2017-03-09 16:32:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀንስትዮ


ዕለት 8 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ከምእተብዓለ ክፍለጥ እንከሎ።  ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ኣብቲ ዕለት 15 ነሓሰ 1988 ዓ.ም. ንንባብ ኣብ ዝበቕዔ “Mulieris dignitatem - ክብሪ ደቀንስትዮ”  ዘርእስቱ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ብሰፊሕ ዝገለጽዎን ዝተንተንዎን ተውህቦን ብልሕነን ድቂንስትዮ ክሳብ ክንደይ ይኽበርን ግቡእ ቦታ ይወሃቦን ኣሎ? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ጳጳሳዊ ኣውሲሊዩም መንበረ ጥበብ ኣብታ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ከምእትስኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ብዙሓት ደቀንስትዮ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ቤትን ካብ ቤት ወጻእን ስራሕ ናይ ዘይምውፋርን ደው ምባልን ኣድማስ ብሰላማዊ ሰልፍታትን ከምዘኽበረኦን፤ እዚ ድማ ሎሚ እውን ኣብ ዓለም ደቀንስትዮ ግቡእ ስፍራ ዘይተውሃበንን ኣብ ልዕሊኤን ዝወርድ ዓመጽ ኩሉ ደው ንኽብል ጻውዒት ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፤ ደቀንስትዮ ኣብ ኣባይትን ወጻእን ብዙሕ ጊዜ ግዳይ ዓመጽ ከይነን ከምዝርከባ ንኣብነት ኣብ ባግላደሽ ገና 18 ዓመት ዕድመ ከይመልኣ  ከምዝምርዓዋን ካብተን ዝምርዓዋ ብዝሒ ውሽጢ ድማ እተን 20 ሚእታዊ ዝሽፍና ትሕቲ 15 ዓመት ዕድመ ከምዝዀና ዓለም ሓቆፍ ክንክን ጥዕና ማሕበር ዝሃዎ ጸብጻብ እንከልክት ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን  እዚ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም በደል ክውገድ ብተደጋጋሚ እተቕርቦ ጻውዒት ብዘይውጽእዒት እውን ከምዝተረፈ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ከማተገልጸ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጸን።

ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣውሲሊዩ ናይ ዓንቀጸ ቲዮሎጊያ መምህር እናቴ ማርቸላ ፋሪና ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘሎ ብዝሒ ናይ ሕዝባዊ ባይቶ ድዩ ናይ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ውሽጢ እቲ 22 ሚእታዊ ጥራሕ ብደቀንስትዮ ዝሽፈ ከምዝዀነን። ስለዚህ ብሓቂ ዓለም እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ክብሪ ደቀንስትዮ ዘርእታ ሓዋርያዊት መእኽቶም ዘስፈርዎ ብልሕነት ጓለንስተይቲ ተጠቃሚ ኣይኰነን ክትብል የገድድ ቢለን፥ እቲ ብልሒ ጓለንስተይቲ ኣብ ታሪክ ህልው እዩ፡ ነሩን ክህሉን እውን እዩ። እንታይ ደኣ ክፍለጥን ግቡእ ክብሪ ክወሃቦን እዩ ዘድሊ።

