2017-02-11 18:43:00

ሰንበት ዘማኅበር የካቲት 5 2009 ዓ.ም. (2/12/ 2017)


ንባባት፡   ፩ቆሮ 1:26-31፥ 2ጴጥ 1፡1-5፥ ግ.ሓ. 2፡44-ፍ፥ ማቴ 5:1-12   ስብከት፡ 1.አግረረ ለነ አሕዛበ ታሕተ እገሪነ፥ ወኃረየነ ሎቱ ለርስቱ፥ ሥኖ ለያዕቆብ አፍቀረ። 2. በማኅበር ባርክዎ ለእግዚአብሔር፥ ወለአምላክነ በአንቅዕተ እስራኤል፥ህየ ብንያም ወረዛ በኃይሉ” መዝ. 68፡26። 

መዝሙር፡ “ያዕቆብ ዕጡቕ ሕቚኡ ክሳብ ዝመጽእ ብዙሓት ጓሶት ነታ እምኒ ካብ አፍ ዔላ ክግልብጥዋ አይከአሉን። ንሱ ከፊቱ መጓሰኡ አስተየ፥ ከምኡ ብዙሓት ነብያት መጽኡ ግን ንጥምቀት ክሳብ ዓቢ ጓሳ ዝመጽእ ክኸፍትዋ አይከአሉን፥ ንሱ አብአ ብዙሓት አሕዛብ አጥመቐ፥ ተአምራት መድኅኒና ዘደንቕ እዩ፥ ከምቲ በትሪ ካብ ዘርኢ እሰይ ብአምሳል በትሪ ያዕቆብ መጓሰ አባግዑ ዝሕልወላ ዝወጸት ንሳ ማርያም እያ። ከም ዝበሎ በትሪ ክትወጽእ እያ ዕምባባ አብአ ክርአ እዩ፥ ንሱ ሓደ እዩ ንሱ ወዲ አምላኽ እዩ።”

ሓደ እዋን ሓደ ፍላስፋ አብ ገምገም ሓሪ እናተመላለሰ ከመይ ገርካ እዩ ሓጎስ ዝርከብ እናበለ የስተንትን ነበረ። ብሃንደበት ጥምት እንተ አበለ ካብኡ ርሕቕ ኢሉ ሓደ ድኻ ገፋፍ ዓሣ አብ ትሕቲ ንእሽቶይ ጽላል በጥ ኢሉ ከዕርፍ ረአየ፥ ሽዑ አብኡ ቅርብ ኢሉ ጊዜኻ ከምዚ ኢልካ ክተሕልፎ አይ ግባእን በሎ። እንታይ ድአ ክገብር ይግብአኒ እናበለ ብሕቶ መልሲ ሂብዎ። ሽዑ ወዮ ፍላስፋ አብ ጃልባኽ ኮንካ ዓሣ ትገፍፍ እሞ ዝገፈፍካዮም ሸጥካ ብዙሕ ገንዘብ ክትእክብ ይግብአካ ነሩ ኢልዎ። ድሕሪኡኸ እንታይ ክገብር እየ እናበለ ገፋፍ ዓሣ ሓተተ? እዚ እንተ ገበርካ ዝአክል ገንዘብ ምገበርካ እሞ ዓባይ ጃልባ ገዚእካ አብ ውሽጢ ባሕሪ ከድካ ዓበይቲ ዓሣታት ምሓዝካ እሞ እንደገና ሸጥካ ብዙሕ ገንዘብ ምገበርካ እናበለ ወዮ ፍላስፋ መለሰ። ድሕሪኡኸ እንታይ ክገብር እየ እናበለ ገፋፍ ዓሣ ሓተተ። ብዙሓት ጀላቡ ምገዛእካ እሞ ሰራሕተኛታት ምቖጸርካ እሞ ዓቢ ሥራሕ ምግፋፍ ዓሣ ምገበርካ እሞ ሃብታም ምኾንካ ኢልዎ። ድሕሪኡኸ እንታይ ምገበርኩ እናበለ ገፋፍ ዓሣ ሓቲቱ። እቲ ፍላስፋ ከምዚ እናበለ መለሰሉ ብዙሕ ገንዘብ ምገበርካ ዓቢ ገዛ ምገዛእካ ጽብቕቲ ሰበይቲ ተመርዒኻ ቆልዑት ወሊዳካ ሕጉስ ሕይወት መሕለፍካ ኢልዎ። ድሕሪኡኸ እንታይ ምገበርኩ እናበለ ገፋፍ ዓሣ ሕትኡ ቐጸለ? ፍላስፋ ብመልሱን ብኹሉን ቅጭ አምጺእሉ ኩሉ ምስ ገበርካ ድአ ተዕርፍ በጥ ትብል ሕጉስ ትኸውን ኢልዎ። ሽዑ አብዚ እቲ ገፋፍ ዓሣ ፍሽኽ እናበለ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎኹ እንታይ ዝገብር ዘሎኹ ይመስለካ ከምኡ እየ ዝገብር ዘሎኹ ኢልዎ ይብሃል።

