2017-02-18 20:25:00

ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም) የካቲት 12 2009 ዓ.ም.(2/19/17)


ንባባት፡ 1ቆሮ 2፡1-5፥ 1ዮሓ 5:11-5፥ ግ.ሓ. 2:38-42 (ኢዮ 2፡12-18)፥ ማቴ 5-:13-16   ምስባክ፡ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሐት፥ ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ” መዝ. 2፡11።

መዝሙር፦ ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብራዕድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።

ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጾሞን ጸሎትን ዘሕለፎ 40 መዓልታት የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከም ዝኾነ ጾመ 40 ከአ ናብ ብዓለ ትንሣኤ የሰንድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ 1. ዘቅበላ፥ 2. ዘቅድስት፥ 3. ዘምኵራብ፥ 4. ዘመጻጉዕ፥ 5. ዘደብረ ዘይት፥ 6. ዘገብር ኄር፥ 7. ዘኒቆዲሞስ፥ 8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።

ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ንአምላኽ ብዓቢ አኽብሮት ክንቀርቦ እሞ ነቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት አስተማቒርና ክንክእል፥ ሓዲስ ሕይወት ክንለብስ የዘኻኽረና። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር እዚ ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እዩ።

አብ ጌዜ ጾም እነዘውትሮም ንባባት ዓሚቕ ርእድኢትን ምቅርራብን ንብዓለ ትንሣኤ ክንገብር ይሕግዙና። ካብቶም ዝንበቡ ሓደ ወይ ክልተ ወሲድና ዕለት ዕለት ከነንብብን ክነስተንትንን እንተ ኸአልና ንግላዊ ምቅርራብናን ብዝያዳ ነቲ አብ ሶሙነ ሕማማት ምስ ክርስቶስ ክንከውን ዘዘኻኽር ክሕግዘና ይኽእል።

ንባባትና ቤተ ክርስትያን አብ ጸልማት መብራህቲ ከም ዝኾነት እዮም ዝነግሩና። እዚ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ብዝያዳ አብ ዓለም ደሚቁ ክርአ እንተ ድአ ኮይኑ ኸአ ኩልና ደቃ ንክርስቶስ ክንመስል አሎና። ጾም ድሙቓት ብርሃን ክርስቶስ ክንከውን ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ።

አብ ኢሳያስ 58፡7-10 ዘሎ ብርሃና አብ ዓለም ክበርህ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ክገልጽ እንከሎ፥ እንገራኹም ንጥሙይ ምምቃል፥ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት አብ ቤትኩም ምቕባል፥ ዕሩቕ እንተ ረአኹም ምኽዳን. . ይብለና፥ እዚ ቤተ ክርስትያን እትገብሮ ግዙፋዊ ናይ ምሕረት ስራሕ እዩ ይገልጽ። ናይ ዓለም ሕቡራት ነገስታት አብ መትከላቱ መሰረታዊ መሰላት ሰባት አብ ዝብል ዓንቀጹ ብ1948 አዊጅዎ ይርከብ። እዚኦም መሰረታውያን ግድነታት ሕይወት፥ ካብ ሕይወት ደቂ ሰብ ክእለዩ ዘይብሎም እንተ ተአልዩ ግን ኩሉ ሰብአዊ መሰላት ይግሃሱ እሞ አብ ጸልማት ከም ዝነብሩ ይገብር። አብ ዓለም ሕንፍሽፍሽን ግፍዕን ጭንቅን ይበዝሕ ፍቕሪ ኸአ ይጎድል። ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ከም ሕያዋይ ሰብ አብ ጸልማት ትኽ ኢልና ክነብርህ ይግብአና።

ቅ.ጳውሎስ አብ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፋ ንሱ ብርሃን ክርስቶስ ኮይኑ ከም ዝመጽኦም፥ አብ መንግኦም ምርካቡ ንጸልማቶም ከም ዝቐንጠጠሎም፥ ከም ጨው ከአ ድሕነቶም ከም ዝዕቅቡ ከም ዝገበሮም ንርኢ። እዚ ዝገበሮ ኸአ ብቃላት ጥራሕ ዘይኮነ አብ ግብሪ እውን አርእይዎም እዩ። አኅዋተይ ናባኹም ክመጽእ ከሎኹ ምሥጢር አምላኽ ብኽእለት ዘረባ ወይ ፍልስፍልና ክሰብከልኩም አይመጻእኩን፥ ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ክነግር እየ መጺአ እናበለ ተልእክኡ ንቃል አምላኽ ክነግርን ነቲ ዝነግሮ አብ ግብሪ ከውዕሎን ምዃኑ ይገልጽ።

