተይናነትን ንኣይነትን ኢጎነትን ናይ ባህሊ መኻንነት ዘስፍሕ ባህልን ሰብን ዘምክን ካብቲ ምዃኑ ዘትሕት ኩሉ ብምቅላሕ ምሉእ ሰብኣዊ ሕንጸት ንኽኽወን ዝድግፍ ባህሊ ዘቕርብን ዘስፍሕን ናይ ሰላም ባህሊ ዘቕርብን እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦናኣብ ምዕዳኖም ሓቢሮም፥ ኣብቲ ናይ ሰብ ካበይን ናበይን ዝብል ምዃናዊ ሕቶ ዘማእከለ እንታይነት መስታቱ ብዝተፈላለየ ዘርፈ ትምህርቲ ናይ ሕብረተሰብ ጥቅምን ሰብ ወይ ከኣ ዜጋ ተወሊዱ ዝዓብየሉ ስድራን ሕብረተሰብ ዘለዎ በይናዊ ፍጥረት ዘይኰነ ተራኻቢ ምዃኑን ኣብቲ ምፍጣሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸዋዕታ ሒዙ ዝመጽእ ምዃኑ በዚ ጥልቂ ሓሳብ መሰረት መደብ ሕንጸት ዘነቓቕሕ ቅዱስ ማሕበር እዩ።

ምርኻብን ዘተን ስነ ጥበባዊ ዘተን ርክብን ዘነቓቕሕን ድላይ ሓቂ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ቀልባዊ (ኣእምሮኣዊ) ዘተ መሠረት ሰብ ብዝተፈላለየ ጭናፍር መጽናዕቲ ድልያ ሓቂ ከምዘካይድ ዘነጽር ሜላ ናይዚ ናይ ስነ ትምህርቲ ኣብነት ድማ ናይ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ እዩ፡ ሕንጸት ዘራኢ ተስፋ ከምዝዀነ ድማ ኣረዲኦም ቀጺሎም ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ዕላማን ኣገልግሎትን ሰናይ ውጽኢት ክህልዎ ንማርያም መንበረ ጥበብን ምሕደር ጥበብን ኣማዕቁብ፡ ሓደራ ስለይ ጸልዩ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣና ፖቸ ሓቢረን፡ 








All the contents on this site are copyrighted ©.