2017-02-24 18:50:00

ሰንበት ዘቅድስት ዘጾም ፵ የካቲት 19- 2009 ዓ.ም. (2/26/2017)


ንባባት፡፩ቆሮ 2:6-10፥ ያዕ 1፡13-22፥ ግ.ሓ.10፡17-30፥ ማቴ 5:17-37  ስብከት፡ “እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ” “እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ” መዝ። 96፡5።

መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር” እናበለ ሕይወትና ምስ አምላኽን ሰብን ክህልዎን ክሕዞን ዝግብኦ መገዲ የዘኻኽረና። ጉዳይ ሰማይ ተነቃፊ ብቐሊል ዘይመልክዑ ክነልብሶ ስለ እንኽእል ዓቢ ምስትውዓል ከም ዘድልየና የዘኻኽረና። ንአምላኽ ክነገልግል፥ ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን፥ አብ ሕይወትና ቅድስና ለቢስና ክነብር፥ ካብ ኩሉ ዝጓነፈና ፈተና በርቲዕና እምነትና ክነጽንዕ፥ ኵሉ ጊዜ ዕጡቓትን ስንድዋትን ኮና ሕይወትና ክንመርሕ፥ መወዳእታና ምስ አምላኽ ምንባር ምዃና ክነስተውዕል፥ ንብጻይና ከም ርእስና እናፍቀርና ክነብር፥ ብዕለተ ሰንበት አብ መአዲ ክርስቶስ ተሳተፍቲ ክንከውን ከም ዘሎና ዘዘኻክር ፍሉይ መዝሙር ኢና ዘሚርና።

አብ ጊዜ ጾም ፵ ፍሉይ ጸሎት አስተንትኖ ተጋድሎ ክንገብር ቤተ ክርስትያን ተዘኻኽረና። ጾም ፵ “ቅድስት” እውን ይብሃል እዩ። እንጅምሮ ዘሎና እዋን ናይ ንስሓን ዕርቅን ሕድገት ኃጢአትን እዩ፥ አብ አምላኽ ተመሊስና ፍቕሩን ጸግኡን ክነስተማቕር አብ መንጎና ንዘሎ ጸገም ምእንቲ አምላኽ ኢልና ክንሓድግ ከምኡ መገዲ አምላኽ ክንሕዝ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ። ጾምና ፍረ ክህልዎ ናይ ብሓቂ አብ ናይ ብሕታዊ ሕይወትና አቲና ነቲ ካብ አምላኽን ጸግኡን ፈልዩና ዘሎ አለሊና አብ ጻህያይ ኃጢአትና ክንአቱ እሞ ጸጸት ኃጢአትና ገርና እሙናት ደቂ ክርስቶስ ክንከውን ዝዕድምና ፍሉይ ናይ ጸጋን ምሕረትን ጊዜ እዩ እሞ ክንዕወት ንጽዋዕ አሎና።