ጳውሎስ ነቶም አረማውያን ሰብ ቆሮንጦስ ብርሃን ክርስቶስ ኮይኑ ደቂ ብርሃን፥ ከም ጨው ኮይኑ ሕይወቶም ከም ዝጥዕምን ከም ዝዕቀብን ገርዎም። ንሕና እውን ንሰባት ክንረኽቦም እንከሎና ካብቲ ቅድሚ ምርካብና ዝነበረ ሕይወቶም ምስ ረኸቡና ሓዲስ ሕይወት ከም ዝረኽቡ ክንገብሮም አሎና። ነቲ አብ ሕይወት ዝርከብ ምጥርጣራት፥ ሕፍረት፥ ተስፋ ቁርጸት ኩሉ ክቕንጥጡ ክንሕግዞም ይግብአና። ካብ ድንቁርና ነጻ ወጺኦም አብ አምላኽ ብምቕራቦም ንሓቅን ፍቕርን ብዝያዳ ከም ዘስተማቕሩ ክንገብሮም ተልእኮና እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ንስኹም ንዓለም ጨዉ ኢኹም ይብለና። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ጨው ክብል እንከሎ ክልተ ነገር እዩ ዘስምዕ፥ ነገራት ከም ዘለውዎ ከም ዝጸንሑ/ ዝዕቀቡ ይገብር፥ መቐረት ከአ ይህብ። ብሓፈሻ አብ አተሓሳስባ ብሉይ ኪዳን ጨው ንካሕሳ ኃጢአት ዝቐርብ መስዋእቲ መቐረት ክህብ፥ ከምኡ ምስ አምላኽ ዝእቶ ኪዳን ቀጻሊ ከም ዝኾነ ክገልጽ ጨው ምስኡ ይቐርብ። አብ ዘሌዋውያን 2፡13 እንተ አንበብና ንኹሉ ናይ እኽሊ መስዋዕትኻ ብጨው አቃምሞ አብቲ ናይ እኽሊ መስዋዕትኻ እቲ መዘከርታ ኪዳን አምላኽካ ዝኾነ ጨው አይተትርፈሉ፥ ንኹሉ መሥዋዕትኻ ጨው ግበረሉ ዝብል ንረክብ። ብዛዕባ መሬት አብ ዝግበር ውዕሊ ናይ እቲ ውዕሊ ነባርነትን ቀጻልነትን ንምርግጋጽ ጨው ከም ማሕተም ተሓሲቡ ይቐርብ። ከምኡ ጨው ከም ምልክት ነቲ አምላኽ አብ ሕይወት ሰብ ዝገብሮ ተዋስኦ ንምግላጽ ከም ምልክት ይቐርብ። እዚ ኹሉ ዝኸውን ዘሎ ጨው አብ ውሽጢ ስለ ዝአቱ እሞ ፍሉይ ጣዕሚ ወይ መቐረት ከም ዝህብ ስለ ዝገብር ከምኡ ንሓደ ነገር ከይበላሾ ይዕቅቦ። ከምኡ ከም ምደኃኒት ክኸውን ስለ ዝኽእል እዩ። ብኸምዚ እዩ አምላኽ ዕለት ዕለት አብ ሕይወትና ዝዋሳእ። ስለዚ ክርስቶስ ጨው ክብለና እንከሎ አብዚ እንነብሮ ዓለም ተሓድሶን ለውጥን ክነምጽእ ንማለት እዩ። አብ ውሽጢ ክንአቱ እሞ አብ ማእከል ኮና ክንሕድስ ክንቅይር ከምኡ ንዓለምና ካብ ሞራላዊ፥ መንፈሳውን አካላዊ ወይ ናይ ከባቢና ዕንወት ወይ ምብካል ክነድሕን። ከም ጨው አብ ሕይወት ሰባት መቐረትን ጣዕምን ከም ዝርከብ ክንገብር ተራና እዩ።

