2017-03-16 16:58:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ንዝኽሪ መበል 400 ዓመት ቅዋመ ሕውነታዊ ግብረ ሰናይ


ሓቀይና ሰብኣዊ ነጻነት ብዘይ ብስራተ ወንጌል ክህልው ዘይከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማአክለ መልእክቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ብቅዱስ ቪንቸንዞ ዘፓውሊ ዝተመስረተ ሕውነታዊ ግብረ ሰናይ ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ቅዋመ ናብቲ ማሕበር መልእኽቲ ከዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎ ሞናኰ ሓቢሮም።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ብጭቡጥ ምስክርነት ፍቕሪ እዩ ዝሓልፍ። እቲ ሕውነታዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብ 1617 .. ንኽቐውም ዝገበሮ ኣስተንፍሶ ምስ ተልእዀኡ ዝነበሮ ምትእስሳር ህያው ኰይኑ ክቕጽል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምዒዶም፥ እዚ ተልእኾ ህያው ኰይኑ ኣብ እዋንና ሓቀይና ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ንድኻታት  ምስ ዝሓልይ ጭቡጥ ምስክርነት ርጡብ ተላግቦ ዘለዎ ኰይኑ ክትግበር ኣለዎ፡ እዚ ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ምስረታኡ ድማ ንእግዚኣብሔር ስለ ጸጋታቱን ስለ ግብረ መስተንክርነቱን ግራመታቱን ተመስገን ዝበሃለሉ ኵነት ክኸውንን ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ናይ ፍቕሪ ዝግበር ናይ ምግልጋል ተልእኾ ፍርያማ ክኸውን ዘብቅዖ ሓደስቲ መገዲ እነለልየሉ ይኹን ፥ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኰ ኣፍሊጦም።

እቲ ሕውነታዊ ማሕበር ካብ ፍቕሪ ንድኻታት ዝተወልደ እዩ

እቲ ሕውነታዊ ግብረ ሰናይ ማሕበር ይብሉ ቅዱስነቶም ካብቲ ቅዱስ ቪንቸንዞ ነቶም ብዙሕ ጊዜ ኣብ ከተማታት ድዩ ኣብ ገጠራት ብኹሉ ንዝጥንጠኑን ኣብ ንበይኖም ዝሕደጉን ዝተነጸሉን ንድኻታት ካብ ዝነበሮ ሓልዮት ዝተወለደ ከምዝዀነን ነቶም ድኻታት ከም ናይ ስቝይ ኣካለ ኢየሱስ ክርስቶስ  ወከልቲምዃኖም ብምልላይ እዚ ተልእኾን ኣገልግሎትን ግብረ ሰናይ ንዓለማውያን ምእመናን ብፍላይ ድማ ንደቂንስትዮ ብሓላፍነት ከምዘረከቦን ድማ ገሊጾም ሎሚ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ሰናይ ኰይኑ ነቶም ዘይዕዱላት ተባሂሎም ዝሕሰቡ ንዋታውን ኣካላውን ግብረ ገባውን መንፈሳውን ስቅያት ንዝሓድሮም ፍጥረት ሰብ ስቓዮም ንምቅላልን ንምፍዋስን ዝብል ተልእዀኡ ይቕጽሎ ከምዘሎ ገሊጾም።

ናይ ወዲ ሰብ ጭቡጥ ኩነት ክስትውዓል ዝገብር ኣማኒ ሕይወት

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እቲ ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ሰናይ ህርኩት ጻዕሪ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮት ዝጸንዔ ከምዝዀነ ኣዘካኺሮም ምሉእነት ሰብኣዊ ክድግፍን ቆላሕታኡ ነቶም ኣብ ዘይርጉጽነትን ሓደገይናን ኣብ ዝዀነ ናይ ሕይወት ኩነት ንዝርከቡ እልፍ ኣእላፍ ደቂንስትዮን ሕጻናትን ክድግፉ ከምዘተባብዑ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኰ ኣተሓሒዞም፥ ምስ ክርስቶስ ስሙር ዝዀነ ኣምነተ ሕይወት ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ኰይኑ ተፈጥረኣብ ዝብል ምዃን ዝጸንዔ ናይ ወዲ ሰብ ጭቡጥ ኩነት ንኸነስተውዕል የብቅዓና ከምዝበሉ ሓቢሮም።

ንድኽነት ምስትውዓል ምስጢረ ትስብእት ምንባር ማለት እዩ

“ድኽነት ንምስትውዓል”  ይብሉ ቅዱስ ኣቦና “ዓበይቲ መደባትን ሓሳባትን ምስዓብ ጥራሕ እዅሉ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ምስጢረ ትስብእት ምንባር የድሊ።”  ናይ እግዚኣብሔር ምስጢር ሰብ ኰነ ፍጥረት ሰብ ክብ ንኸብልን ንኸድሕኖን ሞተ፡ እቲ ተሰግወ ሓምመ ሞተ ዝብል ቃል ደስ ዘየብል ከቢድ ይኸውን ግናኸ እቲ ከም ቤተ ክርስቲያን ንኽንነብሮ ጽውዓት ከምዝዀንና ዘረጋጾ ክውንነት (ጭቡጥ) እዩ፡ “ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቶም ነዳያት ምርኣይ”  ማለት ይብሉ ቅዱስ ኣቦና “እቶም ድኻታት በቶም ሓቀይና ናይ ፍቕሪ ምስክርነት ብዘወፍዩ ኣቢሎም ምስ ክርስቶስ ክራኸቡ ምጽዋዕ”  ማለት እዩ፡ ናይ “ምሕረት ባህሊ እዩ እቲ ልቢ ብጥልቂ ዝሕድስን ናይ ሓድሽ ክውንነት ርህው ዝገብር”  ቢሎም ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኰ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.