2017-03-16 17:04:00

ናይ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ ዛዕባ ዓመጽ ኣብ ሃገሮም


ኣብ ናይጀሪያ ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘድምይን ዘናውጽን ቦኮ ሓራም እዩ ኰይኑ ግና እቲ ሎሚ ዝረአይ ዘሎ ጸገም እቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስቓይን ዓመጽን ወገንተይናነትን ዝዳጐኖ ምረትን ቁጠዓን ዝወልዶ ዘሎ ዘይምርግጋእን ስእነት ሰላምን እውን ምዃኑን ናይ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ዓመጽ ዘንብብን ብዛዕባ ሕዝቦምን ሃገሮምን ዘለዎም ዓቢይ ስክፍታ፥ “ክብርናን ሃገርናን ዜጋናን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ከምዘስመርሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት ናይጀሪያ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዓመጽን መከራን ካብቲ ካብ 1967 ዓ.ም. ክሳብ 1970 ዓ.ም. ዝተኻየደ ውግእ ሓድ ሕድ ዝመረረ እዩ ቢሎም፥

ቦኮ ሓራምን ካልኦት ሓደጋታትን ዘሕዝን ፍጻሜታትን

ኣብ ናይጀሪያ ዝተፈላለዩ ዓሌታውያን ዕጡቓት ሓይል በቢ እዋኑ ይውለዱን ይሰፍሑን ይራብሑን ከምዘለዉን እዚ ድማ ጸረ ሰብኣዊ ዓመጽን ዕንወትን የውርድ ከምዘሎን ኣክንዲ ሃገራውነት ዓሌታውይነት ጸበለል እናበለ ሃገር ዕቕባ ኩሉ ዜጋ እያ ዝብል እምነት ዓሌት ዑቕባይ እዩ ብዝብል ጸቢጽ እምነት ይትካእ ኣሎ ዝበሉ ናይ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ኣስዒቦም፥ እዚ ኹሉ ውሽጣዊ ውጥረትን ሓይሊ ኣሸበርቲ ቦኮ ሓራምን ዕላማ ነቲ ሰብኣዊ ክብሪ ይትክእ ምህላዉ ድማ እቲ ኣብ ዛሪያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ወይ ከኣ ኣብ ግዛኣት ካዱና ደቡባዊ ከባቢ ዝተራእየ ቅትለትን እቲ ኣብ መንጐ ሓረስቶትን ብኤኮኖሚ ምርባሕ ዘቤት እንስሳት ዝናበሩን ዜጋታት ዝተፈጥረን ንናይ ብዙሓት ሞት ምኽንያት ዝዀነ ግጭት ከም ኣብነት ከምዝጠቐሱ ኣመልኪቱ።

ናይ መንግስቲ ተቛማት ተኣማንነት ምሕያል

ብፁዓን ጳጳሳት ናይጀሪያ መንግስቶም ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ቦኮ ሓራም ጻዕርታቱ ዝምስገን ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ኣሸባሪ ሓይሊ ብዘፈላለየ ጉጅለ እናተወደቡን ኣብ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ መልክዕ መስራሓዊ ለውጢ እናገበሩ መርዛም ዕላማኦም ብሰፊሕ የስርጹ ኣለዉ እንተተባሃለ ጌጋ ኣይኰነን ቢሎም እዚ ጸረ ሰብኣዊ ባህሊ ንምዕጋት መደብ ሕንጸትን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፍትሒ ምርግጋጽም ቅዋም ሃገሮም ዘረጋግጾ ውሕስነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ምግባር ወሳኒ እዩ። እዚ ንኽኸውን ድማ ናይ መንግስቲ ተቛማት እሙናት ኰይኖም ተኣማንነቶም ክዓትሩ ይግባእ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.