2017-03-09 18:07:00

አስተንትኖ ዘመነ ጾመአርባዓ በባ ንጉሰ ፍስሓ 2017


ጾም ካብ ዝብላዕ ወይ ዝስተ ብምሉእ ወይ ብፍርቂ አብ አምላኽ ክትምለስ ኢልካ ንርእስኻ ምግታእ እዩ። እዚ ኸአ ንንስሓ ወይ ናይ ጣዕሳ ምልክት ክኸውን ንማለት እዩ። ሰብ ድሕሪ ውድቀት ንርእሱ ክመልኽ ጻዕሪ አድልይዎ፥ ዝንባሌ ክፍአት ኩሉ ጊዜ የጥቅዖ በዚ ምኽንያት ንርእሱ አብ መገዲ አምላኽ ክመልስ ክቆጻጸር ክቐጽዕን ክዓግትን አድልይዎ። ካብ መግቢ፥ ዝስተ፥ ዝተፈላለዩ ምቾት ወይ ጣዕሚ ካብ ዝፈጥሩልና ምግታእ፥ ካብ ህርፋን ሃብቲ ንርእስኻ አብ ንብረትን ዓለማውን ነገራት ግዙእ ካብ ምዃን ክሕግዘካ ንሃብትን ንብረትን ከም መጋበሪ ድሕነት እምበር ከም መወዳእታ ዓላማ ሕይወት ገርካ ካብ ምርአይ ምቍራጽ።

አብ ተፈጥሮ እንተ ረአና ሰብ ብነፍስን ብሥጋን ዝቖመ እዩ። ምስ አምላኽ ክነብር እምበር ካብኡ ክንፍለ አይተፈጠርናን ስለዚ አምላኽ ዕለት ዕለት ካብ ፍጡራትን ንአይ ይጥዓመንን ወጺእና አብኡ ክንምለስ ይደልየና። አብ ወንጌል ማርቆስ ከም እንረኽቦ መጀመርያ መኽፈቲ ስብከት ኢየሱስ ተነስሑ አብ አምላኽ ተመለሱ እመኑ ዝብል እዩ። እምነት ብግብሪ ክትግለጽ አልአ፥ ምኽንያቱ ሰብ ብነፍስን ብሥጋን ዝቖመ እዩ ስለዚ ብግዙፍ ብግዳማዊ ነገር ክግለጽ ይግባእ። ነፍስን ሥጋን አብ ነነድሕደን ይተሓጋገዛ እዚ ማለት ኸአ እምነትን ፍቕርን አብ ዝርአ ግብሪ ይመርሑና፥ ግዙፋዊ ግብሪ እምነትን ፍቕርን ከም እነዕቢ ይገብሩና።

አብ ቅዱስ መጽሓፍን አብ ባህሊ ቤተ ክርስትያንን ጾምን ካብ ዝኾነ ንነፍስና ምግታእ ወይ ምዕቃብ ጥቅሚ ዘለዎ ኮይኑ አብ ንስሓ ከም ዝመርሓና ይንገር። ብርግጽ ካልእ እውን አለዉ ንአብነት መዓልታዊ ተጋድሎን ንስቓይ ብትዕግስቲ ምቕባልን። ጾምን ንርእስኻ ምግታእን ፍሉይ ክብሪ አልኦም ምኽንያቱ ካብ ነብያትን ኢየሱስን ቅዱሳንን አብ ኩሉ ዘመናት እኹል አብነት ስለ ዘሎና።

ጾም አብ ብሉይ ኪዳን፡

ኣብተን ቀዳሞት ገጻት ቅዱስ መጽሓፍ ኣምላኽ ሰብ ክጸውም ከም ዝኣዘዘ ነንብብ “ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካሉ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ (ዘፍጥ 2፡16~17) ተባሂሉ። ካብዚ ጀሚሩ አምላኽ አብ ዝተፈላለየ እዋን ካብኡ ምእንቲ ከይፍለ ንሰብ ዝሕግዘሉ መገዲ ክህቦ እንከሎ እዚ አይትግበሩ እናበለ ካብቲ ክፉእ ክኽልከሉ ይነግሮም ነሩ። ንድለቶምን ስምዒቶምን ጥራሕ ፍን ከይብሉ በብእዋኑ ይነግሮም ነሩ።