ኩሉ ሕጉስ ክኸውን ይደሊ እዩ። አምላኽ ኩልና ደቂ አዳም ሕጉሳት ክንከውን እዩ ድላዩ፥ እንተ ኾነ እቲ ሕቶ አብ ሕጉስ ምዃን አይ ኮነን ዘሎ እንታይ ደአ ከመይ ገርካ ሓጎስ ከም እትጭብጥ እዩ።

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ከመይ ገርካ በቲ ካብ አምላክ ጥራሕ ዝርከብ ምሉእ ሓገስ፥ ፍሉይ ካብቲ ዓለም ዝርእዮን ዘቕርቦን ክትረክብ ከም እትኽእል ዝሕብር እዩ። አብ ትንቢት ሶፎንያስ 2፡3, 3:12-13 ዘሎ እንተ ርአና ነዚ ሕቶና መልሲ ዝህብ ንረክብ። ኵሎም እቶም ብትሕትናን አብ ቅድሚ አምላኽ ዝመላለሱ አብ መዓልቲ ፍርዲ ካብ ቍጥዓኡ ከምልጡ እዮም ይብል። ንአምላኽ እንተ አገልገሉን ንስትእዛዛቱ እንተ ሓለዉን ነቲ ዝምነይዎ ሰላምን ሓጎስን ክረኽቡ እዮም።

ናይ ሎሚ ወንጌል ናይ ቅ.ማቴዎስ ቅዳሕ ነቲ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ብዛዕባ ብፅዕና ኢና ሰሚዕና። ኢየሱስ አብ ትምህርቱ ሓቀኛ ትርጉም ሓቅን ነባሪ ሓጎስን እንታይ ከም ዝኾነ፥ አብ እምባ ኮይኑ ከም ዘስተምሃሮ እዚ ኸአ ሓዲስ ሕጊ ከም ዝኾነ፥ ኢየሱስ ከአ ሓዲስ ሙሴ ከም ዝኾነ ክነግር ኢሉ እዩ። እግዚአብሔር ነቲ አብ ደብረ ሲና አብ ብሉይ ኪዳን ዝገለጾ ብሓዲስ መገዲ ንደቂ ሰብ ከም ዝግለጽ ዘሎ ክነግር ኢሉ እዩ። ማቴዎስ አብ ወንጌሉ ሓምሽቲ ነዋሕቲ መደረ/ዘራባ ኢየሱስ ይነግረና። እዚ ኸአ ነተን ሓምሽተ ብሔረ ኦሪት/መጻሕፍተ ሙሴ ተባሂለን ዝፍለጣ ቀዳሞት መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ዘመልክት እዩ። ከምቲ እዘን ሓምሽት ቀዳሞት መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንኹሉ ስርዓት ሕጊ አይሁድ ሒዘን ዝርከባ እዚ ሓምሽተ ዘረባ ኢየሱስ ከአ አርድእቱ ክኸትልዎ ዝግብኦም ሓዲስ መምርሒ ዝህባ እየን።