አመንቲ ክርስትና ዓለምና አብ ዕንወትን ክፍአትን ከይትኸይድ ደው ክነብላ ሓላፍነት ዝለበስና ኢና። ከምቲ ጨው አብ መግቢ ዘምጽኦ ጣምን መቐረትን ከምኡ አብ ዓለምና ሓቅን ጽቡቕ ነገርን ከም ዝመጽእ እሞ መቐረት ከምዝህልዋ እንገብር ንሕና ኢና። አብ ከከባቢና እንተ ርአና ዘሰንብድን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓመጽ በደል አብ ሕይወት ንጹሓት ሰባት ክወርድ ንርኢ አሎና። ነዚ እና ረአና ሱቕ እንተ በልና ዝያዳ ጸላም ከም ዝነግስ ኢና እንገብር ዘሎና።

ጾም ፵ አብ እንጅምረሉ ዘሎና ጊዜ ብፍሉይ ህልው ኩንታት ሕይወትና ከሰክፈና ይግባእ። ነታ አብ መዓልቲ ጥምቀተይ ዘብርህክዋ መብራህተይ ከመይ አብርሀያ አሎኹ ኢልና ምስ ርእስናን ክንተሓተት እዋኑ እዩ። ጾም አብ ብሑት ሕይወት አቲኻ ንአምላኽ ክትመስል ዝሕግዝ ቅዱስ ጊዜ ስለ ዝኾነ አብ አምላኽ ክንምለስ እሞ ብሓዲስ መብራህትና ክንውልዕ ይድለ አሎ። ሓወይ ሓፍተይ መብራሕትኻ/ኺ ዘይቲ ወዲኡ ከይህሉ ርአ ንብሃሃል።

እንደገና ኢየሱስ ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም ይብለና። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ትእዛዝ እዩ ዝህበና ብርሃንኩም አብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። መብራህቲ ንርሳ ኢላ አይትበርህን እያ፥ ንኻልኦት እያ ብርሃን እትህብ፥ መብራህቲ ብባዕላ ጽብቕቲ አይ ኮነትን ጽብቕቲ እትኸውን ኲኖ ርእሳ ዝኾነ መብራህቲ ክትህበና እንከላ እያ። ክርስቶስ ስለምንታይ ክንበርህ ከምዘሎና ይነግረና። ሰባት ጽቡቅ ግብርኹም ርእዮም አብ ሰማያት ንዘሎ አቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ ብርሃንኩም አብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ ይብለና። ጽቡቕ ግብሪ ክብል እንከሎ መንፈሳውን ግዙፋውን ናይ ምሕረት ስራሕ እዩ ዘመልክት። ምእንቲ ከመስግኑ ክብል እንከሎ ኸአ ንግብሪ አምላኽ ክፈልጡ እሞ ብእኡ ክምርሑ እዩ ዘስምዕ። ብኻልእ አዘራርባ ብብርሃና ተመሪሖም ሕይወቶምን ርክባቶምን ክቕይሩ እዩ ዘስምዕ። ከም ብርሃን ክንከውን እንከሎና እንውክሎ ጽቡቅ፥ ሓቂ ዘበለ፥ ርዝነት ዘለዎ ኹሉ፥ ንጹሕ ዘበለ፥ ተፈታዊ ዘበለ፥ ሠናይ ዘለዎ ዅሉ፥ብሉጽ ወይ ምስጉን ነገር እንተ አልዩ እዩ። (ፊሊጵ 4፡8)።

ክርስቶስ አብ ትምህርቱ አነ ብርሃን ዓለም እየ ኢሉና። አነን ንስኹምን ሎሚ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ክንገብርን ከምቲ ዝበለና ክንከውንን ኢና ዘድሊ ዘሎ። ብቃልናን ግብርናን አብ ዓለም ናይ ሓቅን ሰላምን ፍቕርን መብራህቲ ክነብርህ። ገለ ሰባት ንመብራህቲ አይ ክፈትውዎን እዮም ግብሮም ናይ ጸልማት ስለ ዝኾነ ንሕና ግን ቀጺልና ክነብርህ እዩ ጸዋዕታና።