ከም ሕጊ ሙሴ አብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ እያ ክትጽወም ዝእዝዝ ንሳ ኸአ ዓሥራይ  መዓልቲ ናይ ሳብዓይ ወርኂ፥ ኩሉኹም ጹሙ መዓልቲ ኅድገት ኃጢአት እያ. . . . ቅዱስ አኼባ ግበሩ ጹሙ ገለ ዕዮ ኸአ አይትግበሩ (ዘሌዋ 16፡29፥ 23፡27,32፥ ዘኁል 29፡7) ይብል። ብሓፈሻ አብ ብሉይ ኪዳን ዓበይቲ ጥፍአታት ወይ ዕንወታት ክወርድ እንከሎ ጾም ክእወጅ ዝነግር ንረክብ (ዘመሳፍ 20፡26፥ 1ሳሙ 7፡6፥ 14፡24፥ 2ሳሙ 12፡16፥ 1ዘነገ 21፡12 ዕዝ 8፡21 ኢዮኤል 1፡14፥ 2፡15)። አምላኽ ገጹ ክመልስ ምሕረት ክወርድ ምስ ተደልየ ናይ ጣዕሳ ምልክት ጾም ይእወጅ ነሩ፥ እዚ ኸአ ካብ ምግቢ ብምሕራም፥ ሓሙኽስቲ ብምንንስናንስ፥ አብ ምድሪ ብምድቃስ. . . . ። ነብያት ጾም አብ ቅድሚ አምላኽ ቅቡል ዝኾነሉ ደጋጊሞም ሰቢኾም። ጾም እምብአር ዝርአን ናይ ብሓቂ ንስሓን ዘልኦ ክኸውን ይግብኦ (ኢሳ 58፡1-6፥ ኤር 14፡12፥ ዘካር 7፡5)። አብ ኢሳ 58፡6-7 እቲ አነ ዝፈትዎ ጾምሲ እዚ ዝስዕብ እዩ ንማእሰር እከይ ምፍታሕ ነርዑት ባርነት ምዝላቕ ንጥዑዓት ምውፃእ ሓራ አርዑት ባርነት ዘበሉ ኹሉ ምስባር፥ እንጌራኹም ንጥሙይ ምምቃል ዕሩቕ እንተ ረአኹም ምኽዳን ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምህባእ እዩ፥ እናበለ ሓቀኛ ትርጉም ጾም ይነግር።

አብ ዳሕረዎት ዘመናት ብሉይ ኪዳን ብዙሕ ጾም ይዝውተር ከም ዝነበረ ንርኢ። አብ መጽሓፍ ነህምያ 1፡4 ነህምያ ዕንወት ኢየሩሳሌም ምስ ሰምዐ ሓያሎ መዓልቲ ኃዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ፥ አብ ቅድሚ አምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ ዝብል ነንብብ አምላኽ ነቲ ዕንወት ክቕንጥጠሎም ንኢየሩሳሌም ከድሕና ጾም ከም ቀንዲ መጋበሪ ገሩ ይጽሊ። አብ መጽሓፍ አስተር 4፡3 ካብ አርጤክስስ ንጉሥ ኩሎም አይሁድ ክቕተሉ ትእዛዝ ምስ ወጸ አብ አይሁድ ብርቱዕ ኃዘንን ጾምን ብኽያትን ዋይዋይታን ኮነ፥ ብዙኃት ወጮ ተኸዲኖምን ሓሙኹሽቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ ዝብል ነንብብ እዚ ኸአ አምላኽ ብምሕረቱ ክረድኦም ካብቲ አብ ቅድሚኦም አንጠልጢሉ ዘሎ ክድሕኖም ንአምላኽ ብጾምን ብጾሎትን ለሚኖሞ። አብ መጽሓፍ ዳንኤል 9፡3 ማቕ ተኸዲነን አብ ሓሙኹሽቲ ደቂሰን እናጾምኩ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አምላኸይ እልምንን እምህለልን ነበርኩ ይብል። ነቲ ዝወርድ ምዓት ህዝቡ ክቕንጥጥ እቲ ዝበለጸ አብ ቅድሚ አምላኽ ምሕረት ዘምጽእ ጾም ከም ዝኾነ ይገልጽ። እግዚአብሔር ነቶም አብኡ ክምለሱ ዝደልዩ መገዲ ክሕብሮም እንከሎ እምብአርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደአ ቕደዱ ይብል (ኢዩኤል 2፡12)።                                                                            

ጾም አብ ሓዲስ ኪዳን፡

አብ ሓዲስ ኪዳን ሃና ነቢት ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንአምላኽ ተገልግል ከም ዝነበረት ሉቃስ ወንጌላዊ አብ 2፡37 ይነግረና። ፈሪሳውያን ከምኡ ዮሓንስ መጥመቕ ይጾሙ ከም ዝነበሩ ንርኢ (ማቴ 9፡14፥ ማር 2፡18፥ ሉቃ 5፡33፥ 18፡12)። ኢየሱስ ቅድሚ ስብከቱ ምጅማር ከምቲ ሙሴ ቅድሚ ትእዛዛት አምላኽ ዝገበሮ (ዘፅ 34፡28) ብጾም አብ በረኻ ጀሚርዎ (ማቴ 4፡2)። ከም ኩሎም ነብያት ከም ፈሪሳውያን ዘይኮነ ናይ ብሓቂ ጾም ክጾሙ ነጊሩ (ማቴ 6፡16)። ሓዋርያት ኢየሱስ አብዚ ዓለም ምስኦም እንከሎ አይጾሙን ነዚ ምስ ሓተትዎ መርዓዊ ምስኦም እንከሎ ዓዕሩኽ አይጾሙን እዮም ካብኦም ምስ ተወስደ ግን ክጾም እዮም ኢልዎም (ማቴ 9፡14፥ ማር 2፡18፥ ሉቃ 5፡33)። ኢየሱስ ከመይ ዝበለ ጾም ክንጸውም ከም ዘሎና፥ ንአጋንንቲ ክነውጽእን ክንጽሊ ከሎና ክንገብሮ ዘሎና ክነግረና እንከሎ ፡ክትጸውም  ከሎኻ ከም ዝጾምካ ነቲ ብሥዉር ዘሎ አቦኻ ደአ እምበር ንሰብ ምእንቲ ኸይተርኢ ርእስኻ ቅባእ ገጽካውን ተሓጸብ እቲ ብኅቡእ ዚርኢ አቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ (ማቴ 6፡17-18) ይብል።

