2017-02-21 16:51:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ትሕትና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንፈተና ልዕልናን ህንጡይነትን ክስነፍ ይገብር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ዘነግህ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት  ዕለት 21 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ዘዕርግዎ መስዋዕ ቅዳሴ ብምቕጻል ብናይ ላቲን ስርዓት ባሕረ ሓሳብ መሰረተ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ መጽሓፈ ሲራክ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 1-13 ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 30-37 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፥  እግዚኣብሔር ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ዝትንክፍ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስትያንን ቤተ ክርስቲያን እውን ዝረአይን ዝድለይን ናይ ልዕልናን ሓለቓን ናይ ምዃን ህንጡይነት ምኽንያት ከምእንሓፍር ዝገብር ጸጋኡ ክዕድለና ንለምኖ ዝብል ቃለ ምዕዳን ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ኢየሱስ ኣብ ምግልጋል ንዅሉ ንኽንርከብ እዩ ዝጽውዓና፡ ፈተና ንዅላትና ዘጋጥም እዩ፡ ምሳና ሓቢሩ ዝጓዓዝ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ክርስትና ሕይወት ሓቂ እዩ። እቲ ንእግዚኣብሔር ከገልግል ዝደልይ፡ ቀዳማይ ምንባብ ከምዝሕብሮ ንጐይታ ከገልግል ዝደልይ ንዘጋጥሙ ፈተናታት ቅሩብ ኰይን ንኽርከብ ይምዕድ። ናይ ሎሚ ወንጌል ድማ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሕማማቱን ሞቱን ደሓር ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከምዝትንስእ ከምዝነግሮምን ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ቃል ንኽርድእዎ ይጽግሞም፡ ንምርዳኡ ዝተሳእኖም ድንጉያት ኰይኖም ምርኻቦም የዘንትወልና። እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ ቢሎም እውን ምስ ገዛእ ርእሶም እተተዘራረቡ ብግልጺ ንኣኡ እንታይ ክትብል ኢኻ ደሊኻ ቢሎም ንኽሓትዎ ይፈርሑ። ከይሓትዎ ድማ ፈሩሑ ይብለና ወንጌል። እቲ ዝወሃበካ ተልእዀ ከመይን እንታይን ምዃኑ ናይ ምሕታት ፍርሒ ይበሃል፡ ፈተና ንኸየጋጥመካ ምራሕ። ኢየሱስ ስለስተ ሳዕ ብዲያብሎስ ደሓር ድማ ኣብ ቅድሚ ጴጥሮስ ብዛዕባ ሞቱ እንከበስር ተፈተና ኣጋጢምዎ እዩ።

ደቀ ምዛሙርቲ ኣብ መገዲ እናተጓዕዙ መን እዩ ቀዳማይ እናበሉ ንሓድ ሕዶም ይዘራረቡን ይካትዑ ነበሩ። ድሓር ግና ብዛዕባ እንታይ ኢኹም እትካትዑ ዘለኹም ቢሉ ኢየሱስ ምስ ዝሓቶም፡ መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ሱቕታ ይመርጹ። ስለምታይ ብዛዕታ እቲ ዝካትዕሉ ዝነበረ ጉዳይ ዘይነግርዎ። እምበኣር ስለ ዘሕፍሮም እዩ። ዘሕፍር ክትዕ ምዃኑ ይርድኡ እሞ ሱቕታ ይመርጹ።

እቶም መን ቀዳማይ ሓለቓን መን ዳሕረዋይ እናበሉ ዝካትዑ ዝነበሩ ንኢየሱስ ክስዕቡ ዝደልዩን ቅኑዓት ሰባት እያቶም ኔሮም። ንኢየሱስ ምስዓብ ኣብ ጐዳና ኣገልግሎት ምራኻብ ማለት እምበር ዑሱብ ናይ ሓንቲ ጉጅለ ወይ ድማ ኣባል ማሕበር ግብረ ሰናይን ምዃንን ሓለቓ ማለት ምዃን ኣይኰነን። ቀዳማይን ሓለቓን ናይ ምዃን ፈተና፡ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ዓለም (ዑሉም) ናይ ምዃን ፈተና እዩ። እዚ ፈተና’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣጋጢሙ እዩ ከጋጥም ድማ እዩ። ኣብ ቁምስናታት ዝረአይ ፈተና እዩ። ኣነ ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ክኸውን እደልይ ዝብል ናይ ቀዳማይ መንበር ምውናንን ቀዳማይ ናይ ምዃን ፈተና፡ ግና መን እዩ እቲ ካብ ኩሉ ዝዓበየ? ኣብ ቁምስናታት እት ዝዓበየ መን እዩ? ዝብል ሕቶ ከከም ሓሳብናን ድላይናን እናልዓልናን እናሓተትና እውን ባዕልና ንምልሶ። እቲ ድኣ ኣይ ከምዚ እድዩ ዝብል ዝደልይ እናተበሃሃልና ንሓድ ሕድና ንተሓማመይ። ኣነ ካብኡ ይሓይሽ …. ዝብል ፍርዲ ንህብ።

