2017-02-16 17:03:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኤውሮጳ ናይ እምነት ኣሃድነት ክትዕቅብ


ዕለት  15 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 14 ለካቲት ብላቲን ሥርዓት ባሕረ ሓሳብ መሰረት ዝተብዓለ ናይ ኤውሮጳ ሓለውቲ ቅዱሳት ቀርሎስ ባሕታውን መጠደዎስ ብፁዕ ኣቡን ናይ ሕዝብ ስላቫውያን ሰባክያን ወንጌል ዘኪሮም፥ “እዞም ክልተ ተወለድቲ ተሰሎንቄ ናብ ሕዝቢ ስላቫውያን ወንጌል ዘብጽሑ፡  ሎሚ እውን ንኤውሮጳን ንዅላትናን ናይ እምነት ኣሃድነትን ክርስቲያናዊ ባህልን ያታን ክንዕቅብን ኣገዳስነት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ወንጌልን ምንባር የዘካኽሩና፡ ኩልኻትኩም ብጸሎት እናተጸናናዕኵም ነዚ ብድሆ እትገጥሙን ንኹላትኩም ብልቢ ሓዋርያዊ ቡራኬይ አቕርብ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብ ምዝዛም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሓሳቦም ናብቶም መንእሰያ ኣቕኒዖም ሰላምታኦም እንከቕርቡ፥ “ንኣኻኩም ፍትዋተይ ናይቶም ቅዱሳት ኣብነት ብኹሉ ሸነኽ ልኡካነ ወንጌል ንኽትኰኑ ይደፍኩም። ጽንዓቶም ብርታዔ  ይኹንኩም። ስቓይኩም ነቶም ርሑቕ ዘለዉ ዝልውጥ መስዋዕቲ ይኹን። ንጐይታ ዘለዎም ፍቕሪ የብርህኩም። ነቶም ሓደስቲ መራዑት ድማ ወንጌል ናይ ስድራ ቤታዊ ሕይወትኩም መሰረታዊ መምርሒ ንኽትገብሩ የበርትዕኹም” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.