2017-02-14 16:50:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ ብካህናትን ገዳማውያንን አደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንዝዀኑ ይቕረታን ምሕረትን እሓትት


ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ፍሪቡርግ ቤተ ንባብ ዓቃቤ መጻሕፍት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝዀኑ ዳኔል ፒተት ዝተባህሉ ምእመን “ኣባቴ ይቕረ እብለልኩም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎ መጽሓፍ “ብካህናትን ገዳማውያንን ንወሲብ ዓመጽ ንዝተዳርጉ ‘ምሕረትን ይቕረታን እሓትት’ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍጽሙ ካህናት ጽኑዕን በተኽን ምክትታልን ውሳኔን ክተሓላለፍን አተሓሳስብን፡ ግድን እውን እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መቕድም ከምዝደረሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም እታ ብፒተት ዝተደርሰት መጽሓፍ ኣገዳስነት ናይ ዘለዎ ትብዕት ዝተመልኦ ልዑል ናይ ምስክርነት ተግባር እዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን እቶም ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉን ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ንኡሳን ዜጋታት ናይ ምክልኻል ሓላፍነት አለዋ ጥራሕ ዘይኰነስ ግብእን ግዴታኣን እውን እዩ። እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ በቲ ዝወረዶም እኵይን ጸያፍን በደል ተደሪኾም ክሳብ ርእሰ ቅትለ ዝበጽሑን ዝሞቱ ኵሎም ኣብ ኣእምሮ ር.ሊ.ጳ.ን መላእ ቤተ ክርስትያንን ከበድ ሕልና እያቶም፡ ሕልና ዘየቕስን ቃጭል ናይ ወትሩ ከበድ እዩ። እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደድ ዝዀነ ብዛዕባ እቲ ዝወረዶን ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ግብረ እከይ ምዝንታዉ ብሓቂ ቀሊል ኣይኰነን። ስለዚህ ናይ ዳኒኤል ፒተት ምስክርነት ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ብርታዔ ዝሓትት ተግባር እዩ። ኣብታ ኣባቴ ይቕረ እብለኩም ዘርእስታ መጽሓፎም ፒተት እቲ ገና ሕጻን እንከልዉ ብሓደ ካህን ኣብ ልዕሌኦም ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ክሳብ ክንዳይ ዘሳቕን ዘስካሕክሕን ናይ ሕይወት ተመክሮ ምዃኑ ይገልጹ። ቅዱስነቶም ነዚ ጸያፍ ተግባር’ዚ ድማ ኰኒኖም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣደዳ ዝዀነ ሰብ ዘስዕቦ ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ኵለንተናውን ማሕሰይቲ ብሓቂ ዘሰንብድ እዩ። እቲ ዓመጽን እቲ ዓመጽ ዝተፈጸመሉ ቦታን እቶም ናይቲ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ድማ ኣብ ቅድመኦም ዘሎ ናይ ሕይወት ጉዕዞ ምዝንታው ቀሊል ኣይኰነ።

በቲ ዝወረዶም ዓመጽ ኩለንተናኦም ተሃስዮም ርእሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ንሕልናይን ንናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ሕልና ከበድን ቃጭልን እያቶም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነታ ብፒተት ዝተደርሰት መጽሓፍ ምንባባ ብሓቂ ኣገዳስን ኣብ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ናይ ክፍኣት መንፈስ ክኣቱ ከምዝኽእል ተገንዝብን እያ። ከመይ ገይሩ ሓደ ናይ ክርስቶስን ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልጋሊ ኣብ ከምዚ ዓይነት ግብረ እከይ ክበጽሕ ይኽእል? ሓደ ሕጻን ናብ ኢየሱስ ከብጽሕ ቢሉ ሕይወቱ ንኢየሱስ ዘወፈየ ከመይ ቢሉ ነቲ ሕጻን ናይ ወሲብ ኣደዳ ዝዳርግን ንቤተ ክርስቲያን ንግብረ ሳጥናኤል ዝስውእ? እቲ ዘሕዝን ብዙሓት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ክሳብ ርእሰ ቕትለት ዝበጽሑ ምዝካሩ ንሕልና ዕረፍቲ ዝነስእ ከበድ እዩ። እዞም ዝሞቱ ንሕልናይን ንልበይን ንመላእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕልና ከበድ እያቶም። ንኣባይቲ ስድራኦም ዝስመዓኒ ሓዘንን ፍቕርን ብምግላጽ። ብትሕትና ይቕረ በሉለይ እብል።

ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ንዝፍጽሙ ካህናትን ነቶን ሰብ እከይ ተግባር ከወልቶምን ዘየዳግም በተኽ ውሳኔ ምኽዋን ናይ ግድን እዩ። እቲ ክግለጽ ዘይከኣል ግብረ እከይን ዘሰንብድ ሓጢኣትን ናይቲ ቤተ ክርስቲያን እተስተምህሮ ትምህርቲ ተጻይ እዩ። “ቤተ ክርስቲያን ከምታ ሕያወይቲ ኣደ ናይ ደቃ ብፍላይ ናይቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕም ናይ ዘይብሎም ዕሸላትን ድኻታትን ሓብሓቢት እያ” እንክብሉ ኣብ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ተሓተትቲ ተልእኾ ዕላማኦም ዝሰሓቱ ካህናት ከምቲ ዝተራእየ ብሥልጣኖም ንዝኽውሉ ጳጳሳትን ካርዲናላትን ዘየዳግም ተባዕ ውሳኤ ምውሳድ ናይ ግድን እዩ።

ናይ ፒተት ምስክርነት ብርቱዕ ምልክታ ምሕረትን ጸሎትን እዩ

ኣብታ ናይ ፒተት መጽሓፍ ካብታ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍጽሙ ካህናት ዝነብሩላ ቤት ዝተፈልየት ቤተ ክርስቲያን ከምዘላ ከስተውዕሉ ኣትድግፍ ምዃና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ሓቢሮም እዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባትን እግዚኣብሔርን ተስፋ ዘይምቑራጽ ከምእተባብዕን ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ከምዘይ ሓደጐን ኣብቲ ጸላም ዝተመልኦ ኣዋን መጸናንዒ ከምዝዀኖ ይምስክር። ፒተት ድሕሪ ኣርብዓን ኣባዕተን ዓመት ነቲ ኣብ ልዕለኦም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመ ካህን ክራኸቡን ዓይኑ ዓይኑ እናረኣዩን ድማ ናይ ምሕረት ኢዶም ዘርጊሖምሉ እዮም። እቲ ዝቖሰለ ሕጻን ሎሚ ሰብኣይ ኰይኑ እዩ፡ ስንኮፋይ ግና በእጋሩ ደው ዝበለ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ልዕለይ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍጸመ ካህን ሕሉፍ ጽልኢ ዘይብለይ ብንዃነይ ይግረሞምን ነዚ ናይ ምሕረት ተግባር ንኽርድእዎ  የጸግሞም። ኰይኑ ግና ምሒረዮን ይቕረ ቢለሉን እየ። ሕይወተይ ኣብዚ ምሕረትን ይቕረ በሃልነትን እየ ዝሃነጽክዋ እንክብሉ ፒተት ኣብታ መጽሓፎም ዝብልዎ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ተወስኪሶም ፒተት ኣብ ምሕረት ንዝሕነጽ ሕይወት መዳርግቲ ዘይብሉ ኣብነት እይም ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መቕድም እቲ ግብረ እከይን መሰናኸልን ስቅያትን ዝሓብእ ናይ ሱቕ ምባል መንደቕ ምፍራስ የድሊ ቢሎም ንዳንኤል ፒተት እንከመስግኑ፥ ዳንኤል ብምስክርነቱ ነቲ እከይን መሰናኽልን ስቓይን ዝሓብእ ኣብ ገለ ገለ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኩነት ዝረአይ ጸላም ዝፈጥሮ ናይ ሱቕ ምባል መንደቕ ኣፍሪሱን ሓድሽ ቅኑዕ ዝዀነ ናይ ሕንጸትን ናይ ዕርቂ ጸጋን እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጸምቲ ናይቲ ዝፈጸመዎ ግብረ እከይ ሳዕቤኑን ከበዱን ዘስካሕክሕ ምዃኑን ከስተውዕሉ ዝመርሕ መገዲ ኣርህዮም እዮም። ስለ ዳንኤልን ስለ እቶም ከምኡ ኣብ ዕሸል ዕድሜኦም ዝቖሰሉ እግዚኣብሔር ከተንስኦምን ክፍውሶምን ንኵላትና ምሕረቱን ለውሃቱን ክህበና እጽልይ እንክብሉ ነቲ ዝደረስዎ መቕድም ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.