2017-03-04 17:01:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ዓውደ ጉባኤ መንፈሳውነት ናይ ሓዋርያዊ ምዕዳን “ናይ ወንጌል ሓሴት”


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፊረንዘ ሰበኻ ኣብ ሰለስተ ተኸታታሊ መደብ ዝካየድ ዘዳለዎ እቲ ቀዳማይ ዕለት 2 መጋቢትን እቲ ካልኣይ ዕለት 29 መጋቢትን እቲ ሳልሳይ ዕለት 12 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ዝካይድ ዛዕባ መንፈሳውነት ሓዋርያዊ ምዕዳን “ናይ ወንጌል ሓሴት” ዘስተንትን ዓውደ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኣብቲ ናይ ዕለት 2 መጋቢት 2017 ዓ.ም. መደብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብምስታፍ ብዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምእተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣሊና ቱፋኒ ክሕብራ እንከለዋ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ካብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ወጻኢ ካብ ዝተፈላለዩ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ዝሃብዎ መልሲ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ንንባብ ከምዘብቅዖ እውን ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፁዕነቶም ይብሉ፥

ቤተ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ዝቀላቐሉ ብዙሕ ዘካትዑን ዘለዉ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ዝምልከቱ ሕቶታት ንወንጌል እምንቲ ብምዃን ኣብ ገለ ገለ ኣዋን ኣይፋል  ወይ ከኣ ኖእ መበሊኣ ሕራይ ክበሃሉ ዝግብኦም ዓበይቲ ክብርታት ስለ ዘለዉ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኵሉ ንኹሉ ብምኽባር ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጽን ምባልን ተጸሚዳ እተገልግል እያ። እዚ ማለት ግን ኩሉ ምርጫታት እትቕበሎን እትሰማምዓሉን እያ ማለት ኣይኰነን፡ ኩሉ ዘይትሰማምዓሉን ቅቡል ዘይትብሎን እያ ዝብል ዝንዛሕ ሓሳብ ኣሉታዊ ኣይኰነን እንታይ ደኣ እቲ ኣይፋል እትብሎ ነገር ንልዑል ፍጻሜ ሕይወትን ሓጐስን ኣሚታ ብምዃና እዩ። ምኽንያቱ ድማ እተበስሮ ወንጌል ስለ ዘለዋን ወንጌል ከኣ ወትሩ ሓድሽ ብስራት ስለ ዘለዎ እዩ።

ድምጺ ቤተ ክርስቲያን ዋላ’ኳ ንዓለማዊ ርእየት ዘይምችእን ዘይተጎሳስን እውን እንተዀነ፡ ቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይትህልው ኔራ እንተትኸውን ማበረሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዋናውን ተሓላላኽን ሕብረተሰብ ንኽብድሆም ዘይቅርቡነት ዘርእየሎም ዓበይቲ ሕቶታት ንገዛእ ርእሳ ብምቕራብ ፍልይ ዝበለ መልሲ ተቕርብ እተዘይትኸውን ሕብረተሰብ ምባደመ ነይሩ። ስለዚህ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣረኣእያ ድዩ እተህቦም መልስታት ምዕባለ ዝቃወም ቅድመ ፍርዳዊ ዝኾነ ክውለትን ጻልማይን ዘይኰነስ በንጻሩ ብወንጌል ዓለም ንምርዳእን ንምትንታንን ወንጌላዊ መልሲ ንምሃብን እዩ ጻዕራ። ወንጌላዊ ራእይ ክበሃል እንከሎ ዕጽው ምዃንን ወይ ከኣ ኵሉ ምቕባልን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ እዋንውያን ሕቶታት ዛዕባ መርዓ ድዩ ካልኦት ብዛዕባ ሕይወትን ስድራ ቤትን ሕቶታት ናይ ገዛእ ርእሳ መልስታት ኣለዋ። ስለዚህ ነዚ እተቕርቦ መልሲ ዝበረኸን ብቑዕን ድልውን ህኑጽ ውሉደ ክህነት ክህልዋ ናይ ግድን እዩ።

ብዙሓት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በይኖም እዮም ዝበሃል ኣዘራርባ የስምዑ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ እንይታይ ትብሉ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ እቲ ዓቢይ ዘደንቕ ጠባይ ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ርግኣት መንፈስ እዩ። ንኣብነት እተን ኣብ ቀረባ ኣዋን ናይቲ ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት ኣባል ዝነበራ ማሪየ ኮሊንስ ብፍቓደን ካብ ናይ ኣባልነት ሓላፍነትን ከምዝለቐቓን ኣብ መዳይ ሕንጸት ድማ ምስቲ ድርገት ብምትሕብባር ከገልግላ ድላይ ከምዘለዎን ዝገለጻን ኰይኑ እቲ ንሰን ካብ ኣባልነት ስልጣነን ክለቃ ዝደረኸን ምኽንያት ቢለን ዘቕረብኦ ነጥቢ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ እቲ ንሰን ዝወሰድኦ ስጉምቲ ንሓደ ኦም እቲ ዝተሰከሞ ፍረ ንኽህብ ምንውናው ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዘጋጥሞ ጸገም ብዝተፈላለየ መልክዕ መልሲ ይህበሉ እዩ። እቲ ዝህቦ መልሲ ድማ ዘተባብዕ እዩ፡ ናይቲ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኦማለይን ናይቲ ድርገት ኣባላት ኣገልግሎቶም ብሓቂ ዓቢይ እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዓመጽ ዝፈጸሙ ድዩ ፈጺሞም ናይ ዝበሃሉ ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ጉዳይ ዝምልከት ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር እዩ እቲ ናይ ሕጻናት ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ግና ናይ ሕጻናት ልዑል ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ክሕሎን ሕጻናት ምክልኻልን ዝብሉ ክብርታት ብምንቕቓሕ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ከይወርድ ዘብቕዕ ባይታ ክፍጠር ዝመርሕ እዩ ከምዝበሉ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ዕለት 3 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ሕትመቱ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.