አብዚ ሰንበት ዘቅድስት ቤተ ክርስትያን አብ ሕጊ ክርስቶስ ክነስተንትን ትደልየና። አብ ጽምዋ ልብና አቲና እንመርሖ ዘሎና ሕይወት ክንርኢ እሞ አብ ክርስቶስ ክንምለስ፥ ምስኡ አዛሚድና አብ ምሕላው ሕጊ ቤተ ክርስትያን እንገብሮ ጻዕሪ ክንግምግም ዝዕድም እዋን። ሕጊ ክርስቶስ መለኮታዊ ሕጊ እዩ፥ ንባህርያዊ ሕጊ ዝጻረር አይ ኮነንን፥ ነቶም ብምሉእ ዝቕበልዎን ብእኡ ሕይወቶም ዝመርሑ ልቦና ዝመልእን ሕይወት ዝህብ እዩ። ካብቲ አምላክ አባና ዘልኦ ፍቕሪ ዝምንጩ ኸአ እዩ፥ ስለዚ ንእኡ ምእዛዝ መሰረታዊ ምርጫ ንሕወትና ንሓጎስን እዩ። ሰብ ንሕጊ ክርስቶስ ከም መምዘኒ ሕይወቱ ገሩ እንተ ነበረ ሓንቲ ጸገም አይጓነፎን እዩ፥ ገለ ፈተና እንተ ገጠሞ እውን ከሸንፎ ይኽእል እዩ። ጸገም ዝስዕረና ንሕጊ አምላኽ ሓዲግና ባዕልና አብ ዘውጻእናዮ ሕጊ ጥራሕ ክንምራሕ ከሎና እዩ። ዓለምና ሎሚ ሰብ ብዝሰርሖ ሕጊ ጥራሕ ትምራሕ ስለ ዘላ ሳዕበናቱን ውጽኢቱን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሃብታማትን ሓያላትን፥ መለኽትን ገዛእትን ጥራሕ ዝደልይዎ ሕጋ ገራ ትሕመስ አሎና። መለክዒ ሓቂ አብ ክንዲ እቲ አምላኽ ዝሃበና ዝኸውን አብ ድላይ መራሕትን ገዛእትን ኮይኑ ነቲ አምላኽ ዝሃበና ሕጊ ሰባት ብዝደልይዎ ክትካእ ንርእዮ አሎና። ሓደ ካብዚ ግብሪ ሰዶምን ጎመራን እዩ። አብ ግዚኡ ንዝነበሩ ዘጥፍአ ኃጢአት ሎሚ እውን ይድገም ንርኢ አሎና፥ የቕልለልና ዘብል እዩ። ጊዜ ጾም ነዚ ክንሳሓሉን ክንጽጸተሉ ዘሎና ከቢድ ናይ እዋና ጸገም እዩ። አምላኽ ሰብአይ ምስ ሰበይቲ ሓደ ክኾኑ እምበር ካልእ አይፈጠረን እዚ ንሕጊ አምላኽ ዓው ኢልካ ምፍራስ ስለ ዝኾነ አብ ዓለም ከቢድ ጸገም ኮይኑ ንርእዮ አሎና፥ ብሓቂ ክንጽሊ ይግብአና።

አብ መጽሓፈ ሲራክ 15፡15-20 ዘሎ እንተ አንበብና ሓውን ማይን አብ ቅድሜኻ አንቢሩ አሎ ኢድካ ስደድ እሞ አብቲ ዝደለኻዮ እለኽ. . . ሕይወትን ሞትን ቀሪበን አለዋ እቲ ዝመረጾ ኸአ ኪወሃቦ እዩ፥ እናበለ ብሓደ ወገን አምላኽ ክንመርጽ ነጻነት ከም ዝሃበና ይነግረና እንተ ኾነ እቲ እንመርጾ ውጽኢቱ ንሕይወትና ከም ዝጸልዎ ክንፈልጥ ከም ዘሎና ይሕብረና። አምላኽ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ነጻ ገሩ ፈጢሩና፥ አብ ሕይወትና ክመርሓና ኢሉ ሕጊ ሂቡና፥ ናይ ምምራጽ ነጻነት ናይ ሕይወት ውሳኔ ክንገብርን ክንመርጽን ኢሉ አእምሮ ክመርሓና ሂቡና።

አምላኽ አነጺሩ ነጊሩና እዩ አብ ሕይወትና እንገብሮ ምርጫ ናቱ ሳዕቤን አልኦ። ንቀዳሞት ወለድና ካብ ፍረ እቲ አብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብአ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመወት ኢኻ እሞ ካብአ አይትብላዕ (ዘፍ 2፡16-17) እናበለ ብምርጭኦም መሰረት ሳዕበኑ ከም ዝቕበሉ ገሊጽሎም። ኩሉ ጊዜ ነቲ አምላኽ ዝበለና ሕግታቱ እንተ ሰማዕናን አኽበርናን ሕጉሳት ኢና እንኸውን። ብአንጻሩ ሰይጣን ተዓዊትልና ሕማቕ ምርጫ ክንገብር እንከሎና ፍሪኡ ኢና እንሓፍስ። መዘምር ዳዊት እቶም ኃጢአት ዘይገብሩ ሕጊ እግዚአብሔር እናፈጸሙ ዝነብሩ ሰባት ብፁዓን እዮም፥ ሕጉ ዝሕልዉ ብምሉእ ልቦም ዚእዘዝዎ ብፁዓን እዮም. . . (መዝ. 119፡1) ይብለና። እዚ ማለት ከአ ከም ነጻ ዝኾኑ ፍጡራት መጠን እግዚአብሔር ብሓይሊ ነጻነትና አይገፎን እዩ፥ ደይ እድየከ ሃበ ዘፈቀድከ እዩ፥ ኢድካ አብ ዝደለኻዮ ምለስ ነጻነትካ ዝተሓለወ እዩ። እንተ ኾነ እቲ ቅኑዕ ምርጫ ክንገብር ሕግታቱ እቲ ሕይወትን ሓጎስን ዝህብ ክንመርጽ የበራትዓና። ብዙሕ ጊዜ አብ ዝገበርናዮ ምርጫ ወላ እኳ ናይ ገዛእ ርእስና ምርጫ ውጽኢት ይኹኑ ንአምላኽ ንሓሚ፥ ስለምንታይ እዚ ክወርደኒ ወይ ከምዚ ኽኸውን አፍቂዱ እናበልና አብ ልዕሊ አምላኽ ነግረምርም።