ጾም አብ ዓበይቲ ናይ እምነት ነገራት ቀንዲ ሓጋዚና ከም ዝኾነ ክገልጽ እንከሎ ሓዋርያት ነቲ ዓባስ ጋኔን ዝሓዞ ምሕዋዩ ምስ ሰአኑ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓይነት ብጸሎትን ብጾምን እንተ ዘይኮይኑ አይወጽእን እዩ  ኢልዎም (ማር 9፡29)። ጾምን ጸሎትን ክልተ ዘይፈላለየ መጋበሪ ካብ ዝኾነ ኃጢአትን ናይ ሰይጣን ነገራትን ነጻ ዝገብራና እየን። ቤተ ክርስትያን አብዚ መሰረት ገራ ጾም ክጽወም ትእዝዘና።

ሓዋርያት ዓበይቲ ውሳኔታት ቅድሚ ምግባሮም ይጾሙ ከም ዝነበሩ አብ ግ.ሓ. 13፡2፥ 14: 22-23 2ቆሮ 6፡5 ሓ/ት/ክ 1434-2043) ንረኽቦ።  አብ አንጾክያ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ብጸሎትን ጾምን ንአምላኽ ትልምን ከም ዝነበረት እሞ ንባርናባስን ሳውልን አብቲ አምላኽ ዝመረጾም ከገልግሉ ብጾምን ጸሎትን ይገብርዎ ከም ዝነበሩ ንርኢ። ቀዳሞት ክርስትያን ካብ አምላኽ መምርሕን ሓገዝን ክደልዩ ከለዉ ይጾሙን ይጽልዩን ከም ዝነበሩ ግ.ሓ. ደጋጊሙ ይነግረና። ንአብነት ንበርናባስን ሳውልን አብ ቀዳማይ ዑደቶም ቅድሚ ምኻዶም ብጾምን ጸሎትን አሰንዮሞም (ግ.ሓ. 13፡3)። ባርናባስን ሳውልን አብ ኩለን ዝዖድወን አብ ነፍስወከፍ ቤተ ክርስትያን መራሕቲ ምስ ሸሙሎም ድማ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ዝአመንዎ ጎይታ አማዕቄብዎም (ግ.ሓ. 14፡23)። አብ ቀዳሞት ክርስትያን ጾም ቀንዲ መንፈሳዊ ኃይሊ ከምዝነበረ አብ ሕይወት እታ ቤተ ክርስትያን ይርአ ነሩ።

ጾም ማዕረ ማዕረ ጸሎት አብ ኩሉ ዘድሊ ነገራት ከዘውትርዎ ንርኢ፥ አብ ብርቱዕ ጸሎት ከለዉ፥ አብ ንስሓ፥ አምልኾን ካብ አምላኽ ሓገዝን መምርሕን ክደልዩ ከለዉ ይጾሙ ነሮም። አብ ኩሉ  ጥቕሚ ጾም ይርአ፥ ልዕሊ ኹሉ ምስ አምላኽ ዘሎ ርክብ ደልዲሉ ይርአ ነሩ።

አብ ክልቲኡ ኪዳናት ክንርእዮ ከሎና እምብአር ዝተፈላለየ ጥቕሚ ጾምን ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ እውን ዓቢ ውጽኢት ከምዝህልዎ ዝገብር ከም ዝኾነ ንርኢ።

