2017-03-11 17:01:00

ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም፥ ኣባ ካንታላመሳ፤ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ዕለት ብዕለት ምሕዳስ


ሰባኬ ቤተ ጳጳጳስ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣሃው ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ዕለት 9 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ቅድስቲ መንበርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ሓላፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ብምስታፍ ዝካይድ መደብ ኣስተንትኖ መሪሖም ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም ቀዳማይ ስብከት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ እመ መድሓኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ክቡር ኣባ ካንታላመሳ ኣብ ዘመነ ምጽኣት ዝጀምርዎ መንፈስ ቅዱስ ዘማእከለ ስብከቶም ብምቕጻል ኣብዚ ናይ ዓቢይ ጾም ዘቕረብዎ ቀዳማይ ስብከት ኣብቲ ናይ ኒቅያ ጉባኤ ውሳኔ ዘሎ ካልኣይ ዓንቀጽ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ክርስቶስ እንኰ ጐይታን ናይ ምድሓን ተግባራቱ ዝገልጽ ሓቂ ምሉእ ኣፍልጦ ንክህልወና ኪመርሓና እዩ  ዝብል ዝተነብረ ሓሳብ ኣተኵይሮም፤ “… ‘ብሓደ ወዱ ንኣቦ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶ ንኣምንዝብል ኣብ ካልኣይ ዓንቀጽ ይድገም  ኣባ ካንታላመሳ ነዚ ካብ ሓዋርያት ብምብጋስ ቲዮሎጊያ ኣብ ታሪኽ ዘዕሞቖ  ኣብ መንጐ መንፈስ ቅዱስን ንኽርስቶስ ምፍላጥን ዘሎ ርክብ እንክትንትኑ፡ ገና ካብቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ መንጐ ጳውሎስን ዮሓንስን ክልተ ዓይነት ኣምር ወይ ከኣ ኣፍልጦ ከምዘነበረ ካብ ዝብል ሓሳብ ነቒሎም፡ እቲ ቀዳማይ ኣፍልጦ ወድዓውን ሃምነናውን (ዶግማዊ) ማለት ኣብ ናይ ክርስቶስ ገዛእ ርእሳዊ ምዃን እቲ ካልኣይ ድማ ባዕላውን ውሳጣውን ክኸውን እንከሎ፡ ማለት ንኽርስቶ በቲ ንሱ ንኣይ ዝገበረለይ ኩሉ ኣቢለ ምርአይ ዝብል እዩ። ክሳብ ምውላድ ሉተራናዊ ተሓድሶ እቲ ቐዳማይ ኣፍልጦ ንሱ ድማ ናይ ቅቡል እምነት ንምርግጋጽን ንምሃብን ወድዓውን ሃምነናውን ኣፍልጦ ከምዝዓብለለን ሉተራናዊ ሕዳሴ ድማ እቲ ክርስቶስ ንኣይ ካብ ዝገበረለይ ካብ ዝብል ነጥቢ ዝብገስ ባዕላውን ውሳጣውን ኣፍልጦ ዝስዕብ እዩ። ከምዚ እናተባህለ ኣብቲ ብቐጥታ ናይ ዝተኣታተዎ ባህሊ ወረስቲ ናይ ዝዀንናዮ ናይ ዘመነ ወድሓዊ (Enlightenment – Illuminism) ተበጽሐ፡ እዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ኣፍልጦ ዝበልናዮ ወድዓዊ ኣብ ናይ ክርስቶስ ገዛእ ርእሳዊ ምዃን ዝብል ደረጃ ኣፍልጦ ክትኰር ዝገበረ ኽኸውን እንከሎ፡ ካብቲ ንኣይ ዝገበረለይ ተበጊሰ ምፍላጡ ዝብል ብምርሓቕ ከምቲ ጥንታዊ ስነ ህላወ (ontological) ዘይከነ ታሪኻዊ ስነ ህላወ ዝብል እዩ። ብኻልኣ ኣዘራርባ ክርስቶስ ንሱ ብገዛእ ርእሱ ኣብ ገዛእ ርእሱ መን ምዃኑ ዘይኰነስ ኣብ ጭቡጥ ታሪኽ መን እዩ ኔሩ ኣብ ዝብል ኣፍልጦ ክትኰር ተጀመረ። ስለዚህ እዚ ድማ ኣብ ታሪኻዊ ክርስቶስ (ኣብ ታሪኽ ዝተራእየ) ጥራሕ ክትኰር ስለ ዝገበረ ኣብ ክርስቶስ ንምፍላጥ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ተራ ከምዘየለ ተገብረ። መንፈስ ቅዱስ ብኹር ኰይኑ ብገዛ እራሱ ዘይኰነስ በቲ ክርስቶስ መን ምዃኑ ንኽፈልጥ ዝደልይ ግደ መንፈስ ቅዱስ ዘይህልው ተገይሩ ተሓስበ።