እዚ ብዛዕባ ብፅዕና ዝዛረብ ቀዳማይ ክፍሊ ናይ እቲ ሓምሽተ መደረ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዘስምዖን መቅድም ናይ እቲ አብ እምባ ዝተዛረቦን እዩ። ቃል ንቓሉ ዝተቐድሐ ስብከት ወይ አስተምህሮ አይ ኮነን። እክብካብ ናይ ዝተፈላለየ ስብከትን አስተምህሮን አብ ግላዊ ሕይወት ነፍሲወከፍ ረድኢ/ሓውርያ ክርአ ዘልኦ እዩ። አብ እምባ እዩ ተዋሂቡ ከምቲ እግዚአብሔር ንሙሴ አብ ደብረ ሲና ዝሃቦ። አብ ባህሊ ቀዳሞት እምባታት ከም ቅዱሳት ቦታታ እግዚአብሔር ብፍሉይ አብኦም ዝረከቦም እዮም። አብ ክልቲኡ ኪዳናት ነዚ ብፍሉይ ዝገልጽ ንረክብ። አብ መጽሓፍ ቅዳሴና ተጠቂሱ ከም እንረኽቦ ንአብርሃም መስዋዕቱ አብ ደብሪ፥ ንሙሴ አብ ደብረ ሲና፥ ኤልያስ አብደብረ ቀርሜሎስ . .  . . አብ ሓዲስ ኪዳን ኢየሱስ አብ ደብረ ታቦር፥ አብ ደብረ ዘይት. . . . አብ እምባ ብዙሕ ጊዜ ይጽሊ ከም ዝነበረ ንርኢ፥ ስለዚ አብ እምባ ክብል እንከሎ ፍሉይ ትእምርቲ አልኦ። በዚ መሰረት እዩ አብ ሃገርና መብዝሕትኦም ገዳማትን አድባራትን አብ እምባ ተደኲኖም እንርእዮም። እምባ አብ ጽምዋ ንአምላኽ ብቐሊል ክትረክብ ዝሕግዘካ እዩ።

እዚ ብዛዕባ ብፅዕና ዝነግር ክፍሊ ወንጌል ከም ናይ ኩሉ ትምህርቲ ክርስቶስ ከም ጽሟቕ ክርአ ይክአል። The Compendium of Christ’s Doctrine; the Magna Carta of the Kingdom; the Manifesto of the King. እቲ ቀንዲ ሕመረት ትምህርቲ ተኸታሊ ኢየሱስ ክትከው አድላይን ቀንድን ነገራት ዝሓዘ እዩ። ብሓፈሻ ክርንእዮ ከሎና ገፍሕን ነውሕን ካብ ሓደ ስብከት ወይ ትምህርቲ ንላዕሊ እዩ። አብ ሓደ እዋን ክተስተማቕሮ ወይ ክትሕዞ ቀሊል አይ ኮነን ስለዚ በበርእስቱ ክትርእዮን ክተስተንትኖን ዓቢ ጥቕሚ አልኦ። ቅ. ማቴዎስ አርቲስታዊ ቅርጺ አትሒዙ ጽሙቕ አቢሉ እዩ ዘቕርበልና።

አብ ትምህርቲ ክርስቶስ እቶም ብፍሉይ ብፁዓት ወይ ዕዉታት ዝብሃሉ፡ ብመንፈስ ድኻታት፥ እቶም ዝሓዝኑ፥ ለውሃት፥ ንጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን፥ መሓርቲ፥ ንጹሓት ልቢ፥ ገበርቲ ሰላም፥ ምእንቲ ጽድቂ ዝጠምዩ እዮም። እዚ ራእዩ እዩ፥ ኢየሱስ ነርድእቱ አብ ምጅማር ስብከቱ ክሰብኮምን ክዕልሞምን ዝደለ። ከም ሓዋርያቱ ነዚ ከም ሓደ ኮድ ወይ ምልክት ጠባይ ሕይወቶም ገሮም ክወስድዎ እዩ ነጊርዎም። ሓቦ ገሮም ክኽተልዎ እንተ ኾይኖም ሕጅን አብ ዝመጽእን ክባረኹ እዮም። ገለ ሰባት እዞም መገዲ ብፅዕና ንሾምንተ ዝተፈላለዩ ሰባት ከም ዘስምዑ ኮይኑ ክርአዮም ይኽአል እዩ፥ እንተ ኾነ ከምኡ አይ ኮነን። ብቀንዲ ክንርእዮ ከሎና ሓደ መገዲ ብፅዕና እዩ ዘሎ፥ ኩሎም አብ ሓደ ብዝተፈላለየ ደረጃ እዩ መሰረቶም፥ ኩሎም አብ አምላኽ ክትአምንን ንክርስቶስ ክትክተልን አድለይቲ እዮም።

