2017-02-23 16:59:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣጠቓቕማ ምስሊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምቁጽጻር


ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስልን ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ መለለዪ ስሩዕን ሕጋውን ንዝዀነ ኣገባብ ኣብ ምጥቃሙ ናይ ምቁጽጻር ሃላፍነቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሓፈት ዋና ጸሓፊ ምዃኑ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ምንጪ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣጠቓቕማ ምስሊ ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስን ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ መለለዪታት ወይ ድማ ምልክታ ኣርማታት ምቁጽጻርን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምጥቃም ምስ ዝህሉ ብምክትታል ሕጋውነትን ዘይሕጋውነቱን ንምታይ ምጥቃሙን ዕላማኡን መርሚሩ ውሳኔ ዝህብን ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ምስ ዝህሉ ድማ ብሕጊ ዝተመዓራረየ ፍርዲ ዝህብ እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምንጪ ዜና ኣስዒቡ፥ ምስሊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምክልኻል ብኻልእ መዳይ ትምህርቶምን ምዕዳኖምን ብዘይ ምቁንጻብን ምግምማዕን ከከም እትደልዮ ብዘይ ምትንታንን ንኻልእ ዕላማ መሳለጢ ብዘይ ምግባር ምሉእ ብምሉእ ናብ ምእመናን ክበጽሕን መልእኽቶምን ትምህርቶምን ካብቲ ከመሓልልፎ ዝድለዮ ሓሳብ ወጻኢ ንዘይተደልየን ዘይተሓስበን ኣመለኻኽታ መሳለጢ ከይከውን ንምግባርን ከምኡ ኣውን ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ኣርማታት ኣብ ግብኡን ሕጋውን ዓለም ሓቆፍ ውክልናታት ቤት ጽሕፈታቱ ዝውዕል ምዃኑ ንምቁጽጻርን ንኻልእ ዓይነት ተግባር መሳለጢ ንኸይውዕል ንምቁጽጻር እውን ምዃኑ ኣመልኪቱ፥ ዕላማ ቅድስቲ መንበር ከይዛባዕን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ዘይሕጋውነት ከይሁሉ ንምክልኻል ምዃኑ ኣብሪሁ፥

እቲ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ምስሊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥርስን ኣርማ ቅድስቲ መንበን ተሞርኵይዙ ዘይከነስ እንታይደኣ ንዝዀነ ይዅን ምስሊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓውያን ኣርማታትን ንዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማታትን ብዘይ ፍቓድ ንዝተፈላለዩ ናይ መኽሰብ ንምርካብ ተሓሲቡ ንዝውም ኣብ መኽሰብ ምእካብ ንዝዓዩ ማሕበራትን  መጋበሪያ ንኸይውዕል ንምቁጽጻር ተሓሲቡ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ምዃኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.