ኣፍልጦ ናይ ክርስቶስ ስልጣን ግብረ መንፈስ ቅዱስ እዩ

ናይ ክርስቶስ ስልጣን ምፍላጥ ናብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባራት ምእታው እዩ ዝኸውን። መንፈስ ቅዱስ ብናይ ሰብ መንፈስ ይትካእ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ንሱ ዝፈጥሮ ታሪኽን ካብ ቤተ ክርስቲያንን ነጺልካ ንኢየሱስ ኣብ ታሪኽ ውሽጢ ኣንቢርካ ታሪኻዊ ኢየሱስ ምፍላጥ፡ እዚ ዓይነት ምፍላጥ’ዚ ክርስቶስ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብፍሉይ ዘጽንዕ ምንቅስቓስ ከነቓቓሕ ደረኸ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓድሽ ሃዋሁ መንፈሳውነትን ቲዮሎጊያውን እንታይ ዓይነት ምፍላጥ ክርስቶስ እዩ ቦሎኽ ዝብል ኣብዚ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ድማ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፍልስፍና ሕሹኽ ዝብሎ ሓደስቲ ትጽቢታት ወይ ድማ ሓደስቲ ሜላታት ዘይኰነስ እቲ ተርካብ መባእታዊ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጭብጥታት እዩ። እዚ ድማ ኢየሱስ ጐይት እዩ! ዝብል ናይ ክርስቶስ ስልጣን ብመንፈስ ቅዱስ ስራሕ ዝእተው ሓድሽ ኩነት እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓድሽ ኣፍልጦ ንኽርስቶስ ብሉጽ ፍልጠት ቢሉ ጥራሕ ዘይኰነስ ዘድንጽው ልዑል ፍልጠት እንክብል ይገልጾ። ነዚ ዓይነት ኣፍልጦ’ዚ ድማ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑን ጐይታ ቢልካ ኣብ ምንዛዙን ምእዋጁን ዝቖመ እዩ። እዚ ዓይነት ምንዛዝን ምብሳርን’ዚ ጐይትነት ክርስቶስ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ምስ ዘለካ እምነት ዝጣመረ እዩ፡ ዝደሓነ ሰብ ዝገብር እምነት እዩ። ብቓልካ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ቢልካ እትእውጅ እንተድኣ ኰይንካ ብልብኻ እውን እግዚኣብሔር ካብ ሙታን ከምዘተንስኦ ትኣምንን ትድሕንን እውን። ናይቲ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ዝብል ቃል ወድዓዊ ሓይሉ ኣብ ታሪኽ ንምስጢረ ፋሲካን ብርሃንን ዝኹልዕ እዩ፡ ክርስቶስ ስለ ሓጢኣትና ሞይቱን ምእንቲ ከበጽዓና (giustificazione) ጐይታ እዩ”።