እዞም መገዲ ብፅዕና ብመንጽር መንግስቲ አምላኽ ክርአዩ ይግባእ። መሲሓዊ አዋጃት ኢየሱስ ኮይኖም አብቶም አብዚ እዋን አብ ጽንኩር ኩነታት ዝርከቡ ግን አብ ዳግማይ መጽአት መንግስቲ አምላኽ ዝክሓሱ እዮም ዘመልክቱ። በዚ መሰረት ኩሎም አመንቲ ቀጥታዊ መልሲ እምነቶም አብዚ እዋን ክጽበዩ የብሎምን። ውፉያት አመንቲ ኢየሱስ ኮይኖም ነዚ ዘለውዎ ኩነታት ብመንጽር ዳግማይ ምጽአት ጎይታ ክርእይዎ እሞ መንግስቲ አምላኽ ሽዑ ብምልአት ክግለጽ ከም ዝኾነ ክአምኑ። እዞም መገዲ ብፅዕና ኢየሱስ ዝሃበና መንግስቲ አምላኽ ከም ዝመጽእን ሕጂ እውን አብ መንጎና ከም ዘሎ ተስፋ አብ ልቢ ሰባት ዝህቡ እዮም።

ከምቲ ዓሰርተ ተእዛዛት ቀንዲ መሰረት መነባብሮን ሕግን ናይ ሓደ አይሁዳዊ አማናይ ዝኾኑ እዞም ናይ ብፅዕና መገዲ ዝሕብሩና ኸአ ናይ ሓደ ክርስትያን መሰረት መገዲ ሕይወቱ እዮም። እንተ ኾነ አብ መንጎ ዓሰርተ ትእዛዛትን እዞም መገዲ ብፅዕና ዝሕብሩን ዓቢ ፍልልይ አሎ። ብቀንዲ ክንርእዮ እንከሎና እዞም መገዲ ብፅዕና ዝሕብሩ ትእዛዛት አይ ኮኑን። መገዲ ብፅዕና ብአውንታዊ መገዲ እዮም ዝግለጹ፥ ስራሕ ጥራሕ አይ ኮኑን ዝገልጹ እንታይ ድአ አተና/መንፈስ እውን። በዚ መልክዕ ብሙልኦም ክትሕልዎም አብ ግብሪ ክተውዕሎም አይክአልን እዩ። ክሳብ ክንደይ ውፉይ ኮይነ እፍጽሞም አሎኹ እናበልካ ብዝበለጸ ነቲ እትገብሮ ዘሎኻ ክትቅጽል እምበር ዝአክል ገረ ኢልካ እትዛነዮም አይኮኑን። ከምቲ ንፈሪሳውያን ሕጊ ብምፍጻሞም ዕግበት ዝስምዖም ከምኡ ዘበለ መንፈስ አይምጽኡልናን እዮም። ብተወሳኺ መገዲ ብፅዕና ዓይነትን ዕሞቕ ልዕሊ ዝኾነ ሞራላዊ ግቡእነት ናይ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝኸይድ አልኦም። ምስ አምላኽን ምስ ከማና ዝበሉ ሰባትን ፍሉይ ርክብ ክህልወና ይሓቱና፥ በዚ ኸአ ንቅድስና ዝሕብር መገዲ የርእዩና። ክንገብሮም ዝግብአና ነገራት ወይ ሕግታት አብ አእምሮና ገርና እንኽተሎም አይ ኮኑን። ብሓቂ አብ ግብሪ ሓሊናዮም ክንብል እንተ ኾና ምስ አምላኽን ምስ ብጻይናን ዓሚቕ ፍቕሪ ክህልወና ይግባእ። እዞም መገዲ ብፅዕና አብ ምሕላው ሞራላዊ ሕግታት ወይ ስርዓታት ዘተኮሩ ዘይኮኑስ አብዛ እንነብራ ዘሎና ዓለም መሰረታውን በዳሂ ለውጢ መንፈስ ክነምጽእ እሞ ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽን ሰብን ክንሕዝ እሞ ዓለምና ቦታ ሓቅን ፍቕርን ርሕራሔን ርትዕን ነጻነትን ሰላምን ክንገብራ። እዚ እዩ እቲ መንግስቲ አምላኽ እንብሎ፥ ፍልይ ዝበለ ጨሪሹ ካልእ መልክዕ ናይ እዚ እንርዮ ዘሎና ዓለም እዩ።

