2017-03-18 20:07:00

ሰንበት ዘደብረ ዘይት መጋቢት 10/2009 ዓ.ም. 3/19/2017


 ንባባት፡  ሮሜ 5:1-8 ፥ ፪ጴጥ 3፡1-15፥ ግ.ሓ. 15፡6-21፥ ዮሓ 4:5-42።        ምስባክ፡“ እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ” ‘እግዚአብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ክመጽእ እዩ ሱቕ እውን አይብልን እዩ፥ ሓዊ አብ ቅድሚኡ ይቃጸል’ መዝ.50፡3።

አብ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር “ብዙኃት ብስመይ አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ክመጹኹም እዮም እሞ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ ተሰናዲኹም ጽንሑ። እቲ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሱ ዝጸንሕ ንሱ ኪድኅን እዩ። ወዲ ሰብ ኪመጽእ እንከሎ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ክካወስ እዩ። ሽዑ ኃጢአተኛታት ምድሪ ኩሎም ኪበኽዩ እዮም፥ ሻቡ እግዚአብሔር ብትእዛዙን ብቓሉን ብአእላፋት መላእኽቱን ተዓጂቡ ብቃንዳ መለኸት ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ክወርድ እዩ። ንሱ ዋና ሰንበት ገባር ሕይወት አቦ እዩ እሞ በታ ስዓት እቲአ ካብ ሞት ኃጢአት ይምሓረና” ይብል።

ሰንበት ዘደብረ ዘይት ንዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ ክንሰናዶ ከም ዘሎና የዘኻኽረና። አብ እምነትና ክልተ ምጽአት ክርስቶስ ከም ዘሎ ንአምን። ፩ይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋና ለቢሱ ካብ ድንግል ማርያም ቅድሚ ምውላዱ ዝነበረ ጊዜ። ፪ይ ክርስቶስ ድሕሪ ሞቱ ብግርማ መለኮት ክመጽእ ምዃኑ እሞ ንኹሉ ብዳግም ክፈርዶ እዩ። ሎሚ ክንሓበሉ ተደልዩ ዘሎ ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ እዩ። አብ ሕይወትና ሓንቲ መዓልቲ አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ አብዚ ሕይወት ዘሕለፍናዮ ግብሪ ክንሕተተሉ ምዃና ፈሊጥና ስንቂ ሰማይ ክነሰናዱ ከም ዝግብአና ክንሓስብ አሎና። ክልተ ፍርዲ ይጽበየና አሎ። ፩ያ ምስ ሞትና ብግብርና ንመንግስተ ሰማይ ወይ ንግሃነም እሳት ክንፍረድ ኢና። ፪ይ አብ ዳግማይ ምጽአት ዓለም ዳግም ምስ ምሉእ ዓለም ክንፍረድ ኢና። እቲ ቀንዲ እቲ መጀመርያ ፍርዲ እዩ ክንሓስበሉ ዘሎና ምኽንያቱ አብዚ ሕይወት ሓቀኛን ቅኑዕን ሕይወት እንተ መራሕና ዝጽበየና ፍርዲ ናይ ክብርን ሞገስን እዩ ክኸውን፥ ግን አመት መገዲ አምላኽ ስሒትና እንነብር እንተ ኾና ፍርድና ኩነንየ እዩ ዝስዕቦ።

ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር እምብአር ነዚ አብ ግምት አእቲና ክንጥንቀቐሉን ክንሓስበሉን ዘሎና ነገራት ይነግረና። ኢየሱስ ዘታልሉ ብስመይ ከመጽኡኹም እዮም እሞ ከየስሕትኹም ተጠንቀቁ ኩሉ ጊዜ ተሰናዲኹም ጽንሑ ይብለና። አብ ሕይወት ትዕግስትን ምስትውዓልን ከም ዘድሊ ክነግረና ኢሉ ኸአ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሱ ዝጸንሐ ክድሕን እዩ ይብለና። ንዳግማይ ምጽአት ዝሕብሩ ምልክታት ክርአዩ እዮም እሞ ክነስተውዕል ይነግረና። ድሕሪ ሞት ንስሓ የለን ሎሚ እዩ እቲ ስንቂ ሰማይ እንእክበሉ አብ ሰማይ ጸብጻብ ጥራሕ ኢና እንህብ እግባይ ዘይብሉ ፍርዲ ክአ ክንውሃብ ኢና። ሎሚ አብ ሕልናና አቲና ክዕረ ዝግብኦ ንዓሪ አብ ሓቅን ጽድቅን ንመለስ አምላኽ ይነግር አሎ ሰማዕቲ ንኹን አፍደገ ሰማይ ከይዕጸወና።