ኣብ ባዕላዊ (soggettivo) መዳይ ድማ ማለት በቲ ኣባና ጽግዕተይና ብዝዀነ ኣመለኻኽታ እዋጀና (ምብሳርና) ሓይሊ ቆራጽ ዋሳኔ ይሓትት፡ እቲ ዝእውጆን ዝናዘዞን ናይ ሕይወቱ ትርጉም ይውስን፡ እዚ ድማ፤

“ንስኻ ጐይታ ኢኻ፡ ንኣኻ እግዛእ፡ ብዘይ ኣስገዳዲ ጸቕጢ ብነጻነት መድሓኒየይ ኢኻ፡ መራሕየይን መምህረይን ኣብ ልዕለይ ኩሉ ዓይነት መሰል ዘለካ ኢኻ ከም ምባል እዩ ዝኸውን። ካብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ኣባል ምዃን ናትካ እየ እብል፡ ስለምታይ መዳርግቲ ብዘይብሉ ዋጋ ስለ ዝዓደግካኒ፡ ገሊኣቶም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንምድጋፍ ብዝብል ምርጫ ናይ ክርስቶስ እንኰነት ሰረተ ሓሳብ ንምንጻግ ዝከኣል ወይ ውን ኣገዳሲ እዩ ቢሎም ይኣምኑ። ኰይኑ ግና ሎሚ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ቢልካ ምንዛዝን ምእዋጅን ናይ ክርስቶስ ፍሉይነትን ኣንኰይናነትን ምንዛዝን ምብሳርን ማለት እዩ።”

ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎካ ርክብ ምሕዳስን ብዘይ ምቁራጽ ነኣኡ ምድላይን

ንኢየሱስ መድሕን ምዃኑ ምፍላጥን መድሕናውነቱ ምርካብን ይብሉ ኣባ ካንታላመሳ ኣብ እዋንና ቤተ ክርስቲያን ዝቓንይ ናይ እግዚኣብሔር ሕዳሴን ጸጋን እዩ፡

“ኢየሱስ ኣብ ምፍላጥ ዓይነታውነት ብራኼና መንፈስ ቅዱስ ዘንብሮ ሕዳሴ ኣብ ምንታይ ዝቖመ እዩ? ክርስቶስ ጐይታ እዩ ዝብል ኑዛዜናን እወጃናን ክርስቶስ ተንሲኡን ህያውን እዩ ንዝብል ኣፍልጦ ኣብ ዘብቅዓና ኩነት ዝቖመ እዩ። ክርስቶስ ከም ሓደ ሰብ ዘይኰነስ ሰብን ናይ ብዙሓት ሰረተ ሓሳብን ሃምነታትን እኽብካብን ዘይኰ ናይ ስግደትን ዝኽርን ወድዒ (object) ዘይኰነስ ናይ ሊጡርጊያን ቅዱስ ቁርባንን ወድዒ እውን እንተዀነ ብመንፈስ ቅዱስ ህያውን ህልውን ዝዀነ ኣካል እዩ።”

 ኣባ ካንታላመሳ ነቲ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ናይ ዓቢይ ጾም ስብከቶም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ “Evangelii gaudium-ወንጌላዊ ሓሴት”  ኣብ እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፥“ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ኩነትን ዘሎ ንፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ግላዊ ርክብ ክሕድስ ወይ ከኣ ብኣኡ ንምርኻብ ክፈፈቅድን ብዘይ ምቁራጽ ወትሩ ንኣኡ ክደልይ እዕድም፡ ማንም እዚ ጻውዒት’ዚ ኣይምልከተንን እዩ ከብሎ ዘኽእሎ ምኽንያት ክሐስቦ ዝክኣሎ እውን ኣይኰነን”  እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ ከም ሓደ ተግባራዊ ውሳኔ ጠቒሶም ከምዘጠቓለሉ ማሶቲ ሓቢረን።  








All the contents on this site are copyrighted ©.