ጾም ትሕትና ከም እንለብስ ገሩ አብ አምላኽ ጥራሕ ከም እንአምን ይገብረና። ክንጠሚ ከሎና ኃይልና ክደኽመና እንከሎ ዘዘኻክረና ብባዕልና ሓንቲ ኃይሊ ከም ዘይብልና ድኹማት ከም ዝኾና አብ ጎይታ ክንጽጋዕ ከም ዘሎና የዘኻክረና።
ጾም ዝያዳ አትኩሮ አብ ጸሎት ከም እንገብር ይገብረና። አብ ዝብላዕ ጥራሕ ጊዜ ክነሕልፍ ከምዘይብልና ይሕብረና።
ጾም ቀጻሊ መዘኻኸሪ እዩ፥ ቀጺልና አብ ዕለታዊ ሕይወትና ተጋድሎ ወይ መስዋዕቲ ካብ ምብላዕ ምስታይ ክንገብር እንከሎና ብምሉእ ርእስና ቀጺልና አብኡ ንስውዕ አሎና ማለት እዩ።
ጾም ንርእስና ክንመልኽ ወይ ስሩዓት ከም እንኸውን ይገብረና። ካብ መግቢ ንርእስና ክንዓግት እንከሎና ካብ ኃጢአት ንርእስና ክንዓግት ሓገዝ ይኾነና። ንርእስና ንእሽቶይ ተጋድሎ ጾም ክንገብር እንተ መሃርናዮ ንዝዓበየን ዝበለጸን መስዋዕቲ ክንገብር ይሕግዘና (ዕብ 5፡8፥ 1ጴጥ 4፡1-2)።
ጾም መንፈሳዊ አእምራውን ንቕሓት ሂቡ አብ ህላዌ አምላኽን ጥራሕ ከምእንተኩር ገሩ ንናይ እዚ ዓለም ግዙፍ ነገራት ሸለል ከም እንብል ይገብረና። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ጥራሕ ዝጠቕመና ከም እነተኩር ይገብረና።
ጾም ጸሎታዊ ሕይወትን ቀንድን አድላይ ከምዝኾነ ይገልጸልና። ቀጺልና እንተ ጾምና ክንመውት ኢና። በዚ አምሳል ከአ ንአምላኽ እዚ ዘሎ ኩነታት እንተ ቐጸለ ክቐትለና ስለ ዝኾነ ለውጠልና ኢና እንብሎ። ጾም ከእ መንፈሳዊ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ክትሕት እንከሎ አድላዪ እዩ። እምብአርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደአ ቕደዱ ይብል (ኢዩኤል 2፡12)።

ክርስቶስ አብ ትምህርቱ ክትጾሙ እንከሎኹም (ማቴ 6፡16) ክብለና እንከሎ ጾም ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዝግብአና ከም ዝኾነ ንርዳእ። ቤተ ክርስትያን አብዚ መሰረት ገራ በብእዋኑን አድላይነቱን ክንጸውም ትእዝዘና። አብዚ እዋን ጾም ፵ ክንጸውም ንጅምር አሎና ቀንዲ ዓላምኡ ንብዓለ ትንሳኤ ንምቅርራብ ክሕግዘና ንማለት እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ጾም ዝውቱር ከም ዝነበረ። ብጾምን ጸሎትን ንብዓልትንሳኤ ክንሰናዶ ከም ዝግብኣና ታሪኽ ክርስትናና ይነግረና። ጎ.ኢ.ክ. ኣብ ምድረበዳ ንኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጸይሙ። ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ንኣርብዓ መዓልቲ ጸይሙ። ቤተክርስትያን ጾም ትእውጅ። ቅዱሳን ኩሎም ጾም ከም ዘዘውተሩ ንርኢ። ነዚ መሰረት ገርና ነዚ ዓመት ጾምና ንኣትዎ ኣሎና። ቅዱስ እዋን ምስ ኣምላኽናን ሓውናን ሓፍትናን ክንዕረቕ ዝሕግዘና ግዜ።

 

ጾም ፵

ጎ.ኢ.ክ አብ ገዳም ቆሮንጦስ ን4 መዓልትን ለይትን ዝጾሞ የመልክት። አብ ስርዓትና 55 መዓልቲ ኢና እንጸውም እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ቤተ ክርስትያን ንጥቕምና ኢላ ዝወሰኸቶ እዩ።

ናይ ዓቢይ ጾም እቶም ሠለስተ ክፍልታት

 

1. ሙሴኒ፥ ቀዳማይ ክፋል ሙሴኒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ ከም ምሳሌ ጌሩ ዝወሰዶ ንሙሴ እዩ። ሙሴ ነተን ዓሠርተ ትእዛዛት ኦሪት ካብ እግዚአብሔር ኣብ ደብረ ሲና ቅድሚ ምቕባሉ ከም ዝጾመ፣ንሕናውን ብናቱ ምሳሌ ናይ ጎይታ ኣርብዓ መዓልቲ ንምጻም ከም ናይ ቅዱስ ያሬድ ኣጸዋውዓ “ሙሴኒ” ኢልና ንጸወም። ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን ኣብ (610-641)ስለዝተወሰኾ ደኣ እምበር ናይ ዘወረደ መሠረቱ ሙሴኒ እዩ። እቲ ሰንበት ሙሴኒ እምበር ሕርቃል ዝዝክር ከም ዘይኮነ ናይ እቲ ዕለት ንባባትን ምስባክን ይገልጾ እዩ።

2.  ጾም ኢየሱስ፥ እዚ ጾም ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ 40 መዓልታት ዝሓዘ እዩ። ካብ ካልኣይቲ ሰንበት ቅድስት ጽባሕ ዘላ ሰኑይ ክሳዕ ቅድሚ ሆሳዕና ዘላ ዓርቢ ዝጸንሕ እዩ።