እዚ ፈተና’ዚ ድማ ናብ ካልእ ክፉእ ናይ ምዝራብን ሓሜትን በለካን ለኽዓካን የብጽሕ። ገለ ገለ እዋን ኣንሕና ካህናትን ጳጳሳትን ናይታ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስን ናይታ ሰበኻ ጳጳስ እንተዝኸውን ዝብል ህርፋንን ህንጡይነትን ነርእይ እምበር ጐይታ ካባይ እንታይ ይደሊ ዝብል ሕቶ ንሕልናና ዘይነቐርብ ኰይና ንርከብን እቲ ጐይታ ካባና ዝደዮ ጽን ዘይምባል ንመርጽ። እዚ ኸኣ ናይ ዓለም ናይ ምዃን ፈተና እዩ። ኣነ ናይታ ዓባይ ሰበኻ ኣባል እየ፡ ጳጳስ እየ ካህን እየ እናተባህለ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሰበኻን ቁምስናን ጽልዋ ንኽህልወና ላዕልት ታሕትን ንብል። እዚ ዅሉ ግና ኣበይ ንምብጻሕ እዩ? እዚ መገዲ’ዝ ናብ ጐይታ ዘብጽሕ ዶ ይኸውን?

ውሩይን ክቡርን ዓብይን ናይ ምዃን ድላይ ናይ ዓለም ምዃንን ስጋውን መለሳ-ኣልቦ ንምዃን እዩ ዝዳርግ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እምበኣር እዚ ዓይነት ድላይ ኣብ ውሽጥና ክስምዓና እንከሎ ክንሓፍር ይግብኣና፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈተና ክንበጽሕ እንከለና ጐይታ ናይ ምሕፋር ስምዒት ክስምዓና ዘኽእል  ጸጋኡ ንኽዕድለና ንለምኖ። ኢየሱስ ነቲ ውሩይነትን ክቡርነትን ልዕልናን ምድላይ ዝብል ኣመክንዮ ይግልብጦ እሞ ብናይ ምግልጋል ኣመክንዮ ይትክኦ። ኣብ መንጐ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኰፍ ቢሉ፥  ካባኻኵም እቲ ቐዳማይ ድዩ ወይ ከኣ ሓለቓ ክኸውን ዝደልይ ድሕሪ ኵሉን ኣገልጋሊ ኵሉን ይዅን እንክብል ነቲ ዝሓስብዎ ስጋዊ ክብሪ ይነጽጎ ጥራሕ ዘይኰነስ ካልእ ናይ ኣገልጋሊ ምዃን መገዲ ይሕብሮም ። ጐይታ ካብዚ ቀዳማይን ሓለቓን ናይ ምዃን ህንጡይነት የድሕነና ከምዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ኣብ ትሕቲ ዓቢይን ሓለቓን ናይ ምዃን ፍተና ምስ እንረክብ ጐይታ ከም እንሓፍር ይግበረና። ናይ ቆልዓ መንፈስ ናይ ንኡስ መንፈስ የሕድረልና። ናይ ኣገልግሎት ጐደና ክንስዕብ ይደግፈና። ምናልባት መብዛሕትና ጐይታ መላእ ሕይወተይ ኣገልጊለካን ትሕቲ ኩሉ ኮየነን እየ እሞ ሕጂ ኻኣ እንታይ ክንገብር ኩሉ ፈጺምና ቢልና ንሓትት ንኸውን፡ ጐይታ ግና  ዘይብቑዕ ኣገጋሊ እየ በሉ፡ ዘይብቑዕን ዘይጠቅምን ኣገልጋሊ እየ በሉ። እቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ኢና ዝገበርና ዝብሉ ኣገልገልቲ ኩኑ እዩ ዝብለና እንክብሉ ዝለገስዎ ቃል ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ሓቢረን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.