2017-03-14 16:54:00

ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ፥ ዓውደ ትርኢት ዛዕባ ምህዞ ኣብ ትግባረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ


“ድሕሪ 20 ዓመት እንታይ ዓይነት ቤተ ክርስቲያ”  ዝብል መሳጢ ሕቶ ዘማእከለ ካብቲ ካብ ዕለት 23 መጋቢት ክሳብ ዕለት 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ንኽካየድ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፐንስይልቫያን ምስ ዝርከብ ቪላኖቫ መንበረ ጥበብን ብምትሕብባር ዘዳለዎ “ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ትርኢት ኣብ ምሕደራ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ግደ ምህዞ”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ዓውደ ጉባኤ ክካይድ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ  ዓውደ ትርኢት ዝሳትፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ካህናትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን አባላት ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራትን ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝተፈላለየ መገዲ ዘነቓቕሕዎን ዘተኣታትውዎን ዘለዉ ሕዳሴ ኣብ ቤተ ክስቲያንን ሕዳሴ ንቤተ ክርስቲያን መዳይ ዝዓዩ ምዃኖም ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን አለሳንድሮ ጂሶቲ ኣመኪቶም።

ብዛዕባ እዚ ዓውደ ትርኢት ኣመልኪቶም ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኰ ዳል ኮቮሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምሕትት፥ ቅድም ቀዳድም እቲ ዓውደ ትርኢት ምህዞ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘለዎ ማሕታ ዓቢይ ምዃኑን ኣነጺሩ እቲ  እንታይን ከመይን ክምራሕ ከምዘለዎ ዘረድእ እውን እንተዀነ ንኹሉ ዝኸውን ሓደ ዓይነት መድሃኒት ዝእዝዝ ግና ኣይኰነን፡ ስለዚህ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ክፉት ዓውደ መጽናዕቲ እዩ ኢሎም።

ከምዚ ዓይነት ዓውደ ትርኢት ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ንካናትን ደናግል አባላት ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ ምናባዊ (virtuous) ናይ ሙከራ ጥበብ ዝገብርሉ ዕድል ምፍጣር ከምዘድሊ እውን ከም ሓሳብ ምስ ቀረበን ካብቶም ኣብዚ ምናባዊ መደብ ካብ ዝሳተፉ ዝነበሩ ኩሎም “እንታይ ዓይነት ቤተ ክርስቲያን ንመጻእን ኣብ መጻእን?” ናብ ዝብል ሕቶ ዝመርሕ ሓሳብ ይቕርብ ብምንባሩ ካብዚ ብምብጋስ እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ሓደ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቀሪቡን ስነ መጽናዕታውን ምርምራውን ብናይ ቀለም ትምህርቲ ደረጃን ዝብጻሕ መልሲ ክወሃቦ የድሊ ናብ ዝብል ደዳሚ ሓሳብ ተበጽሐ፡ ስለዚህ ብሓጺሩ እቲ ነዚ ዓውደ ትርኢት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምስንዳው ዝድረኸ ምኽንያት ነዚ ይመስል ምስ በሉ፥ እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ምህዞ ኣብ ኩሉ መዳይ ዘለዎ ግደ ብዙሕ ጊዜ የዘኻኽሩን ምህዞ ክተባባዕ ድማ ይምዕዱ፡ እዚ ምህዞ ዝብል ቃል ኣብ ዘቕርብዎ ኣስተምህሮን ምዕዳን ስብከታቶምን ስልጣናዊ ትምህርቶምን መልእኽቶም ኣብ ናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣስተምህሮታቶምን ዝደጋገም ቃል ምዃኑ ኣብ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተለለየ ኢዩ። ስለዚህ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ምህዞ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዓቢይ እወታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ምስ ተስተውዓለ ምህዞ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝትንት ትርኢት ንምክያድ ከምእተወሰነ ገሊጾም።

ሐዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ናብ ተግባር ዝትርጐመሉ መድረኽ እዩ። ስለዚህ ኣብዚ መዳይ ምህዞ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ንጹር እዩ። ኰይኑ ግና እቲ ምህዞ ኣብ ከመይ ዓይነት መስመር ክጓዓዝ ኣለዎ? ኣብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ኣብ ናይ ፖለቲካ ተቛማትን እውን ከይተረፈ ብኸመይ መገዲ ይተርጐም? ዝብሉ ሕቶታት ምቕራብ ግድን እዩ። ሓደ ክርስቲያን ኣብ ዘለሉ ዝዀነ ይኹን ናይ ዕዮ መዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ህልው ክገብር ኣለዎ። ብተፋረቕ ዘይኰነስ ከም ክርስቲያን መጠን ኣብ ኩሉ ስፍራ ወንጌል ምምስካር ስለ ዘድሊ።  ሕይወት ክርስትና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ። እቲ ዓውደ ምርእቲ እምብኣር ከስ ነዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጭቡጥ ንምግባር ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ እንታይ ዓይነት ምህዞ ብምስዓብ ድሕሪ ዕስራ ዓመት እንታይ ዓይነት ቤተ ክርስቲያን ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ዝፍትን እዩ።

እቲ ዓውደ ትርኢት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዛዕባ ምህዞ ብደረጃ ዓውደ መጽናዕቲ ዘስተንትን ኰይኑ ድሕሪ እቲ ናይ ሓባር መደብ ዓወደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ብጉጅለ ተመዳዲብካ ብዝካየድ ናይ ዕዮ ናይ ክቢ ጠረጴዛ መደብ ምይይጥ እውን ክካይዱ እዮም። ስለዚህ ካብቲ ብንኡሳን ጉጅለ ተመዳዲቡ ካብ ዝካየድ ምይይጥ እቲ ካብቲ ናይ ሓባር ዓውደ መጽናዕቲ ዝቕረበ ሓሳብ ትግባሬኡ ከመይን ብኸመይ መገዲ ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ዝፍትን እዩ። ስለዚህ ኣብዚ እውን ምህዞ ወሳኒ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.