2017-03-02 17:52:00

ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ 01.03.2017


ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ትማሊ በቲ ንዝኽሪ ጾመ ነነዌ ናይ ሓሙዂሽቲ ኣብ ርእስኻ ብምንስናስ ዝዝክርዎ ሮቡዕ ናይ ሓሙዅሽቲ ጀሚሩ! ቅዱስነቶም ኣብቲ ሶሙን ሶሙን ዘቅርብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ዘመነ ጾም ናይ ንስሓን ተጋድሎን ግዜ እኳ እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ናብቲ ንወዲ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣት ነጻ ዘውጽኤ ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ፋሲካ ዘሰንየና ጉዕዞ እውን እዩ’ ክብሉ ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ንምእመናን ‘መንግስተ ሰማይ ብዓረብያ ደፊኦም ዘእትውኻ ኣይኮነን’ ንዝብል ብምድጋም ከኣ ነዚ ተስፋዚ ስራሕናውን ከምዘድልዮ ገሊጾም፣

ቅዱስነቶም ከም መሰረት ናይ ትምህርቶም ገሮም ዝወሰድዎ ቃል ኣምላኽ ካብ ኦሪት ዘጸኣት ዝተወስደ ኮይኑ ‘እግዚኣብሄር ድማ፡ ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ ኣሎኹ። ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ቦታ ኸነኣናውያንን ሄታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከድይቦም እየ። ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣውያት ደቂ እስራኤል ናባይ መጸ፡ እቲ ግብጻውያን ዘጥቅዕዎም ጥቕዓት ርኤኹ። እምበኣር ሕጂ ንዓ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ፡ በለ።’(3.7-10) ዝብል ነበረ፣   

 

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ሎሚ ብሮቡዕ ናይ ሓሙዅሽቲ ናብ ዘመነ ጾም እንብሎ ግዜ ስርዓተ ኣምልኾ ንኣቱ ኣሎና፣ ኣብ እንገብሮ ዘሎና ትምህርቲ ክርስቶስ ከኣ ብዛዕባ ተስፋ ክርስትያን ነስተንትን ስለዘሎና ሎሚ ንዘመነ ጾም ከም ጉዕዞ ተስፋ ከቅርበልኩም እፈቱ፣

ከም ሓቁ ከኣ ቤተ ክርስትያን ነዚ ኣመለኻኽታዚ ዘማዕበለቶ ንዘመነ ጾም ብመንጽር ምስንዳው ንፋሲካ ብምቅራብን ኩሉ ትርጉም ናይዘን ኣርባዓ መዓልታት ጾም ከኣ ብብርሃን ምስጢረ ፋሲካ ተመሪሑ ንትንሳኤ ገጹ ይጐዓዝ፣ ብሕልናና እቲ ካብ ሙታን ዝተንሰኤ ክርስቶስ ካብቲ ዘሎና ጸልማት ንክንወጽእ ክጽወዓናን ንሕና ከኣ ናብቲ ብርሃኑ ገጽና ከምንጐዓዝ ጌርና ክንስእል ንኽእል፣ ስለዚኸስ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ናብቲ ዝተንሰኤ ኢየሱስ ገጽካ ምጉዓዝ እዩ፣ ናይ ንስሓን ተጋድሎን ግዜ እኳ እንተኾነ እዚ ንባዕሉ ዕላማ ዘይኮነስ ናብቲ ቀንዲ ዕላማና ዝኾነ ምስ ክርስቶስ ምትንሳእን ናይ ጥምቀትና መንነት ንምሕዳስን ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ መጋበሪ እዩ፣ በዚ ከኣ ከምቲ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝብሎ ‘ካብ ላዕሊ ካብ መንፈስ ካብ ፍቅሪ ኣምላኽ ዳግም ንውለድ’ (ዮሐ 3.3 ተመልከት) በዚ ከኣ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ብባህርዩ ዘመነ ተስፋ እዩ ክንብሎ ንኽእል፣