3.    ሰሙነ ሕማማት፥ ካብ ዋዜማ ሆሳዕና ክሳብ ትንሣኤ ዋዜማ ዝጽወም እዩ። ናይ ጎይታ እተን 40 መዓልታት ዓርቢ ምስ ወድኣ ካብ ቀዳም ድሮ ሆሳዕና ክሳብ ቀዳም ስዑር ዘለዋ ሸሞንተ መዓልታት ሰሙነ ሕማማት ዝብል መጸውዒ ዝተዋህበን እየን።

ጎይታ ዝጾመ 40 መዓልታት ክኸውን ከሎ ኣብ መጀመርታ ሸውዓተ መዓልቲ ናይ መዳለዊ ጾም፣ኣብ መወዳእታ ዝርከቡ 8 ናይ ሕማማት መዓልታት ተደሚረን ንዓቢይ ጾም ናብ 55 መዓልታት ልዕል ከም ዝብል ጌርዎ ይርከብ። 

ናይ እቲ ጾም መጀመሪ ዘሎ ሰሙን ጾመ ሕርቃል ዝብል መጸውዒ ዝተዋህባን ናይ ዓቢይ ጾም መወዳእታ ዘላ ሰሙነ ሕማማትን ከም መወሰኽታ ከም ዝኣተዋ ውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪክ ይገልጽ። 

ሕርቃል

ሕርቃል ኣብ መበል 614 ዓ.ም ናይ ቢዛንታይን ንጉሥ ዝነበረ ካቶሊካዊ መራሒ እዩ። 

ንጉሥ ሕርቃል ኣብ መሪሕነት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ናይ ፋርስ ሠራዊት ንኢየሩሳሌም ወሪሮም ነቲ ኣብ ዘመን ንጉሥ ቆስጦንጢኖስ ብሠናይ ድሌትን መንፈሳዊ ቅንኣትን ቅድስት እሌኒ ንዘመናት ካብ ተቐቢሩሉ ዝነበረ ናይ ጓሓፍ ስፍራ ንናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ኣድካሚ ብዝኾነ ኃይሊ ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ዝወሰደ ናይ ኩዕታ ግዜ ተረኺቡ ብዓቢ ክብሪ ኣብቲ ዝተሰቕለሉ ስፍራ ከም ዝኸውን ጌራቶ ስለ ዝነበረት ነዚ ክቡር መስቀል መምለክያነ ጣዖት ዝኾኑ ፋርስ ንክርስትያን ከቖጥዑ ስለዝደለዩ ናብታ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘሚቶም መስቀለ ክርስቶስ ማሪኾም ናብ ዓዶም ከም ዝኸይድ ገበርዎ።

ኣብዚ ዘመን ዝነበሩ ክርስቲያን ብኅብረት ኮይኖም ናብቲ ኣብቲ ዘመን ክርስቲያን ንጉሥ ዝነበረ ሕርቃል ኣውያቶም ከስምዑ ጀመሩ። ናቡኡ መልእክተኛታት ሰዲዶም “ንስኻ ክርስቲያን ኢኻ ኣብ ዘመንካ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ኣብ ኢድ ባዕዳውያን ክወድቕ ጽቡቕ ኣይኮነን። ከም ንጉሥ ቆስጦንጢኖስ ኩነልና፣ ስለዚ ተዋጊእካ ምለሶ በልዎ።” ንጉሥ ሕርቃል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሕግታትን ወሳኔታት ሕዋርያትን ይፈልጥ ስለ ዝነበረ  ከምዚ ኢሉ መለሰሎም “ቅዱሳን ሐዋርያት ሰብ ዝቐተለ ሙሉእ ዕድሚኡ ይጹም። ክብሉ ዝሓገግዎ ስለዝፈራሕኩ ሙሉእ ዕድመይ ዝጾሞ ጾምውን ከይከብደን ስለዝሰጋእኩ እምበር ነዚ ክገብር ሕጉስ እየ” ኢሉ መለሰሎም።

ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ቅዱሳን ክርስትያን ንኣበሃህልኡ ከምዚ ኢሎም መለስሉ “ናይ ሓደ ሰብ ዕድመ ሰብዓ እንተ በዝሐ ድማ ሰማንያ እዩ። ስለዚ ነዚ ንሕና ተማቒልና ክንጾሞ ኢና” በልዎ። ብተወሳኺውን ኣብ ዝኸዶ ኣምላኽ ዓወት ምእንቲ ክህቦ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ክርስትያን ናይ ሰሙን ጾም ክጾሙ ኣወጁ። ድሕሪ ናይ ሰሙን ጾም ንጉሥ ሕርቃል  ናብ ፋርስ ዘሚቱ መስቀል ክርስቶስ ካብ ኢዶም መንዚዑ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝምለስ ገበረ። መዘከርታ ምእንቲ ክኸውን ድማ ነዚ ናይ ሰሙን ጾም ኣብ ቀኖና የእቲዮም ከም ዝጽወም ገበርዎ። 

