2017-02-23 16:53:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ እዋናዊ ናይ ማሕበራዊ - ኤኮኖሚያዊ ሕግታት ምቕያር


ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ናይ ወንጌላውያን ልኡካን ማሕበር ስካላብሪኒያኒ ዓለም ለኸ ናይ ስደተይናታት መርበብ ማሕበርን ማሕበር ኮንራድ ኣደናወር ብሓባር “ውህደትን ምዕባለን፡ ካብ ርእይቶ ናብ ግብሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዉዎ ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዛዕባ ፍልሰትን ሰላምን ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 22 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ቤት ጽሕፈ ካብ ዝወጽኦ መግለጺ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም፥ “ንሰላምን ንውሁድ ናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምዕባለ ብርግጽ ስደት ካብ ኣድላይነት ናብ ዕድል ምልዋጥ ኣገዳሲ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዝተሰምሮ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ብዙሕ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እቲ ናይ እዋናዊ ዓለም ከቢድን ዓቢይን ብድሆ ዝዀነ ክስተተ ስደት ከም ናትካ ጸገም ጌርካ ናይ ምርኣይ ዝምባለ ክህሉ ዘተሓሳሰቡ ምዃኖምን ኣብቲ ብዓውሎማነት ዝልለይ እዋናዊ ስርዓት ዓለም ሰላምን ምዕባለን ምኽባር መሰረታውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማራዃሲ ምዃኑ ተነጺሩ ይምልከት። እዚ ድማ ኣብ መንጐ መንግስታትን ኣሕዛብን ኣብ ዘሎ ርክብ ክረጋገጽ ዘለዎ ናይ ሓባር ዕማም ዝሕብሩ ምልክታ ምስትውዓል የድሊ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ፍልሰት ኣብ መቓን ናይ እዋናዊ ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካ

ናይ ዓለም ፖለቲካ ውጥን፥ ብተቐያያሪ ረብሓታትን ብዘይምርግጋእን ብዘይርጉጽነትን ብፍርህትን ብዝገራጨዉ ፖለቲካዊ እማመታትን ዘይምዕቡልነትን ንሰናይ ተግባር ዝስላዕ ሓብቲ ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላ ዘይምፍሳስን መወዳእታ ዘይብሎም ግርጭታትን ዓመጽን ጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍርሒ ንናይ ምህዳር ነባሪ ኣየር ምልውዋጥ ሳዕቢናቱን ገና ዘይተኣልየ ቅልውላው ኤኰኖምን ኣብ ምብጻሕ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ጸቕጢ ፖለቲካዊ ርእየተ ዓለምን ምኽዋንን እናንቆልቆለ ዝኸይድ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሰብኣውን ምህዳራውን ኩነትን ንግድ ዘይሕጋዊ ምህርትን ሰብን ሃብቲ ዓለምን ፍልሰት ዝወልዱ እያቶም፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ብቑዕ ናይ ስደተይና መመሓደሪ ሰብኣውነት ብቕዓት ዘለዎ ሕጊ ንኸይክወን ይዳርግ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቶም በቶም ኣብ ላዕሊ ብዝተጠቕሱ ጠንቅታት ተደሪኹ ዝስደድ ሰብ ካልእ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስሩ ኣማራጽታት እናተጠቐመ ሕይወቱ ናብ ሓደጋ ብዘቃልዑ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣቢሉ ክስደድን እዚ ዘይሕጋዊ ስደተይና ምዃን’ዚ ድማ ንዓመጽን ምዝመዛን ሞትን የቃልዖ ምህላዉ ርኡይ እዩ። ስለዚህ ነቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ንምዕጋትን ነቲ እከይ ተግባሮም ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ናብተን ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዝነቑሉለን ሃገራት ፖለቲካውን ኤኮኖምያዊን ሓገዝ ክቐርብ ይረአይ፡ እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ግና እተን ፍልሰት ስደተይና ዝብገሰለን ሃገራት ነቲ ዝረኽብኦ ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ሓገዝ ብትኽክል ኣብ ናይ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ድጋፍ ስኡናትን ንሰላምን ንምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንምርግጋጽ ኣብ ዝኽእል ዕማም ዘይኰነ ኣብ ካልእ መዓላታት ከውዕለኦ እዩ ዝረአይ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ፍልሰት፡ ዓለም ለኻዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምዃኑ ተኸባርነቱ ምርግጋጽ የድሊ

