2017-02-11 17:01:00

ብፁዕ ካርዲናል ሲሞኒ፥ ወትሩ ኣብ ኩሉ ስፍራን ኣብቲ ጽልእ ዘለሉ ስፍራ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ነብጽሕ


ኣብ ኣልባኒያ ብዝነበረ ኢእግዚኣብሔራውን ኣልቦ እምነት ዘስፋሕፍሕን መእመናንን ኣቢያተ ክርስቲያናትን ዝዓጽውን ዘሳድድን ዝወርስን ብዝነበረ ስርዓት መንግስቲ ብዙሕ ዝተሳቐዩን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዑን ወዲ 88 ዓመት ብፁዕ ካርዲናል ኤርነስት ሲሞኒ ዕለት 10 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብቲ ናይ ዘነግህ ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝሓበሩን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምእተራኸቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ሓቢሮም።

እዞም ኣብ 1956 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን በቲ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ዴሳዊ ስርዓተ ምልካዊ መንግስቲ ኤንይቨር ሆክሳ ዕለት 24 ጥሪ 1963 ዓ.ም. ናይ በዓለ ልደት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዝተኣሰሩን፡ ኣብ ጽንኩር ቤት ማሕቡስ ተዳጒይኖም እንከብቅዑ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ንዝነበሩ ብዙሓት እሱራት ኣበ ነፍስ ኰይኖም ብሕቡእ እናጸናንዑን ወንጌላዊ ኣገልግሎቶም እናካየዱ ንብዙሓት ኣብነት ዝዀኑን ን 27 ዓመት ኣብ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ምቕያድ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ እውን ዝተዳርጉን ኣብ 1981 ዓ.ም ናጻ እውን እንተተለቁ ናይ ሕዝቢ ተጻእይ ተባሂሎም ኣብ ናይ ስኩታሪ ናይ ዝርከብ ናይ ረሳሕ ማይ መድፍእን መእከብን መተሓላለፍን ዓበይቲ ቱቦታት ዘጽርይ ኣብ ዝነበረ ናይ መንግስቲ ትካል በስገዳድ ከገልግሉት ተገይሮም ንብዙሕ ስቓይን መከራን ዝተዳርጉን ኰይኑ ግና ብሕቡእ ክህነታዊ ኣገልግሎትም ክሳብ ምውዳቕ ዴሳዊ ስርዓት ኣልባኒያ 1990 ዓ.ም. ዝፈጸሙን ንኽንገር ዘይክኣል መከራ ዝተዳርጉ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ኣልባኒያ ርእሰ ከተማ ቲራንያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ታሪኽ ናይዞም ካህን ምስ ሰምዑ ብሓቂ ተተንኪፎም ብጽንዓት እምነቶም እውን ተደኒቖምን ዕለት 19 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ካብቶም  ብፁዓን ካርዲናላት ንኽዀኑ ዝሰመይዎም ሓደ ንኽዀኑ ከምዝሓረይዎምን እነሆ ድማ ዕለት 11 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 6 ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ ማርያም ዘስካላ ስዩም ዲያቆናዊ ጳጳስ ንኽዀኑ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ኤርነስት ሲሞኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ምስ ቅዱስ ኣቦና ሓቢሮም መስዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራጐም ዓቢይ ሓጎስ ከምእተሰምዖምን ፍቕሪ ኢየሱስ ናብ ኩሉ ክበጽሕ ድማ ጸሎቶም ምዃኑ ሓቢሮም። ኣማላድነት ማርያም ፍቱን እዩ። ወትሩ ብኣማላድነታ ምጽላይ የድሊ። ብኣኣ ንግስተ ሰላምን ርግኣትን ፍቕርን ሓጎስን ናብ መላእ ዘርኢ ሰብ ሰላምን ርግኣትን ፍቕርን ከምዝበጽሕ እምነተይ እዩ።

ኣብ ኣልባኒያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ተዓጸዋ ኣነ እውን ምስ ተኣሰርኩ እግዚኣብሔር ንኣባይቲ ማእሰርቲ በቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ካህናት ኣቢሉ ናብ ኣባይቲ ክርስቲያን እዩ ዝቐየሮ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝቕመጡ ስደተይናታት ኣልባናውያን እውን ከምዘገልግሉ ብምዝኽኻር ብዙሓት ኣልባናውያን ኣብ ስደት ኣለዉ ዳርጋ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ እውን ኣብ ኢጣሊያ ኣለዉ እታ ኣብቲ ጽንኩር ኣዋንን ሎሚ ኣውን ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ድምጺ ናብ ዓለም እተብጽሕ ራዲዮ ቫቲካን ንብዙሓት ስደተይናታት ኣብ ምጽንናዕ ትርከብ ተስፋ ትዘርእ፡ ኣልባናውያን በቲ ብቛንቋኦም ዝመሓላለፍ ኣገልግሎት ክፍሊ ራዲዮ ቫቲካን እውን ትስፉዋት ክዀኑ ተሓጊዞም እዮም።

ኣልባንያ ከምተን ካልኦት ሃገራት ኩሉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ብድሆታት እትገጥም ነቲ ኣብ መንጐ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ፍልልይ ንኽጸብብን ዕለታዊ እንጌራ ዘይብሉ ሰብ ምርኣዩ ብሓቂ ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኰነስ ንናይ ህልውና ሕቶታት ንምቕራብ እውን እዩ ዝድርኽ ድኽነት ዝፈጥር ኤኮኖምን ፖለቲካን ኣብ ዓለም ምርኣዩ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ስለዚህ ድኽነት ናይቲ ኣብ ዓለም ዝንበር ዘሎ ስርዓት ኤኮኖምን ፖለቲካን ውጽኢት እዩ። እዚ ድማ ቤተ ክርስትያን ብናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርታ ኣቢላ እናቃልዔት ኣብ ጐድኒ ድኻን ስደተይናታትን ንዝተፈላለያ ሓደጋ ዝተቓልዑ ዜጋታት ደው ቢላ ስለኤም ትጣበቕን ትከራኸርን ንኣኣቶም ትሓልን ንሶም ድማ ናይዛ ቤተ ክርስቲያን ውላድ ምዃኖም ገሊጾም፥

እግዚኣብሔር ዝህቦ ሃብቲ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ድኽነት መልሲ ንምሃብ እዩ። ንድኻታት ኣባይቲ ስድራን ምምክፋል እውን እዩ። ኢየሱስ ከምዝብሎ እቲ ነቶም ድኻታት ኣሕዋትን ኣሓትን እትህብዎ ዘበለ ድጋፍን ሓገዝን ሓልዮትን ኩሉ ንኣይ ዳርጋ ዝሃብክምዎ እዩ። ድኻ ካልአ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ቶቢያ ከምዝብሎ “ንድኻ ምምጽዋት ንኢየሱስ እነቕርቦ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ እዩ” ስለዚ ድኻታትን ናይ መንግስተ ሰማይ መዓጹ እያቶም። ብኣኦም ኣቢልካ እዩ ናብ ክርስቶስ ዝብጻሕ ንኽርስቶስ አፍቅር ዝብል ንድኻ ዘየፍቅር ኣብ ሓሶት እዩ ዝነበር፡ ንድኻ ዘሎካ ፍቕሪ ኢየሱስ ክበጽሓካ ይገብር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.