እዚ ጾም ናይ ዓቢይ ጾም ከም መጀመሪ ኮይኑ ከም ዝጽወም ዝተገብረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

v ዕላሙኡ ንናይ ጎይታ መስቀል ንምምላስ ስለ ዝነበረ ምስ ናይ ጎይታ ጾም ክጽወም ዝተመርጸ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ

v ብኣጋንንቲ ዝተመሰሉ ሠራዊት ፋርስ ብኃይሊ ናይ ሓደ ሰሙን ጾም ተባሪኹ ዝኸደ ንጉሥ ጸላእቱ ዝሰዓረሉ ስለ ዝነበረ። ናይቲ ዓቢይ ናይ ውግእ ጾም ቅድሚ ምእታውና ንርእስና ብጾም ኣዳሊና ንምእታው ተባሂሉ ምስ ጾም ኣርብዓ ከም ዝጽወም ተጌሩ።

v እቲ ዝተጾመሉ ዘመን ምስ ናይ ጎይታ ጾም ዝቀራረብ ስለ ዝነበረ ናብቲ ዝቐረብ እንተ ተሓዊሱ መዘከርቱኡ ክሰማማዕ ይኽእል እዩ ካብ ምባል

v ንዘመናት ተሰዊሩ ዝነበረ መስቀለ ክርስቶስ ዝተረኽበሉ ወርሒ መጋቢት ኣብ ጾመ ኣርብዓ ስለ ዝኾነ፣ሕጂ ውን እንደገና ተማሪኹ ዝተመልሰሉ ምስቲ ጥንተ ታሪኹ እንተ ተጸንበረ ይምረጽ ካብ ምባል ምስ ጾመ ኣርብዓ ከም ዝጽወም ተጌሩ። 

ብዙሓት ሰባት ብግጉይ ዝኾነ መረዳእታ ንንጉሥ እትጽወም ጾም ኢሎም ይትርጉምዋ እዮም። እንተ ኾነ ግን ካብቲ ኣበሃህልኦም ንላዕሊ ምሥጢር ዝሓዘ ከም ዝኾነ ክንገልጸሎም ይፈቱ። ምኽንያቱ ዕላማ ናይቲ ጾም ዓወት ንዝተረኽበሉ ጾም ምጻም ናይ ቤተክርስትያን ልማድ ስለ ዝኾነ፣ ከም ዝኾነ ናይቲ ታሪኽ ትርጉም ክርድእዎ ይግባእ። ርግጽ እዩ ሕርቃል በዓል ውዕለታ ስለ ዝኾነ ንዝኽሮ ኢና ግን ምእንትኡ ኢልና ኣይንጾሞን ኢና። ምእንቲ ንጉሥ ምጻም መንፈሳዊ ግቡእና እኳ እንተ ኾነ ንዘይኮነ ነገር ትርጉሙ ከም ዝስሕት ምግባር ግን ቅኑዕ ኣይኮነን።

 ትርጉም ጾምን ጥቕሙን

ኣብ ግዜ ጾም ኣብ ትምህርቲ ወንጌልን ኣብ ባህልን ስርዓትን ክርስትናና ተሞርኲስና ሰለስተ ነገራት ብፍሉይ እንዝክሮም ኣለዉና ጸሎት፤ምጽዋት፡ ጾም። እዚ ኸኣ ንብዓለ ፋሲካ ብዝያዳ ንምቅርራብ እዩ። ነዚ መሰረት ገርና ትርጉምን ጥቕምን ጾም ክነስተንትን ንኽእል። እዚ ንኹልና ኣመንቲ ዝምልከት እዩ ስለዚ ነፍስወክፍና ነናትና መደብ ጾም ክንገብር ኣሎና። ኣብ ገዛና ኣብ ቁምስናና ኣብ ዓድና ኣብ ሰበኻና ኣብኩሉ ጾም ንኣውጅ ምሕረት ኣምላኽ ክንረክብ። ዓለምና ኣብ በብዓይነቱ ቕልውላው ኣብ ዘላትሉ እዋን ጾምና ፍሉይ ትርጉምን ተስፋን ኣልኦ።

ጽሎት

ንጋሆ ንጋሆ ቅዳሴ ምስማዕ፤ እንተዘይተኻእለ ፍሉይ ጽሎት ምግባር።
ፍሉይ ግዜ አስተንትኖን ሓሳብ ጸሎትን ምምዳብ
ዕለታዊ ንባብ ወይ መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምግባር።
ኣብ ሓበራዊ ነገራት ንመንፈሳውነት ኣብ ዝሕግዙ ነገራት ምስታፍ።