ናይ ሎሚ ንባባትና አብ ማይ ዘተኮሩ እዮም። እዚ ኸአ ምስ ጥምቀት ዘለዎም ርክብ ይገልጽ። ማይ ምንጪ ሕይወት እዩ ከምኡ ናይ ጥፍአት ክኸውን ይኽእል እዩ። አብ ቅ. መጽሓፍ እንተ ተመልከትና ማይ አይኂ ንኖኅ ምኽንያት ድሕነቱ ኮይንዎ ነቶም ሰብ ሰዶምን ጎሞራን ግን ናይ ጥፍአቶም። እስራኤላውያን ንባሕሪ ኤሪትራ ክሰግሩ እንከለዉ ማይ ናይ ድሕነቶም፥ ንግብጻውያን ግን ናይ ጥፍአቶም ምኽንያት ኮይኑ።

አብ ዘፅ 17፡3-7 ዘሎ እንተ አንበብና እግዚአብሔር ንደቂ እስራኤል ማይ ሕይወት ካብ ከውሒ ከም ዝሃቦም ንርኢ። ካብ ባርነት ግብጽን አብ መጨረሻ ኸአ ባሕሪ ክሳገሩ ከለዉ ካብ ኢድ ፈርዖን አድኂንዎም፥ አብ በረኻን አጻምእን ይጉዓዙ ስለ ዝነበሩ ብጽምኢ ክሞቱ ጀሚሮም። በዚ አብ ልዕሊ አምላኽን ሙሴን ከጉሮምርሙ ጀሚሮም። ሙሴ ከም ቀደሙ አብ አምላኽ ሓገዝ ሓቲቱ። በታ ካብ ግብጺ ክወጽኡ ንቀይሕ ባሕሪ ዝሰንጠቐላ በትሩ ንከውኂ ምስ ወቕዖ ማይ ወጺኡ በዚ ኸአ አምላኽ ምስኦም ከምዘሎ አመኑ ካብ ጽምኦም ከአ ድኃኑ። ሙሴ አብዚ አምሳል ኢየሱስ ይርአ። ሙሴን ኢየሱስን ንህዝቢ ማይ ሕይወት ከም ዝሃቡ ንርኢ።

እዚ አብ ዘፅአት እንርእዮ ምስ ናይ ሎሚ ወንጌል ይመሳሰል። አምላኽ ብማይ ገሩ ከመይ ገሩ ሰማይዊ ሕይወት አብ ኩልና አመንቲ ከም ዘመሓልፈልና ንርኢ። ኢየሱስ ነዛ ስማ ዘይትጥቀስ ሳምራዊት ሰበይቲ ዘይነጽፍ ማይ ሕይወት ከም ዝህባ የተስፍዋ ከምኡ ንሱ መን ምኻኑ ይገልጸላ። እዚ ኢየሱስ ነዛ ሳምራዊት ሰበይቲ አብ ዔላ ምርካቡ ብአጋጣሚ ዝኾነ አይ ኮነንን ምኽንያቱ ዔላታት ምንጪ ማይ እዮም ግን መራኸቢ እውን እዮም። ሰባት አብ ሩባ ዝተፈላለየ ነገራት ክገብሩ ይኸዱ ሩባታት መራኸቢ እዮም።

ቅድሚ አብ ዝርዝር አስተንትኖና ምእታውና ክንግንዘቦ ዘሎና እዛ አብ ወንጌል ዮሓንስ እትጥቀስ ሳምራዊት ሰበይቲ ንሰለስተ ግፉዓት ወይ ጭቁናት ሰባት ብዝያዳ ኢየሱስን ወንጌልን ዘተኩሩሎም እትውክል ክትከውን ትኽእል፡

        1. ደቂንስትዮ፥

        2. ዝሩጋት (ብሓፈሻ አብ ዝርጋን ዓለም ዝነብሩ)፥

        3. ኩሎም ጓኖት ሰባት     ዘይንጹሓት፥ ዘይአመንቲ፥ ወጻእተኛታት።

ኢየሱስ ከም ሓደ ሰብ ክሕገዝ ዝደሊ፥ ደኺሙ፥ ጠምዩ፥ ጸሚኡ፥ ዘሎ ኮይኑ እዩ ቀሪቡ። በዚ ኸአ ክሳብ ክንደይ ንአና ከም ዝመሰለ ክንርኢ ንኽእል፥ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ንአና መሲሉ (ዕብ 4፡15)።