ጸረ ደቀንስትዮ ወይ ድማ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ጓለንስተይቲ ንጓለንስተይቲ ኣትሒትካ ምርኣይን ከም ትሑት ፍጥረት ምሕሳብን ኣብ ታሪክ ርእዩ ተግባር እዩ። እዛ ፍጥረት እዚኣ ኣብ ታሪኽ ክብሩ ቦታ ዘለዋን ሰብኣዊ ክብሪ ከም ሰብን ከምኡ እውን ከም ጓለንስተይቲ ዘለዋ ክብረትን ትጽቢታታን ካብቲ ኣብ ታሪክ ህልውቲ ምዃና ካብ ምስትውዓሉ ዝምንጭው እዩ። ንጓለንስተይቲ ኣትሒትካ ምርኣይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ኣብ ባህልታትን ተራእዩ እዩ። እዚ እትሒትካ ምርአይ ድማ ወንጌላዊ ርእየት ካብ ምስሓት ዝነቅል እዩ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክውገድ ክኢሉ እዩ። ኢየሱስ ምስ ኢኣማንያን ደቀንስትዮ ከምእተራኸበን ናጻ ከምዘውጽኤንን ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ኣሎ፤ ንምኽባር ደቀንስትዮ ካብቲ ከም ደቅተባዕትዮ ንኢየሱስ ዝስዓባ ደቀንስትዮ እውን ከምዝነበራን ካብ ዘዘንትው ወንጌላዊ ታሪኽ ምንቃል የድሊ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ ደቀንስትዮ ንኢየሱስ ከምዝሰዓባን በቲ ርካበን እውን ኩሉ ከምዘእንገደኦን ንደቀ መዛሙርት እውን ይዕንግላ ከምዝነበራ ኣብ ወንጌል ነንብብ እዚ ድማ ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ ዝነበረሉ ኣዋን ንብረት ዘመሓድራ ደቀንስትዮ ምዃነ እዩ ዝሕብር ኢለን።

ጓለንስተይቲ ሰብ ናይ ምዃና ምስትውዓል ከተበርትዕ ይግብኣ። ሰብ ክበሃል እንከሎ ከምቲ ቃሉ ሰብኣይ ጥራሕ ዝገልጽ ኣይኰነን ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣይን ሰበይትን ዘጠቓልል እዩ። ጓለንስተይቲ ሰበይቲ ከም ምዃናን ከም - ሰበይትነታ ዘለዋ ምዃን ኣብ ምስትውዓሉ ምዕባያ እዩ እቲ ማዕርነታ። ማዕርነት ከም - ተባእት ምዃን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ሙያውን ባህልን ሃይማኖትን ኩሉ ማዕርነት ዘለዋ እያ። ሰብኣይ ብሓፈሻኡ ሰብኣዊ ፍጡር ዝገልጽ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓፈሻዊ መዕርፎ ማለት ኣይኰነን።

ካብ 1968 ዓ.ም. ናይ ፈረንሳ ሰውራ ንደሓርን ብፍላይ ድማ ኣብ ሰማንያታት ሕድ ሕዳዊ ስምምዕ ናይ ሰብኣዊ ሕንጸት ጐዳና ምዃኑ ክስትውዓል ተጀሚሩ እዩ። ሰብኣይ ወይ ድማ ሰበይቲ ከም ቅያርን ኣማራጽን ከምኡ እውን ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ’ኳ ናይ ሓባር ረቛሒ ከምዘይብሎም ከም ክልተ ንሓድ ሕዶም ተደፋፋእቲ ጌርካ ምሕሳብ ማለት ኣይኰነን፡ ኣብ ቲዮሎጊያዊ ዓውዲ እውን ካብ 1984 ዓ.ም. ንነጀው ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ጓለንስተይቲ እንታይ ማለት እዩ ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ብዙሓት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ደቀንስትዮ መልሲ ክህባሉ ከምዝጀመራን ኩሉ ከምዝፈልጦ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሕዳሴ ንደሓር  እዩ ጓለስንተይቲ ኣብ መንበረ ጥበብ ቲዮሎጊያ ክትመሃር ዝጀመረት፡ ስለዚህ ኣብ ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ ርእየት ጓለንስተይቲ ካብቲ ናይ ደቀተባዕትዮ ብዘይነኣኣስ ደረጃ እኳ ደኣ ብዝተማዓራረየ ደረጃ ዘለዎ ኣበርክቶ ተነጺሩ እዩ። ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣበርክቶ ኣለዎ። ወንጌልን ደሓር እውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዝገልጾ ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ጾታ ሕድ ሕዳዊ መድግጋፍን ስምምዕን ክብ ክብል ኣለዎ እንክብላ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.