ጾም

ካብ ኩሉ እትፍትዎ ነገራት ብፍላይ መግቢ/ጥልላት ምኽልካል
ካብ ኩሉ ወልፊ ደው ምባል ብኡ ኣቢልካ ምቁራጹን ምሕዳጉን።
ንነፍስኻ ምቕጻዕ ማለት ንሕማቕ ባህርያትካ ክትቕይር ምቅላስ ፤ስምዒትካ መሊኽካ ምኽኣል።
ንኽብሪ አምላኽ ኢልካ ተጋድሎ ምግባር ንአብነት አብ መዓልቲ ሓደ ጊዜ ምብላዕ፥ ተለቭዥን ዘይ ምርአይ፥ ፈይስቡክ ዘይምኽፋት፥ ዘይምሕማይ፥ ንባብ ምብዛሕ፥ ንዝዛረቡኻ ሰሚዕካ ምኽአል. . . . . ።

ምጽዋት

ንጽጉማት ምሕጋዝ፦ ብመንፈሳውን ስጋውን ነገራት ክትሕግዝ ስንድው ምዃን።
ፍቕሪ ብዝያዳ ምትግባር። ምስ ኩሉ ዕርቂ ምግባር።
ሕይወትካ፡ ግዜኻ፡ ሃብትኻ ሓይልኻ ትምህርትኻ ብዝያዳ ንድሕነት ኣገልግሎት ካልኦት ምውዓሉ። ንጥቕሚ ካኦት ኣለሊኻ ምኻል።
ምስ መባእስትኻ ምትዕራቕ፥ ምሕረት ምዝውታር፥ ንዝጸልኡኻ ጸሎት ምግባር።

ኣስተንትኖ ጾም

ጾም ነቲ ጎ.ኢ.ክ ኣብ በረኻ ዘሕለፎ 40 መዓልትን ለይትን የዘኻኽረና። እዚ ኸኣ ቅድሚ ስብከት ምጅማሩ ገርዎ። ኣብ ማቴ 4፡12 ኢየሱስ ብመንፈስ ተመሪሑ ኣብ በረኻ ወጸ ኣብኡ ከኣ ብሰይጣን ተፈተነ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ድሕሪ ጸይሙ ጠመየ ዝብል ነንብብ። ሙሴ ቕድሚ 10 ትእዛዛት ምቅባሉ ጸይሙ።( ዘጽ 34፡28) ኤልያስ ቅድሚ ንእግዚኣብሔር ኣብ እምባ ኮረብ ምርካቡ ጸይሙ (1ዘነገ 19፡8) ኢየሱስ ብጸሎትን ጾምን ንርእሱ ኩሉ ግዜ የሰናዱ ኔሩ።

ኣብ ሕይወትና ካብ ጽቡቕ ብምኽልካልና እንታይ ጥቕሚ ንረክብ ብምባል ክንግረም ንኽእል ንኸውን። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ጾም ካብ ኃጢኣት ክንክልከል ጥቕሚ ከምዘልኦ ንርኢ። ኩሉ ባህሊ ቤተክርስትያን ጾም ካብ ኩሉ ምኽንያት ሓጢኣት ክንድሕን ከም ዝሕግዘና ይነግረና። ታሪኽ ድሕነት ኩሉ ምስ ጾም ዝተተሓሓዘ እዩ። ኣብተን ቀዳሞት ገጻት ቅዱስ መጽሓፍ ኣምላኽ ሰብ ክጸውም ከም ዝኣዘዘ ነንብብ “ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካሉ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ (ዘፍጥ 2፡16~17)። ቅዱስ ባስልዮስ ጾም ኣብ ገነት ተጀሚሩ ይብል። ኣብኡ ንኣዳም ቀዳማይ ትእዛዝ ተዋሂብዎ። ኣይትብላዕ ዝብል ቃል ጾምን ምኽልካልን የስምዕ። ኩልና ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዝተበከልና ኢና ጾም ኣብ ዝዓሎናሉ ግዜ ይሕድሰና። ዕዝራ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ስደት ባቢሎን ንምድረ ተስፋ ቅድሚ ምብጋሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞጎስ ምእንቲ ክረኽቡ ክጾሙ ኣዚዙ። እግዚኣብሔር ጸሎቶምን ጾሞምን ተቐቢሉ ፍቅሩን ሓለዋኡን ኣረጋጊጽሎም። ብተመሳሳሊ ሰብ ንነዌ ንመጸዋዕታ ዮናስ ተቐቢሎም ጾም ኣዊጆም፤ መንይፈልጥ እግዚኣብሔር ካብ ቅጥዓኡ ይምለስ ይኸውን እሞ ኣይንጠፍእን ንኸውን ( ዮናስ 3፡9) እግዚኣብሔር ንስሓኦም ርእዩ ምሒርዎም።

ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኢየሱስ ሓቀኛ ትርጉም ጾም ይነግረና ከምቶም ናይ ፈሪሳውያን ዘይኮነስ ብልቢ ዝጽወም ጾም። ኣብ ማቴ፡6፡18  ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦ ምግባር እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ኪፈድየካ እዩ። ኣብ ማቴ 4፡4 ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል ዳእምበር ብእንገራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ” እቲ ሓቀኛ ጾም ኣብ ምብልዕ ቃል ኣምላኽ ዘተኮረ እዩ ንሱ ኸኣ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦ ምግባር እዩ። (ዩሓ 4፡34)