ቅ. ጳውሎስ አብ ቀዳመይቲ ንባብና ንሕጊ ክርስቶስ ጥበብ አምላኽ ይብሎ ነዚ ኸአ ብእዋኑ ንዝነበረ አተሓሳስባን ርድኢትን ንምግላጽ ኢሉ ካብ ትንቢት ኢሳያስ 64፡4 እናጠቐሰ ይገልጾ። ብኻልእ አዘራርባ ንሕጊ ክርስቶስ ምእዛዝ ዝበለጸ ነገር አብ ሕይወት ምግባር እዩ እናበለ ክመርጽዎ ዝግብኦም ይነግሮም። ብሕጊ አምላኽ ምንባር ንሰባት ፍሉያት ይገብሮም እዚ ኸአ ብሓደ ፍሉይ ምልክት ሰላም ፍቕሪ ሓጎስ ኮታስ ኩሉ ንሰብ ዘሓጉስ ተዓዲልካ ምንባር ማለት እዩ። ጳውሎስ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝመጽእ ጥበብ ካብቲ ናይ እዛ ዓለም ፍልስፍና ፈላልዩ ይርእዮ፥ እዚ ኸአ ሕጊ ክርስቶስ ንቃል/ሕጊ ሰብ ዝሓልፎን ልዕሊኡን ከም ዝኾነ ይገልጾ። እቲ ካብ አምላኽ ዝመጽእ ሕጊ መለኮታዊ ተገልጾ ዘልኦ ክኸውን እንከሎ ናይ ሰብ ጥበብ ግን በራስን ውሱንን እዩ። ኢየሱስ ነዚ ገሊጹ ክምህረና እንከሎ እቶም ኻብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸአ መንፈስ እዩ (ዮሓ 3፡6) ይብለና።

ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ማቴዎስ ዝሰማዕናዮ አብ መንጎ ብዙሓት ሊቃውንቲ ቅ. መጽሓፍ ዓቢ ክትዕ ዘልዓለ እዩ። ክርስቶስ ንሕጊ ሙሴ ኾነ ንነብያት ክፍጽሞም ደአ እምበር ክስዕሮም ዝመጻእኩ አይምሰልኩም ክብል እንከሎ እንታይ እዩ ዘስምዕ? ኢየሱስ ነዚ ክብል እንከሎ ሓቂ እዩ ዝነግር ዘሎ፥ ብሉይ ኪዳን ብምልኡ ተፍጻሜት ረኺቡ እዚ ኸአ አብ ክርስቶስ ምሉእ ምልአት ረኺቡ ማለት እዩ። ናይ ግሪኽ ቃል ንምልአት/ተፍጻሜት ዝብል (pleroo) እዩ ትርጉሙ ከአ ምምላእ ፍጻሜ ማለት እዩ። ብዓይኒ ናይ ሎሚ ወንጌል ክንርእዮ ከሎና እቲ አቐዲሙ አብ ብሉይ ኪዳን ዝተባህለ ኩሉ ክርስቶስ ንሕጊ አይሁድ (Torah) ንገዛእ ርእሱ ብምስዋዕ ፈጺምዎ። ስለዚ ሎሚ ንሱ ምልአት ናይ ሕጊ እዩ። ንኢየሱስ ምእዛዝ ማለት ንሕጊ ምእዛዝ ማለት እዩ።