ዓለም ሓቆፍ ፍልሰት ከም ሓደ ኣብ ገለ ገለ እዋን ዝቐላቐል እሞ ዘይብቝዕ ማሕበራዊ ክስተት ጌርካ ምርአዩ ጌጋ እዩ። ስለዚህ ምስዳድ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክፍሊ እዩ። ብምዃኑ ድማ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ነዚ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ፍልሰት ዘንቅሉ ጠቅታት ካብ መሰረቶም መፍትሒ ክረኽቡ ምግባሩ የገድስ። እቲ መፍትሒ ድማ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ከይዲ ክህልዎ ይግባእ። ናይ ፍልሰት ተሓታቲ ስደተይና ዘይኰነስ እቲ ፍልሰት ዝፈጥር ፖለቲካውን ኤኮኖምያውን ማሕበራውን ከይዲ እዩ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ድማ ነዚ ተረዲኡ ናይ ሕዝብታትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሰላምን ምዕባለን ዘረጋግጽ መደብ ከለልይን ክትግብርን ይግብኦ። ከምዚ ምስ ዝኸውን እቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ሰብ ናጻን ድላይን ኰይኑ ይተፍ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥

ፍልሰት ክቡር ናይ ሰብኣዊ ሃብቲ እዩ

ስደተይናታት ኣብ ናይ ሓንቲ ሃገር ማለት ኣብታ ዝእንገደላ ሃገር ኤኮኖምን ፖለቲካውን ማሕብራውን ባህላውን ስነ ፍልጠትን መዳይ ዘበርክትዎ ክቡር ኣስተዋጽኦ ብዙሕ ጊዜ ትሑት ግምት ዝወሃቦን ወይ ድማ ዘይስትውዓል እናዀነ ይረአየ፡ ስደተይና ናይታ ዝእንገደላ ሃገር ማሕበራዊ ናይ ሓባር ናብራ ሰላሙ ዘውሕስ ሕግን ስርዓትን እናኽበረን ካብታ ኣብ ናይ ስደት ሃገር ካብ ዝኣትወላ እዋን ኣትሒዙ ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን ብፍላይ ድማ ናይቶም ብቐሊሉ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ክቃልዑ ዝኽእሉ መሰልን ክብርን ክኽበረሉን ከምዘለዎ እውን ገሊጾም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ናይ ሱታፌ ኤኮኖሚ ተግባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እዋኑ እቲ ዓለም ዝኽተሎ ናይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ሕግን ስርዓትን ስልቲ ምልዋጥ ዘለዎ ሕጽጹ ኣድላይነት ሓባሪ እዩ ከምዝበሉ ብምዝኽኻር እቲ ዝንጽል ከይዲ ኤኮኖምን ምዕባለን ካብ ዝተሰናኸለን ዝተጐብጠን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ምህዳራውን ማዕርነት፡ ካብ ዘሰናኽልን ዝጐብጥን ሜላ እዩ ዝውለድ። ስለዚህ ድማ ነዚ ዘይማዕርነት ከይዲ ንምውጋድ ናይ ተኻፊልካ ምንባርን ምትሕስሳብን ባህሊ ብምርግጋጽን ብምስፋሕን ናይ ኵሉ ናይ ስደተይናን ዘይስደተይናን ተሳትፎ ዘዋስእን ናይ ኩሉ ረብሓን መሰረታዊ ድላይን ምውሓስ የድሊ።  እዚ ድማ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዝዓሰሎ ሕውነትን ተሓባባርነትን የረጋግጽ። ንክርስትና እምነት ድማ እዚ ተግባር’ዚ ግብረ ሓልዮትን ሰናይን ይበሃል ቢሎም ዘስምዕዎ ዘረባ እንከጠቓልሉ፥

ዘዋስእ ኤኮኖሚ ምፍጣር የድሊ፡ ኵሉ ዘዋስእ ብምዃኑ ሕይወት ዝፈጥር እዩ። እዚ ማለት ድማ ኩሉ ድኻን ሃብታምን ዘዋስእን ሱታፌ ዝፈጥር ሓድሽ ተስፋ ዘነቓቕሕን ሰብኣውን ማሕበራውን ርክባት ዘሀብትም ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብርን መኽሰብ ሱታፌን ምትህብባርን ኣብ ዘረጋግጹ መደባት ክውዕል ይገብርን። ገንዘብ ድማ ብዓይኒ ወንጌል ክረአይ እንከሎ ንዝቕበሎ ኰነ ንወሃቢኡ ኣብቲ ማሕበራዊ ርክብ ንናይ ኩሉ ምዕባለን ፍስሃን ምኽንያት እዩ ዝኸውን፡ ስለዚህ ኩሉ ዘዋስእ ኤኮኖሚ ምፍጣር የድሊ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.