2017-02-28 16:26:00

ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ፥ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሚላኖ ሰናይ ኣጋጣሚ ንናይ ሓባር ርክባት


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ትማሊ ኣብ ሚላኖ ኣብ መንበረ ጳጳስ  ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዕለት 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ኣብ ሚላኖ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ብረና ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ሚላኖ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ብእምነት ከጽንዑን ጐዳና እምነትን ኣብ ሕይወት ብሓቂ እቲ ልዑል ክብሪ ክሕብሩን ዝብል ዕላማ ዘለዎ ምብጻሕ ምዃኑ ዝሓበሩ ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ ኣስዒቦም፥ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስሩዕ መደባቱ ጽዑቕን ጥልቅን ክኸውን እንከሎ ሽሕ’ኳ ኣብ ሚላኖ ከተማ ዕለት 25 መጋቢት ብምኽንያት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ሓለዋ ጸጥታን ደህንነትን ኣዚዩ ጽንኩር ከምዝኸውን ድሮ እውን ናይ ከተማ ሚላኖ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር እንተሓበረ ንቅዱስነቶም ንምቕባልን ምዕዳኖምን ቃሎምን ንምስማዕ በሸሓት ዝቝጸር ምእመናን ናብ ሚላኖ ከምዝውሕዙ ዝግመት ኰይኑ፡ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓጐስ ርክብ ዝረጋገጸሉ ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ ከምዝበሉ ብረና ኣፍሊጦም።

ኣብ እዋን ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ሚላኖ ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕን ሸውዓተ ሚእንት ወለንተይናታት ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሕዝቢ ርክባት ኣብ ዘካይድሉ ቦታን እዋንን ተረኺቦም ኩለ መዳያዊ ኣገልግሎ ከቕርቡ ምዃኖም ብፁዕነቶም ከፍልጡ እንከለዉ፡ ኣብ ጐዳና ሳሎሞነ ኣብ ዝርከብ ሕዝባውያን ኣባይትን ናይ ሚላኖ ከተማ ደጋዊ ከባብን ክበጽሑን ኣብ ካቴድራል ሚላኖ ምስ ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ክራኸቡን ስልጣናዊ ምዕዳን ክልግሱን ቀጺሎም እውን ኣብ ጐዳና ቪቶረ ናብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ እሱራትን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ቤት ምኽሪ ምሕደራን ወለተይናታትን ክራኸቡን ምስቶም እሱራትን ናይ ምሳሕ መኣዲ ክቋደሱ እዮም ከምዝበሉ ቃል ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ብረና ሓቢሮም፥ ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ኣብ ኣደባባይ ሞንዛ በሸሓት ዝቝጸኡ ምእመናን ዘሳትፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣብቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ክሳተፉ ንዝደልዩ ካብ ከተማታት ክፍለ ሃገር ሎምባርዲያን ንዝመጹ መንፈሳዊ ነጋዶ ንምጉዕዓዝ ሰለስተ ሺሕን ሓሙሽተ ሚእንትን ናይ መጓዓዚያ ኣውቶቡሳትን 400 ፍሉይ መደብ መጓዓዝያ ባቡር እውን ክሰናደው እዩ ከምዝበሉ ብረና የመልክቱ።

እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣማንያንን ኢኣማንያንን ንኽራኸቡ ዘተባብዕ ዓቢይ ኣጋጣሚ ምዃኑ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ ገሊጾም ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ሳን ሲሮ እተሰምየ ዓለም ለኻዊ ናይ ስፖርት ሜዳ ተረኺቦም ሜሮም ንምቕባል ምስ ዝሰናድዉ ዘለዉ ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክራኸቡን ኣብ ሚላኖ ከተማ ዝረአይ ድኽነት ብፍላይ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ድኽነት ክሳብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ ዘብቅዕ ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ ናይ መደብ ልምዓትን ሓገዝን ሕንጸት ሰነድ ንቕድስነቶም ክወሃብ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካብ ብረና ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.