2017-03-10 16:11:00

ሓዘን ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ቅድስቲ ሃና አዲስ አበባ


ትማሊ የካቲት ብግዕዝ  ዕለት  28  2009  ብጎርጎርዮሳዊ መራሕ ዕለት ወርሒ መጋቢት ዕለት 8 አብ ኢትዮጵያ ካብ አባላት ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ሃና፣ አርባዕተ  ደናግል  ብሐደጋ መኪና  ብዘሕዝንን ዘስቅቅን ኩነት ሕይወተን ከም ዝሰአና ተፈሊጡ አሎ።

እተን ብሐደጋ  መኪና  ሕይወተን   ዝሐለፈ  ደቂ ቅድስቲ ሃና፣  ሓለቃ  ማሕበር  እናቴ ወይኒ እሸት  ገብሩ እናቴ ሞቱ ባባ እናቴ ግደና ወልዱ እናቴ ወለተሃና በክቴ ከም ዝኾና ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አውራ  ቤት ጽሕፈት ዝመጸ ዜና አፍሊጡ።

ካልኦት  አርባዕተ  ደናግል፣ ክልተ  ብከቢድ   ክልተ ከአ ፈኲስ  ቆሲለን  አብ  ቤት ሕክምና  ተዓቂበን  ከም  ዘለዋ  ክአ ዋና  ቤት ጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተ ክረስትያን  ዝሰደዶ  መግለጺ   ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

እተን  አርባዕተ  ደናግል ደቂ ቅድስቲ ሃና ካብ አዲስ አበባ ንሀዋሳ እናተጓዕዛ መቂ ሐለፈን ዝዋይ ከይበጽሐ ዝጓዓዛላ ዝነበራ መኪና  ብሐንቲ ሲኖትራክ ከም ዝተገጭወት አውራ  ቤት ጽሕፈት  ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ  አፍሊጡ።

ሎሚ ንግሆ  አብ  ቦሌ  መስመር  ዝርከብ  ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ሀና ብጹዓን ጳጳሳት  ካህናት  ደናግል  ምእመናን   ተረኺቦም ሥርዓተ ጸሎት አስተንትኖን  ጌሮም   ስብከታት ክአ ሰሚዖም።

ፍርቂ መዓልቲ አብ ልደታ ካተድራል ጸሎተ ፍትሐት ስርዓተ ቅዳሴ ከም ዝተፈጸመ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ክልተ ክአ ብዙሓት ጳጳሳት ካህናት ደናግል ምእምናን ህዝብን አብ ዝተረኽብሉ  አብ መካነ  መቃብር  ጰጥሮስ ወጳውሎስ ሐመድ አዳም ለቢሰን።

አብ መላእ ዓለም ንዝርከባ አባላት ማሕበር ቅድስቲ ሃና  ጽንዓት ይሃብ  እግዚአብሔር  ንእናቴ ወይኒ እሸት ገብሩ ንእናቴ  ሞቱ ባባ ንእናቴ ግደና  ወልዱ  ንእናቴ ወለተሃና በክቴ  አብ መንግስተሰማየቱ ይቀበለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.