ሎሚ እምብአር ክርስቶስ ዝብለና ዘሎ ንሱ አንጻር እቶም ናይ እዚ ዘመና ዝኾኑ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን ንሕጊ ብሓሶት ዘይናቱ ትርጉም ዝህቡ እሞ ናይ ህዝቢ ሕግን ሕይወትን ዝውስኑ ዘለዉ እዩ። እዚ አንጻር ናይ ሓሶት ነብያት፥ መማህራን ብሓሶት ዝተፈላለየ አዋጃት ዝእውጁ ንሰባት እሱራት ሕልናን መንፈስን ገሮም አብ ጸልማት ዘንብሩ እዩ። ቤተ ክርስትያን ሎሚ አሰር ክርስቶስ መምህራ ብምስዓብ ዓው ኢላ ትምህረና አላ። ንሓቂ ካብ ሓሶት ንምዝመዛ ካብ ርሕራሓ ፈሊና ክንርኢ አሎና። ወርቂ ዝተለበጠ ቃላት ብስም ተለፍለፈ ሓቂ ተዘሪቡ ማለት አይኮነን። ብዙሓት መራሕቲ ብዘለዎም ተመክሮ ዘረባን ጣዕሚ ልሳንን ንሓሶት ንግፍዒ ከይንርኢ አደናጊርም ከም ቅኑዓት ጥዑያት ዝመስል ግን ብደም ደቂ ሰብ ብስቓያት ብዙሓት መንእሰያትን ደቂ ዓዶምን ዝተሓጽቡ እዮም። ዓለም ብገፋዕትን አታለልትን ተወሪራ አብ ጸልማት ትጉዓዝ አላ። አብዚ ኢና ኩልና ደቂ ክርስቶስ ንሓቂ ንርትዒ ደው ክንብል እሞ ሰላም ፍቕሪ ክነግስ ዘሎና። ወዲ ክርስትና ንሓቅን ንሰላምን ደው ክብል እንተ ዘይከአለ ንብዙሓት አብ ስቓይን ወርደትን ስደትን እዩ ዘብጽሕ። አብ ታሪኽ ክርስትናና ሰማዕታት እንብሎም ንሓቂ አብ ኩሉ አብ ቅድሚ ነገስታትንን ገፋዕትን፥ አብ ቅድሚ መን ከማና ዝብሉ ኃያላን ደፊሮም ክሳብ ሕይወቶም አብ ምሕላፍ  ስለ ዝበጽሑ እዩ እምነትና ደው ኢሉ ዘሎ። ናይ ሎሚ ሰማዕታት ንሕና ኢና። ፍርሒ ሰሊቡና ንሓቅን ፍትሕን እናጠፍአ ሱቕ ንብል እንተ ኾና ሕጊ ክርስቶስ ጌና አይተሰቕረናና አሎ ማለት እዩ። ሎሚ እምነትና ሓዲስና ሓደስቲ ሰማእታት ንኹን።

ጾም ፵ ቀንዲ መልእኽቱ ምስ ክርስቶስ ፍጹም ርክብ ክገብር እሞ ንኹሉ ኃጢአት ስዒርና አብ ጽድቅን ንስሓን ክንምለስ እዩ። ነዚ ክንገብር ክንሓልፎ ዘሎና ፈተናን ተጋድሎን አሎና። አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ ተደፊእና ዝተነስሓ ልቢ ሒዝና ክንቅርብ አሎና። ጾምና ልዕሊ ኹሉ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ግዳማዊ ጥራሕ ከይከውን። ከምቲ ኢዮኤል ነብይ ዝብለና ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝምማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደአ ቕደዱ ዝብል ነፍሲ ወከፍና አብ ሕልናና ንእቶ ቀለዓለም ዝመልኦ ሕይወት ይአኽለና ጾም ንዝጹም ሓውናን/ሓፍትናን ነፍቅር ሕጊ አምላኽ ነኽብር ሽዑ ገጽ አምላኽ ክንርኢ ኢና።