አብ መገዲ ብፅዕና ዓሚቕ ሓጎስ ክስምዓና ወይ ክንሕዝ እንተ ኾና አብ ኩሉ አብቲ ጽንኩርን ሕሰም ዝመልኦ ሕይወት ወሪድና ክንርእዮን ክንዝርዝሮን ይግባእ። አብ ድኽነት፥ ንብዓት፥ ጥመትን አብቶም ብግፍዒ ዝህደኑ ግዳያት ዝኾኑ ክንርእዮ አሎና። ከምዘሎ ክንርእዮ ከሎና ዝክአል ኮይኑ አይርአየናን እዩ፥ ኢየሱስ ግን አብ መጀመርያ ስብከቱ ነዚ አተሓሳስባን ትምህርትን ነቶም ዝሰምዕዎ ብፍላይ ነቶም ናተይ ዝበሎም ክብሎም ንርኢ። በዚ ኸአ ንዓለምና ጨሪሹ ሓዲስ ትምህርቲ ሂብዋ። ነፍስወከፍ ትምህርቲ ብፁዓን/ዕዉታት ብምባል ይጅምር ካብ ግሪኽ ዝመጽአ ቃል እዩ makarios ካብ ክልተ ቃላት፥ ሓጎስን ጽቡቅ ዕድልን ካብ ዝብል ዝመጽአ እዩ። ክንትርግሞ ከሎና ነቲ ሕጉሳት ወይ ሰብ ጽብቕ ዕድል ዝብል ክንወስድ ንኽእል። እሞ መንእዮም እዞም ኢየሱስ ብፁዓት ኢሉ ዝጽውዖም? ቅ. ማቴዎስ አብቲ ክርስቶስ ዝበሎ መሰረት ገሩ ክነግረና እንከሎ እቶም ድኻታት፥ ዝሓዝኑ፥ ለውሃት፥ ንጽድቂ ዝጠምዩ፥ መሓርቲ፥ ንጹሓት ልቢ፥ ገበርቲ ሰላም፥ ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ እዮም ይብለና።

አብ ቅድሚ ዓለም ክንርእዮ ከሎና እዞም ሰባት ሕጉሳት ወይ ብፁዓት/ዕዉታት ክብሃሉ አይክአልን እዩ። እኳ ድአ ዕንቅፋትን መሕፈርትን እዮም። እንተ ኾነ አብ ቅድሚ አምላኽ ዝተባረኹ ወይ ብፁዓት/ዕዉታት ዝብሃሉ እቶም ሃብታማትን ወይ ኃያላትን ጽቡቕ ዝምገቡን፥ ምቾት ዝመልኦ ሕይወት ዘሕልፉን አይ ኮኑን። እዚ ክርስቶስ ዘስተምሃረና ዝሕብሩና እምብአር ንሕና ዝኸሰርና ሰባት አይ ኮናን ምኽንያቱ አምላኽ ምሳና አብ ጎንና አሎ። ወላ አብ ጊዜ ስቓይን መከራን ዝተባረኽና ኢና ምኽንያቱ አምላኽ ሕጂን ብምልኡ ኸአ ክርስቶስ ንኹሉ ነገር አብ መወዳእታ ክውስን እንከሎ ክኽሕሰና እዩ። እዚ ነቲ ኹሉ ሕማቕ ዝተጓነፈና ማለት ስደት ንዕቀት፥ ሓዘን፥ ድኽነት ወይ ግፍዒ ዝወረደና አብ መንግስቱ አብቲ ኩሉ ክብሪ ሰብአውነትና ሓቂ ርትዒ፥ ፍቕርን ሰላም ዝርከቦ አብኡ ክኽሕሰና እዩ።  

