2017-02-09 16:44:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዘይ ርትዓዊ ስራሕ ሕብረተሰብ ኢፍትሓዊ ይኸውን


ናይ ኢጣሊያ ደብቡባዊ ክሊ ሰበኻታት ብሓባር፥ “ቤተ ክርስቲያንን ስራሕን፡ ኣብ ደቡብ ኢጣሊያ እንታይ ዓይነት መጻኢ ንመንእሰይ ወለዶ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝዝትይ ናብ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ንሓድሽ ወለዶ ርትዓዊ ስራሕ ዘወፍይ ብቑዕ ዕድላት ዘየቕርብ ሕብረተሰብ  ኢፍትሓዊ እዩ ዝኸውን” ዝብል ስራሕን ርትዓውነትን ሕብረተሰብን ፍትሓውነትን ዘለዎ ግምደት ዘስተንትን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ናብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ረፓሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስትን ፓውሎ ጀቲሎኒ እውን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጓራሺ ኣስዒቦም፥  ዕለታዊ እንጌራ ዘይምራካብ ምስ ዘጋጥም ሰብኣዊ ክብሪ ይጠፍእ ስለዚህ ዕለታዊ እንጌራን ክብሪ ሰብን ተተሓሒዙ ዝኸይድ ምዃኑ ቅዱስነቶም ሓቢሮም መንእሰይ ወለዶ ብሩህ ትጽቢትን ተስፋን እንተድኣ ዘይብሉ ብቐሊሉ ንዝተፈላለዩ ናይ ክፍኣት ጉጅለታት ተሃዳኒ እዩ ዝኽውን፡ ስለዚህ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ መንግስታዊ ተቛማት ኰይኑ መንእሰይ ወለዶ  ካብቲ ዘይሕጋዊ መሰልን ክብርን ዘየማእክል ጸሊም ስራሕ መኽሰብ ጥራሕ ናይ ዝብል ናይቲ ህሩፍን ስሱዕን ገንዘብ ጥራሕ ዝብልን ገንዘብ ዘምልኽ ሰብ ዝስውእ ጣኦተይና ኤኮኖሚ ግዳይ ከይከውን ነቲ እናሰፍሔን ኣናኸፍኤን ዝኸይድ ዘሎ ስእነት ስራሕ ብቑዕ መፍትሒ ክረብን ኣብ ዘኽእል መዳይ ክዓዪ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም፥ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ እውን ብወገኖም ኣብ መልእኽቶም ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ኢጣሊያ ዘሎ ኤኮኖሚያዊ ፍልልይ ክጸብብ ዘኽእል ከይዲ ኤኮኖሚ ዘለዎ ኣገዳስነት እንክትንትኑ፥ ናይ ናፖሊ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ክረሸንዚዮ ሰፐ እውን ብወገኖም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ ደቡብ ከባቢ ኢጣሊያ ኤኮኖሚ ሕጋውነት ከይዲ ክህልዎን ኣብቲ ከባቢ ብሰፊሕ ዝረአይ ስእነት ስራሕ ክውገድ ዝድግፍ ዝተፈላለዩ ኣብ ሕርሻን ኣብ ናይ ኢደ ጥበብ መዳይ ውጥን እናቕረበት ዓቦይ ደገፍ ከምእተገብር ገሊጾም፥ ዝተሓድጉን ዝተዛሕዝሑን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ብምጥቃም ናይ መንእሰያት ናይ ስራሕ ስእነት ጸገም ንምቅላል ብመንእሰያት ሕብረት ንዝምርሑ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብምቛም ብዙሕ ኣስተዋጽኦ እያ እተበርክት ኰይኑ እዚ ድጋፍ’ዚ ከም ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ እዩ ከምዝበሉ ጓራሺ ገሊጾም።

ናይ ከተማ ናፖሊ ከቲባ ልዊጂ ደማጂስትሪስ፥ መንስግቲ ኢጣሊያ ብዛዕባ ናፖሊ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዝፈጸሞ ውዕሊ ናፖሊ ዝብልን ንናይ ባኞሊ ዝተገብረ ውሳኔ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ። ኰይኑ ግና ብሓፈሻኡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበሩ መንግስታት ንደቡብ ከባቢ ኢጣሊያ ብዙሕ ኣይገበሩን እንተተባህለ ሓሶት ኣይኰነን። እቲ ዘሕዝን ግና ኣብ ምምቅራሕ ሃብቲ ማዕርነት ዘይምህላዉ እዩ። ንሰሜናዊ ማእከላዊ ከባብን ንደቡብ ከባቢ ኢጣሊያ ናይ ጸጋታት ሃገር ኣብ ምክፍፋሉ ዘይማዕራውን ኣድልዎን ዘለዎን ኢዩ ዝመስል ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጓራሺ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.