አምላኽ ዝሓተና አለዎ ብዝርአ ጥራሕ ክነምልኾ ከም ዘይደሊ፥ ንሕጉ ሓንቲ ዋጋ ዘይንህብ እንከሎና ግን ብግዳማዊ ነገር ከም ደቁ ኮና ብኽልተ ገጽ ክንከይድ አይ ደልን እዩ። ሓዲኡ ክንመርጽ እዩ ዝደሊ። ከምቲ ሙሴ ቅድሚ ሞቱ ንሕዝቢ እስራኤል ሎሚ ሕይወትን በረኸትን ሞትን ጥፍአትን አብ ቅድሜኹም አንብረልኩም አሎኹ . . . . ብሕይወት ክትነብሩ ክትበዝኁን አምላኽኩም መታን ክባርኸኩም፥ ንእግዚአብሔር ክተፍቅርዎ ብመገዱ ክትከዱ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕልዉ አነ ሎሚ እእዝዘኩም አሎኹ፥ ዝበሎም ሎሚ ቤተ ክርስትያን አፍ ክርስቶስ ኮይና መንገዲ አምላኽ ክንመርጽ ትሓተና አላ።

መንፈስ ፈሪሳውነት ናይ ዘመና ጸገም እዩ። ብዝርአን ብቃሎምን ንቃል አምላኽ ዘኽብሩ ዝመስሉ ብግብሮምን መንፈሶምን ግን ካብ አምላኽ ዝርሓቑ ብዝያዳ አብዚ ምዕቡል ዓለም እንርእዮ ዘሎና እዩ። ክርስቶስ አብዚ ዓለም ዝመጽአ ሕይወት ከልብሰና ኢሉ እዩ፥ ብምልኡ ኸአ ተዋሂቡና አሎ። ነጻ ዝኾና ፍጥረት ኢና። ነጻ ምዃን ግን ድላይካ ምግባር አይ ኮነን አብ እምነት ክርስትናና ነጻ ዝብሃል ምስ አምላኽ ምሉእ ውህደት ዘልኦ እዩ። ሰብ ነጻ እዩ ክብሃል ካብ ኃጢአት ነጻ ክኸውን እንከሎ ጥራሕ እዩ። ግፍዒ እናገበርና ንሓውናን ሓፍትናን ክጽገሙ ክዋርዱ ዝክአለና እናገበርና ክርስትያን ክንብሃል አይ ክአልና እዩ። እሞ ሎሚ አብ ልብና ተመሊስና አብ ሕጊ አምላኽ ምኽባር ንመለስ እዚ ኸአ እዩ ንጾምና ናይ ብሓቂ ፍረ ዘልኦ ዝግብሮ።

ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ መማህራን ሕግን ፈሪሳውያንን አዝዩ እንተ ዘይበዝኅ ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ አይትአትዉን ኢኹም እናበለ ክንክተሎ ዘሎና ጉዕዞ ሕይወት ይነግረና። ሕጊ አምላኽ ስርዓታትን መምርሒታትን ጥራሕ አይኮኑን ዓቢ መርኃ ሕይወት እዮም። አብ ፍቕርን አኽብሮትን መሰረት ኮይኖም ሕይወት ዝህቡና እዮም። ሰብ ዝኸብር ብሕግን ፍቕርን ክምራሕ እንከሎ ጥራሕ እዩ። እዋና አምሰሉታት በዚሖም ክርስትና ብስም ዓውዓው በልካን ስም አምላኽ ብስም ጸዋዕካን ትንነብሮ አሎኻ ማለት አይ ኮነን። ብሓቂ እንአምኖ ክነብሮ ክንጽዕር አሎና ነቲ ዝጥዕመና ጥራሕ ብስም ፈጸምና ንፉዓት ክርስትያን አይ ገብረናን እዩ ስለዚ ሎሚ አብዚ ጊዜ ጾም ጉዕዞ ሕይወትና ርኢና ክንክእል አሎና። ቀለዓልም ንሕደጎ ግብርና ርክባትና ኩነታትና ንርአ ሽዑ አብ መገዲ ንስሓ ተመሊስና ንጽድቅን ቅድስናን ንተሓሓዞ።

አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም እምብአር ንሕግን ስርዓትን ክንሕሉ መብጽዓና ክነሓድስ፥ ነቲ ውሃብ ሕጊ አምላኽና ኸአ ሓግዘና ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትኽደና ንበሎ።

ብሩኽ ጾም ገሩ አብ ንስሓን ዕርቅን ቅድስናን ዘብጽሕ ይግበረልና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.