ኢየሱስ ሓደ ክርስትያን መብርሃቲ ከም ዝኾነ ከረድእ ኢሉ ክልተ አብነት የቕርበልና። አብ ሓፍ ዝበለ ቦታ ዝተደኮነት ከተማ ክትክወል ዘይክአል እዩ ይብለና። አብ ገዛ መብራህቲ ንኹሉ ከብርህ ምእንቲ አብ ክብ ዝበለ ቦታ እዮም ዘቐምጥዎ እምበር አብ ትሕቲ ኸፈር አይግበርን እዩ ይብለና። አብ ርእስና ክንምለስ እንታይ እዩ ትርጉም ጥምቀጥ፥ ትርጉም አባል ቤተ ክርስትያን ምዃን እሞ አብ ቅድሚ ካልኦት ዘይትርአ እንተ ኾንካ ብፍላይ አብ ቅድሚ እቶም ክርስትያን ዘይኮኑ? ንአብነት ክንደይ ጎረባብተይ አነ ካቶሊካዊ ከም ዝኾንኩን ንእምነተይ ከም ዝነብሮ ይፈልጡ? ክንደይ ካብ መሳርሕተይ ብእምነተይ የለልዩኒ?

ኢየሱስ አብ ሕይወትና ከም መብራህቲ ኮይኑ ክርአ ዝደልዮ ዘሎ እንታይ እዩ? ብርግጽ ዓበይቲ ህንጻታት ቤተ ክርስትያን ወይ ብብዝሒ አብ ቤተ ክርስትያን ክርአዩ ወይ እውን ብዝርአ እምነትና ዝዓበየ እንተ መሰለ አይኮነን። ኢየሱስ ዝደልዮ ዘሎ ከምቲ ኢሳያስ አቕዲሙ ቅድሚ 800 ዓመት ዝበሎ ንማእሰር እከይ ምፍታሕ፥ ነርዑት ባርነት ምዝላቕ፥ ንጥቑዓት ምውፃእ ሓራ፥ አርዑት ባርነት ዘበለ ኹሉ ምስባር፥ እንጌራ ንጥሙይ ምምቃል፥ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት አብ ቤት ምቕባል፥ ዕሩቅ ምኽዳን፥ ንዘመድ ካብ ምሕጋዝ ዘይምኅባ እዩ። እዝን ካልእን ክንገብር እንተ ኸአልና ጥራሕ እዩ ጨውን ብርሃንን ዓለም ክንከውን እንኽእል።

ክርስትያን እምብአር ንኻልኦት ብርሃን ክንከውን ዝተሓረና ኢና። አብ ዓለም ህላዌ አምላኽ ክርአ እንተ ኾይኑ ብአይን ብአኹምን እዩ። እዚ ክንገብር እንተ ዘይከአልና አብ ዓለም ጸልማትን ህውከትን ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ዘሎናዮ ሕይወትን ከባቢናን እንተ ረአና ዓለም ጸልማት ጎልቢብዋ ጽቡቕን ክፉእን ክትፈሊ ዝኸበዳ እያ እትመስል። ሕልና ብዙሓት ንክፍአት ዓወት ንስርቅ ብልኃት፥ ንሰብ ምብዝባዝ ጅግንነት ዝመስሎም ኮይኑ አሎ። ስለዚ ነፍስወከፍ ክርስትያን እየ ዝብል መብራህተይ ትበርህ ዘላ ኢሉ ክሓትት ይግባእ።

ንህያብ አምላኽ ክነርክስ የብልናን። ፍቕሪ አብ ገዛ እያ እትጅምር ስለዚ ብርሃን ክንከውን መጀመርያ አብ ገዛናን ሕብረተሰብናን ኢና ክንጅምሮ ዘሎና። እንነብሮ ዓለም በቲ እንህቦ ጽቡቅ ብርሃን ክጽሎ እሞ አብ ሓቅን ፍቕርን ተጠሚሩ ከም ዝነብር ክንገብሮ ይግብአና። ጭልምልም ዝብል ብርሃን ክንህብ የብልናን ዓለም ንሓቅን ንፍትሕን ፈሊጡ ክአምን ንሕና ኢና ልኡኻት ብርሃን።

አብዚ ቅዱስ ጾም አብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን ብምሉእ ልብና ንጀምሮ አምላኽ ብጸግኡ አብ ንስሓን ቅድስናን እንአቱ ይግበረና።

ቅዱስ ጾም ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.