ቀዳሞት ክርስትያን ጾም የዘውትርዎ ከም ዝነበሩ ግ.ሓ ይነግረና ግ.ሓ 13፡3፥14፦22፥ 27፦2 2ቆሮ 6፡5)። ኣበው ኩሎም ብዛዕባ ሓይሊ ጾም ይዛረቡ ልጓም ሓጢኣት ይፈትሓልና ብፍላይ ትምኒት ሓጢኣት የጥፍኣልና። ጾም ብኹሎም ቅዱሳን ይዝውተር ከም ዝነበረ ኩሎም ቅዱሳን ከአ ክግበር ከም ዝምሕጸኑ ነንብብ ቅ. ጴጥሮስ ክሪስቶሎጎስ ከምዚ ይብል “ጾም ነፍሲ ናይ ጸሎት እዩ፥ ምሕረት ከኣ ሕይወት ናይ ጾም እዩ ስለዚ እንተጸሊኻ ጾም እንተ ጾምካ ምሕረት ኣርኢ ናትካ ልመና ክስማዕ እንተ ደሊኻ ናይ ካልኦት ልመና ስማዕ እዝንኻ ንካልኦት እንተ ዘይዓጺኻ ንርእስኻ ናይ እግዚኣብሔር ኣእዛን ትኸፍት።

ኣብ ግዜና ጾም ባህሊ ኮይኑ ዘይመልክዑ ለቢሱ ይርከብ ኣብ ግዙፍ ነገራት ጥራሕ ዘተኮረ ኮይኑ መንፈሳዊ ትርጉሙ ዝቐየረ ኮይኑ ንረኽቦ። ኮይኑ ግን ጾም ንነፍስን ስጋን ጥቕሚ ዘልኦ እዩ። ብጾም ኣቢልና ንፈጣሪና ንረኽቦ ከምኡ ምስ ሓውና/ሓፍትና ብዝያድ ንቀራረብ።

ብእምነት ዝፍጸም ጾም ኣብ ጸዋማይ ምልአት ነፍስን ስጋን ረኺቡ ንሓጢአት ወጊዝና ምስ አምላኽ ውህደት ንፈጥር። ቅ.አጎስጢኖስ ብሕይወቱ ዝረኣዮ ከምዚ ይብል “አብ ውሽጠይ እገዳ ክገብር እየ እዚ ኸኣ ንሱ ክምሕረኒ ምእንቲ እዩ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሞጎስ ምእንቲ ክረክብን ኣነ ሓጎስን ደስታን ምእንቲ ኪመልእ” ይብል። ካብ መግቢ ምኽልካል ንውሽጣዊ ኩነታትና ንክርስቶስ ከም ዝሰምዕን በቲ ድሕነት ዝህብ ቃሉ ክምዝምገብ ይገብሮ። ብጸሎትን ጾምን ንኣምላኽ ኣባና ክዓዪ ነቲ ውሽጣዊ መንፈሳዊ ጥመትና የርውየልና።

ጾም ዓይንና ከም ዝኽፈት ዝገብር ኩነታት ይፈጥረልና በዚ ኸኣ ኩነታት ኣሕዋትና ከምንርዳእ ይገብረና። 1ዮሓንስ 3፡17 “ ግናኸ ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚአ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ እናረአዮ እንተ ዘይደንገጸሉ ክመይ ኢሉ ደአ ንአምላኽ አፍቅር እየ ኺብል ይኽእል”።

ብምሉእ ነጻነት እንአትዎ ጾም ከምቲ መንፈስ ሕያዋይ ሳምራዊ ከምንፈጥሪ ይገብረና ተደፊእና ንዝሳቐ ሓውና ከምንሕግዝ ይገብረና። መንፈስ ጾም ኣብ ሓገዝና ንዝምርኮሱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ጓኖት ዘይኮኑስ ከም ኣካልና ከም ንርእዮም ይገብረና። መንፈስ ቀዳሞት ክርስትያን ለቢስና ሓባራዊ ሕይወት ክነዕቢ ኣብ ጸሎት ጾም ምጽዋት ከምንወፍር ይገብረና። 

ኣብዚ ቅዱስ እዋን ጾም ውሽጥና ሓዲስና ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ኣሚና ንጀምሮ ንስሓ ንእቶ። ኣምላኽ ካባና ርሑቕ ኣይኮነን ንሕና ኢና ኣቢና ዘሎና እሞ ሎሚ ኣብኡ ክንምለስ ግዜ ተዋሂቡና ኣሎ ንጠቐመሉ። ቤተክርስትያና ኣብ መኣዲ ንስሓ ኣቲና ዕርቂ ክንፈጥር ትምሕጸነና ኣላ።

ኣባ ንጉሰ ፍስሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.