ቅ. ጳውሎስ አብ ቀዳመይቲ ንባብና ፩ቆሮ. ጸዋዕትኦም ከለልዩን ነቲ አብ መንጎ ክርስቶስን ዓለምን ዘሎ ፍልልይ አለልዮም ክፈልጡ እና አዘኻኸረ ኵሉ እቲ ጽቡቕ አብኦም ዝርከብ ካብ አምላኽ ከም ዝተዋህቦም ክፈልጡ እሞ ዝምካሕ እንተሎ ብአምላኽ ክምካሕ ይነግሮም። ገለ ካብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝበለጹን ልዕሊ ኻልኦትን ከም ዝኾኑ ገሮም ይሓስቡ ነሮም። ነዚ ክእርሞም ኢሉ ብዙኃት ካባኹም ብአተሓሳስባ ሰብ ለባማት ወይ ኃያላት ወይ ጭዋታት አይነበርኩምን፥ አምላኽ ግን ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኸሕፍር ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚአ ኃረየ፥ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ከሕፍር ከአ ንድኻ እዛ ዓለም ኃረየ፥ ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኺገብር ከአ በቲ አዓለም ሕሱርን ንዑቕን ዘየሎን ኃረየ ይብሎም። ስለዚ ሓደ እኳ ካብ ርእሱ ተላዕሉ አይመካሕ። አምላኽ ነቶም ካብ ትዕቢት ተበጊሶም ንርእሶም ዝበለጹ ገሮም ዝሓስቡ ከጥፍኦም እዩ። ጳውሎስ አብ ርእስና እንተ ረአና ወላ ሓደ ዘመክሕ የብልና ይብለና። ናይ አምላኽ ፍቕሪ፥ ሕያውነት ብዘይ ደረት ስለ ዝኾነ ንሱ ጥራሕ እዩ መንጪ ናይ ኩሉ ምስጋና። አምላኽ ጥራሕ እዩ ክምካሕ ዝግብኦ። ነቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ልኢኽልና ንሱ ኸአ ጽድቅና ቅድስናናን ድኅነትና ኮነልና። አምላኽ ካብ ነጻ ፍቓዱ ተበጊሱ ናትና ኮይኑ፥ ስለዚ ቅ. ጳውሎስ እቲ ዝምካሕ ብእግዚአብሔር ደአ ይመካሕ ይብለና።

መልእኽቲ ቃል አምላኽ አብ ናይ ሎሚ ንባባትና ብፍላይ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝሕብሮ አረአእያ አምላኽ ካብ ናይ እዚ ዓለም አረአእያ ዝተፈለ ከምዝ ኾነ እዩ ዝገልጸልና። ዓለም ከመይ ኢልካ ምሉእ ሓጎስን ዕግበትን ከም ዝርከብ ናታ ርድኢትን አገባብን አልአ፥ እንተኾነ ካብቲ ዝቐርብ ወላ ሓደ ሓቅነትን ነባሪ ዝኾነ ፍታሕ የብሉን። እቶም ብሓቂ ዝዕወቱ እቶም ንሕጊ አምላኽ አብ ሕይወቶም ዝቕበሉ፥ እቶም አብ ቅድሚ ብዙሓት ወይ ሕብረተሰብ ብብዙሕ ነገራት ዓቢ ዓወት ከም ዘመዝገቡ ዘይፍለጡ እዮም። ነዚ ኹሉ ክንርዳእ አብ ናይ እምነት ሕቶ እዩ ዝወስደና። አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንአምንዶ? አብ መንግስተ ሰማይ ብዘለዓለማዊ ሓጎስ ከም እንሽለም ንአምንዶ? ብርግጽ እዚ ክርስቶስ ዘተስፍወና ዘለዓለማዊ ሓጎስ ሓቅን ነባርን እዩ። ነቶም ዘፍቕሮም፥ ነቶም ንመንግስቲ አምላኽ ብሓጎስ ዝቕበሉ ወላ ሓደ እኳ ከሕድጎም ዘይክእል ንጽሕና፥ ፍቕሪ፥ ፍትሒ ሰላም ክህቦም እዩ።

ሎሚ እምብአር ከም አመንቲ አብ አምላኽን ተኸተልቲ ክርስቶስን ነዚ ትምህርቲ ወንጌል ግብሪ ብፅዕና ዘምህረና ብጽረት እናአስተምሃርና ብእምነት ክነብሮም ሽዑ ናይ ብሓቂ ደቂ አምላኽ ክንከውን እሞ ወረስቲ መንግስተ ሰማይ ክንከውን ንጸሊ። እቲ አብ አምላክ ዝአምን ሰብ ዕዉት እዩ። እዚ እዩ ሎሚ አብ እዝኒ ነፍሲ ወከፍና ተሰሚዑ ዝተሓደሰ ልብን መንፈስን ዘልብሰና። ንቃል አምላኽ ሰማዕቲ ጥራሕ ዘይኮና ተግበርቱ እውን ክንከውን።

አቦ ምሕረት ዝኾነ አምላኽ እምብአር ንዝሓለፈ ክፍአትና ምሒሩ ብሓዲስ ጎደና ድሕነት እንጉዓዘሉ ጸጋን በረኸትን ይዓድለና።

ብሩኽ ሰንበት። 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  








All the contents on this site are copyrighted ©.