2017-02-14 16:56:00

ቤት ምኽሪ ተስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት፥ ምሉእ ድጋፍ ንናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ


እቲ ትሽዓተ ብፁዓን ካርዲናላት ብኣባልነት ዝሓቁፍ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መካየዲ ሕዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቢሎም ዘቖምዎ ቤት ምኽሪ ዕለት 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም. መበል ዓሰርተ ሾሞንተ ናይ ዕዮ ኣኼባኡ ብናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ሓልዮ ሕዳሴ ናይ ተኸታ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባባርቲ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ብሓፈሻኡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓንጸጽዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ኣወሃሃዲ ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪጒዝ ማራዲያጋ ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ ኣብቲ ኣኼባ ንዝተረኽቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስም ኩሎም ትሽዓተ ብፁዓን ካርዲናላት ዕለት 22 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ነቶም ናይ ሮማዊት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ዋና ሓለፍቱ ብፁዓን ጳጳሳት ካርዲናላትን ኣባላትን ዘስምዕዎ ዘረባ ናይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ፈጻሚ ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት ዘለዎ ዕዮ ኣገዳስነት ዘረድእ ዝሃብዎ ምዕዳን ብምዝካር ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተግባር ሕቡር ምዃኑን ገሊጾም ኣተሓሒዞም ድማ ምሉእ ስዕበትን ድጋፍን ተኣዝዞን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣንን ንስልጣናዊ ትምህርቶምን ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.