2017-03-09 16:35:00

ባንግላደሽ፥ ብፁዓን ጳጳሳት መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ዝፈቅድ ሕጊ ተቓዊሞም


ኣብ ባንግላደሽ ኣብ ቀረባ ኣዋን መንግስቲ ዘጽደቖ እቲ ኣብታ ሃገር ብሰፊሕ ዝረአይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ደቀንስትዮ ዘለዎ ስነ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ምስ እዚ ተተሓሒዞም ዝኸዱ ሰብኣዊ ጸቕጥታት ሸለል ብምባል መርዓ ሕጻናት ደቀንስትዮ ኣብ ፍሉይ ኩነት ፍቑድ ዝብል ሕጊ ምጻዳቑ ነቲ ጸቕጢ ዘግድዶን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ዘተባብዕ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላም ድርገት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘስመረሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 8 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣመልኪቱ።

ናይቲ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ራጅሻሒ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጀርቫዝ ሮዛሪዮ መንግስቲ ዘጽደቖ ኣብ ፍሉይ ኩነት ፍቑድ ዝብል መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ንኣብነት ብድንገትን ወይ ዘይሕጋዊ ጽንሲ ስለ ዝሓዘት ናይታ ጓለንስተይቲ ክብሪ ንምድሓን ብዝብል ምኽንያት ክትምርዓው ፍቑድ ዝብል ሕጊ ጠቒሶም እዚ ሕጊ’ዚ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻን ጓለንስተይቲ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ ቢሎም ናይታ ሃገር ሕጊ ከም ዝሕብሮ መርዓ ወዲተባዕትዮ ካብ 21 ዓመት ንላዕሊ ጓለንስተይቲ ድማ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ፍቑድ ዝብል ክነሱ ብዙሕ እዋን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መርዓ መንግስቲ ኰነ ዝምልከቶ ኣካል እናረኣየ ከምዘይረአይ ምዃኑ እዩ ዝመርጽ። እዚ ዓይነት መርዓ’ዚ ኣብ ባንግላደሽ ዝውትሩን ብሰፊሕ ዝረአይ ጉዳይ ክከውን እንከሎ ክይፍጸም ብዙሓት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሟጐትትን ሓይሊ ጸጥታን እቲ ናይታ ሃገር ናይ መረዓ ሕጊ ክኽበር ብዙሕ ዝጽዕሩ እውን እንተዀነ እቲ ሓድሽ ዝጸደቐ ሕጊ ግና ብወገኑ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻን ጓለንስተይቲ ዝተባብዕ እዩ ዝመስል። ስለ ዝጸነስት ክትምርዓው ትኽእል ዝብል ሕጊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ንዓመጽ ዘቃልዕ እዩ ከምዝበሉ  ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ብዛዕባ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀንስትዮ ዝምልከት ናይ ባንግላድሽ ወግዓዊ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ካብ መላእ ሃገራት እስያ ባንግላደሽ ብቐዳምነት እትጥቀስ ምዃና ክፍለጥ እንከሎ ካብ ጠቕላላ ዝምርዓዋ ደቀንስትዮ እተን 18 ሚእታዊ ዝሽፍና ደቂ ዓሰርተ ሾሞንተ ዓመት ዕድመ ክዀና እንከለዋ እተን 18 ሚእታዊ ዝሽፍና ድማ ትሕቲ 15 ዓመት ዕድመ ከምዝዀና ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ናይ ባንግላደሽ ማሕበር ደቀንስትዮ ኣደ መንበር ኣየሻ ክሃኖም እቲ መንግስቲ ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከይህሉ ዝድርክ ዘይኰነስ ኣዚዩ ክሰፍህን ክፍጸምን ዘተባብዕ እዩ ከምዝበላ ኣመልኪቱ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.