ትርጉም ናይዚ እንታይ ምዃኑ ብዝበለጸ ንምርዳእ ነቲ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ እስራኤላውያንን ካብ ግብጺ ብኸመይ ከምዝወጹን ምርኣይ የድሊ፣ እቲ ዘጸኣት ዝብል ስምውን ነዚ ምውጻእዚ የመልክት፣ መበገሲኦ ናይዚ ጉዕዞ ግብጺ ኮይኑ ባርነትን ጭቆናን ብሓይሊ ምስራሕን እዩ፣ ኮይኑ ጐይታ ንሕዝቡን ኪድናኡን ኣይረሰዔን፣ ንሙሴ ይጽውዕ ከኣሊ ብዝኾነ ቅልጽሙ ከኣ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ የውጽኦም ናብታ ነጻ መሬት ከኣ ብምድረበዳ ይመርሖም፣ ኣብዚ ካብ ባርነት ናብ ንጽነት ዝግበር ጒዕዞ እግዚኣብሔር ንሕዝበ እስራኤል ንሱ እንኮ ኣምላኽ ምዃኑ ክፈልጡን ንኣኡ ንበይኑ ንምፍቅርን ነሕዋቶም ከም ገዛእ ርእሶም ምፍቃር ክመሃሩን ሕጉ ይህቦም፣ ቅዱስ መጽሓፍ ጸኣት ሕዝቢ እስራኤል ነዊሕን ኣድካምን ከምዝነበረ ይገልጽ፣ ዕድመ ናይ ሓደ ወለዶ ዝኸውን ኣርባዓ ዓመት ይወስደሎም፣ ምሉእ ወለዶ ኣብዚ ጽጉም ጉዕዞ ምስ ተጸመደ እቲ ፈተነ ክሳብ ናብቲ ባርነት ንግብጺ ምምላስ  ዝብህጉ ገበሮም፣ እዚ ፈተነ እዚ ንኩልና ዘጋጥም እዩ ሓደ ነገር ምስ ጀመርካ ወትሩ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ፈተና ይጓነፈና እዩ፣ ጐይታ ግን ወትሩ ኣብ ቃሉ እሙን ኮይኑ ይነብር፣ ስለዝኾነ ከኣ ሕዝበ እስራኤል ድሕሪ ብዙሕ ጸገም ብሙሴ ተመሪሑ ናብ ምድሪ ተስፋ ይበጽሕ፣ እዚ ኩሉ ጒዕዞ ብተስፋ እዩ ተፈጺሙ፣ እዚ ናብ ምድሪ ተስፋ ንምብጻሕ ብምትስፋው ዝገበርዎ ጉዕዞ እዩኸስ ካብ ባርነት ናብ ነጻነት ሓራ ናይ ምውጻእ ጉዕዞ ጸኣት ዝበሃል፣ ንዓና እውን ሎሚ እዘን ኣርባዓ መዓልታት ዘመነ ጾመኣርባዓ ካብ ባርነት ሓጢኣት ነቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሰኤ ክርስቶስ ንምርካብ ናብ ሓርነት እንወጸሉ ግዜ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ስጒሚ ጻዕሪ ድኻም ምውዳቅን ምትንሳእን ኩሉ ኣብ መደብ ድሕነት ኣማላኽ ይጥርነፍ እዚ ከኣ ንሕዝቡ ሞት ዘይኮነ ሕይወት ስቃይ ዘይኮነ ደስታ ንምሃብ ስለዝደለየ እዩ፣

