2017-03-07 16:58:00

ቅዱስ መጽሓፍ ከም ናይ ኢድ ተሌፎን ካባኻ ዘይምፍላይን ምውካስን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 5 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣስተህሮ ወትሩ ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ካባና ዘይንፈልዮን እንውከሶን ሒዝናዮ እንጓዓዝ ናይ ኢድ ተሌፎን ልክዕ ከምኡ ምሳና ሒዝናዮ ክንጓዓዝን ክንውከሶ ይግብኣና እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መራኸቢ ቡዙሃን ዝተፈላለየ ርእይቶ ከምእተወሃበሉን ገና እውን ይወሃበሉ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ።  ብዛዕባ እዚ ሓሳብ’ዚ ኣመልኪቶም ኣብ ሚላኖ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ናይ ባህልታትን መራኸቢ ቡዝሃንን ተራኽቦነትን ስነ ማሕበራዊ መዳይ መምህር ናይ ስነ ማሕበራውን ስነ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሊቅ ኪያራ ጃካርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተምህሮኦምን ስብከታቶም ስልጣንዊ ትምህርቶም ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ተራኽቦነት ኣብ ስነ መራኸቢ ብዙሃን ዝምልከት እቲ ምራኽብ እንታይን ከመይን ክኸውን ከምዝግብኦ ፍልዩን ዓሚይቕን ትምህርቲ ከምዘቕርቡ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።

ጀርመናዊ ደራሲ ጆሃን ዎልፍጋግ ቮን ገይተ (1749 – 1832) እቲ እነፍቅሮ ዘበለ ኩሉ ቅርጺ የትሕዘና ይቓንየናን ይብል። እዚ እንበብረሉ ዘሎና እዋን እደ ጥበብ ንዘቕርቦ ምዕባለ ዘፍቅር እዩ። ስለዚህ እቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እንጥቀመሉ ውጽዒት ምዕባለ ቅርጺ የተሕዘናን ይቓንየናን ኣሎ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኢድ ቴሌፎን ከም ኣብነት ክጥቀምሉ ምርአይ እነቕርቦ ትምህርቲ ድዩ እነመሓላልፎ መልእኽቲ ምስ ኣዋናዊ ከይዲ ዝመዓራረይ ምስ ዝኸውን እቲ እዋናዊ ሰብ ክርድኦ ከምዝኽእልን ዘገንዝብ እዩ።

ካናዳዊ ሃርበርት ማርሻል መክሉሃን (1911-1980) ናይ ስነ ማሕበራውን ፍልስፍናን ናይ ስነ ጽሑን ስነ ድርሰትን ህየሳ ሊቅ ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍ ክዛረብ፥ ብኹሉ ተበጻሒ ክኸውንን ብውልቂ እውን ተነባቢ ኰይኑ ብዝተፈላለዩ ናይ እደ ጥበብ ምዕባለታት ተሰንዮ ኩሉ ሒዝዎ ዝጓዓዝ ከይኑ ኣሎ። ብፍላይ ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቁ መጋበርያታት ከም ካልኦት መጻሕፍቲ ብዘይ ከበድ ሒዝካዮ እትጓዓዝ ከይኑ ኣዩ ይብል። ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ሓሳብ ድማ ነዞም ከም ኣብነት ዝተገልጹ ሓሳባት ዘጠቓለል ጥራሕ ዘይኰነስ ምሉእ ዝገብር ሓሳብ እዩ። ኩሉ ተራኻቢ ኰይኑ እዩ ስለዚህ ድማ ቅዳሴ ከም ማሕበረ ክርስቲያን ዕለተ ሰንበት እንነብሮ ጥራሕ ዘኰይኰነስ ኩሉ ተራኻቢ ብምዃኑ ምስ ቃል እግዚኣብሔር ድዩ በቢ ዕለቱ ምስ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክትራኸብ ዘኽእል መጋበርያታት ምህላዉን ነዞም መጋበርያታት እዚኣቶም ብምጥቃም ተራካብነትካ ንምንባር ዘተሓሳብ እዩ። እምነትን ሃይማኖትን ብተራኻብነ ምንባር። ብዝተፈላለዩ ናይ ዕደ ጥበብ ምዕባለ መሳኹቲ ኣቢልካ ምስ እምነትን ሃይማኖትን ምርኻብ ሎሚ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ተኻኣሊ ኰይኑ እዩ።

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት መበል 47 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መራኸቢ ብዙሃን ከም መሳኹቲ መሲሎም፥ በቶም መሳኹቲ ኣቢልና ጭቡጥን ህልው ኩነታትን ናጻ ኰይና ብሓድሽ ርእየት ክንምልከትን ከነስተውዕልን ዝሕግዙና እያቶም ይብሉ፤ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ሓሳብ እውን ነዚ ሓሳብ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ንህልው ኩነታት ዕደ ጥበባዊ ምዓበለ ግምት ብዝህብ ቋንቋ የቕርብዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣውን ምሳና ሒዝናዮ ምስ እንጓዓዝን ምስ እንውከሶን ነቲ ጭቡጥ እዋናዊ ኩነትና ከነንብብን ክንትንትንን የድግፈና። ካብቶም ዝተፈላለዩ ጭቡጥ ኩነታት ብዝተፈላለየ መንፈስ ርእየት ዓለም ተደሪኺም ዝትንትኑ ካብ ምስዓብ ናጻ ኰይና ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝተደገፈ ምስትውዓል ክህልወና ይገብር።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መቐመጢ መጻሕፍቲ እትሓድጎ ዘይኰነስ ምሳኻ ሒዝካዮ ክትዓዝ ሎሚ ክኡል ኰይኑ እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቀምቲ ኩኑ እዮም ዝብሉ ዘለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጦን ክትጽልዮን ከተካፍሎን ወትሩ ምስ ቅዱስ መጽሓፍ ዝራኸብ ሕይወት ንምንባር ዘተባብዕን ዝዕድምን ሓሳብ እዮም ዘቕረቡ እንክብሉ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.