ፋሲካ ክርስቶስ ከስ ነቲ በምሳል ዝቀረበና ጸኣት ናይ ኦሪት ክውን ዝገበረን ናብታ ዘለዓለማዊትን ብጽዕትን ዝኾነ ምልኣት ዘለዋ ሕይወት መንገዲ ከፊቱልና ናብኣ ኣብጺሑና፣ ነዛ ጐዳናዚኣ ንክኸፍተልና ኢየሱስ ካብ ክብሩ ክቅንጠጥን ትሕትና ክለብስን ክሳብ ሞት እኳ ደኣ ሞት ኣብ መስቀል ንክእዘዝ ገደዶ፣ ነዛ ጐዳናዚኣ ምኽፋት ንኩሉ ደሙ ጸንቂቁ ከምዝኸፍል ገርዎ፣ ምስጋና ንኣኡ ይኹን ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡና፣ እዚ ማለት ግን ንሱ ኩሉ ገሩ እዩ እሞ ንሕና ወላ ሓንቲ ዝግበር የብልናን ማለት ኣይኮነን ማለት ንሱ ብመስቀል ሓሊፉ ክበቅዕ ንሕና ብዓረቢያ ደፊኦም ኮሪዕና ንመንግስተሰማይ ክንኣቱ ኣይኮነን፣ ርግጽ እዩ ድሕነትና ናቱ ውህበትን ጸጋን እዩ ኮይኑ ታሪኽ ፍቅሪ ስለዝኾነት ከምቲ ወላዲትና እኖና እግዚኣእትነ ማርያምን ኣብ ኣሰራ ከኣ ብዙሓት ቅዱሳንን ዘርኣዩና ንሕናውን ነዛ ፍቅሪ ናቱ ኣሜን ኢልና ክንቅበላ ኣብ ፍቅሩ ሱታፌ ናትና የድሊ፣

ዘመነ ጾመኣርባዓከስ በዚ መንገዲ እዚ እዩ ዝግበር ማለት ኢየሱስ ናብዚ ሓርነትን ሕይወትን ዝግበር ጉዕዞ ይመርሓና ሳላ ጸጋኡ ከኣ ንሕና ደድሕሪኡ ነቲ ምድረበዳ ንሰግሮ፣ ንሱ ስለና ተፈተና ነቲ ፈታኒ ከኣ ኣሸነፈልና ኮይኑ ግን ንሕናውን ምሳኡ ኮአና ነቲ ፈተና ክንገጥሞ ንኣኡ ሒዝና ክነሸንፎን ኣሎና፣ ንሱ ነቲ ካብ መንፈሱ ዝምንጩ ማይ ሕይወት ይህበና ካብ ምስጥራትን ብጸሎትን ብስግደት ቅዱስቊባንን ካብዚ ቀዲሕካ ምስታይ ግን ነኣና ይምልከት፣ ንሱ ንጸልማት ዘሸንፍ ብርሃን እዩ ነታ ኣብ መዓልቲ ጥምቀትና ዝተቀብልና ቊልዒ ብርሃን እምነት ካብዚ ብርሃኑ ክንቅልባ ከኣ ግደና እዩ፣

 ከምቲ መጽሓፈ ቅዳሴና ዝመልክቶ ከኣ ዘመነ ጾመኣርባዓ ‘ምልክት ናይ ምልዋጥና&ምሕዳስና’ እዩ፣ ጉዕዞ ጾመ ኣርባዓ ዝገብር ክሉ ጊዜ ኣብ ጉዕዞ ለውጥ ተሓድሶ ኣሎ፣ ስለዚኸስ ጾመኣርባዓ ወትሩ ንክንሕደስ ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ናይ እንገብሮ ጉዕዞ ምስጢራዊ ምልክት እዩ፣ ፍቅሪ ሓላፍነት ስለዝሓትት ሓላፍነት ዝሓትት ጉዕዞ እዩ ኮይኑ ግን ተስፋ ዝመልኦ ጉዕዞ እዩ፣ ጸኣት ዞመኣርባዓ ተስፋ ዝቆመሉ ጉዕዞ እዩ ክብል እኽእል፣ ንምድረበዳ ክተቋርጽ ዝግበር ጉዕዞ ብዙሕ ድኻምን ፈተናን እኳ እንተለዎ እዚ ኩሉ ነታ ተስፋ ሓያልን ጽንዕትን  ንምግባር ማለት ከምቲ እኖና እግዚኣእትነት ማርያም ኣብቲ ጸልማት ናይ ሕማማትን ሞትን ናይ እንኮ ወዳ ኣብ ትንሳኤን ዓወት ናይ ፍቅርን ኣሚና ተስፋ ብምግባር ዝተጓዕዘቶ ዓይነት ጉዕዞ እዩ’ እንክብሉ ትምህርርርቶም ዛዘሙ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.