እቲ ታሪኽ ኢየሱስ ደኺሙ ጸሚኡ ጠምዩ አብ ዔላ እናአዕረፈ እንከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ቀትሪ ምድሪ ማይ ክትቀድሕ ዝመጽአት ማይ ኮታ አስትይኒ ብምባል እዩ ዝጅምር። አብዚ እቲ ዝቐለለ ነገር ክትገብሮ ዝነበራ ሱቕ ክትብል እዩ ምኽንያቱ ሳምራውያንን እስራኤላውያንን አይቃረቡን እዮም ነሮም። ከምኡ ሰብአይ ምስ ዝኾነት ሰበይቲ ክዛረብ ባህሎም አይፍቀድን ነሩ። እንተ ኾነ ኢየሱስ ነታ ሰበይቲ ይዛረባ። ጸሚኡ ነሩ ግን መቕድሒ ካብቲ ዔላ አይ ነበሮን ስለዚ ማይ ክተስትዮ ሓቲትዋ። ናይ እዋኑ ባህልን ስርዓትን እኳ አየፍቅደሉ ኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ ባህልን ዓንቃፊ ዝኾነ ስርዓታትን ልዕሊ ዝኾነ ሰባት ከይብሉኒ ዝብሃል አጉል ባህልን ዘይቅኑዕ ስርዓትን ሓሊፉ አብቲ ቀንዲ ጸቡቕን ክፉእን ዝፈላሊ ነገራት አትዩ። ብርግጽ ጸሚኡ ነሩ እንተ ኾነ እቲ ቀንዲ ጽምኢ ዝነበሮ እምነትን ድሕነትን ናይ እታ ሰበይት እዩ ነሩ። አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ እዩ ነታ ሰበይቲ ዝጽበያ እዚ ኸአ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ክረኽበና ክመልሰና ከም ዝጽበየና አብቲ ዘሎናዮ ሕይወት ይመጽአና። ሽዑ ይዛረበናን ክንገብሮ ዝግብአና ይነግረና። እዛ ሰበይቲ ቀጥሪ ምድሪ እያ አብ ዔላ ወሪዳ ብልምዲ አብ ዔላ ዝውረድ ንግሆ ወይ አጋ ምሸት ውልውል ምስ በለ እዩ እዛ ሰበይቲ ግን ቀትሪ ሰብ ከይርእያ ተሓቢአ እያ ወሪዳ፥ አብ ገለ ባህልታት ቀትሪ ፀሓይ በርቲዐ እንከላ ዝወርዱ ሰይጣውንቲ እዮም ሰባት ከይውቅዑ ቀትሪ አይ ወርዱን እዮም። እዛ ሰበይቲ ግን ሕይወታ ካብ ሰብ ፈልዩ ምስ አጋንንቲ ከም እትሕወስ ገርዋ አብዚ ጊዜ እዩ ኢየሱስ ከድሕና አብ ዘላቶ ሕይወት መጺእዋ።

ኢየሱስ ሎሚ እውን አብ ንነፍሲ ወከፍና አብ ዘዘሎናዮ ሕይወት መጺኡ ክዛረበና ክሓተና ምሳና አሎ። ዝቕየር ሕይወት እንተ አሎና ሎሚ እዩ እዋኑ ክንቅይሮ። ማይ አስተየኒ/ይኒ እናበለ ዕላሉ ይጅምረልና አሎ። ንጽምአት ኢየሱስ ክነርዊ ዝደልዮ ንግበረሉ።  ውሽጣዊ ኩነታት ሕይወትና ዝርኢ ኢየሱስ እምብአር ካብቲ ዘሎናዮ ክንቅይር አብኡ ክንምለስ ይቀርበና አሎ ንስምዓዮ ነዕልሎ ሽዑ ሕይወትና ክቕየር እዩ።

ጎይታይ ኸይጸምእ እሞ ኽቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይመጽእሲ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ።

እታ ሰበይቲ ከም ኢየሱስ ንሳእውን እውን ጽምአት ነርዋ። ብኡ ምኽንያት እያ ማይ ክትቀድሕ አብ ዔላ ወሪዳ። እንተ ኾነ ጽምአ ልዕሊ ማይ እዩ ነሩ እዚ ኸአ እዩ ኢየሱስ ዝርአዮ። ካብቲ ዘላቶ ዓዘቕቲ ስቓይን ሕማቕ ሕይወትን ወጺአ ቅሳነት ክትረክብ የድልያ ነሩ። ክትምሓርን ካብቲ ዘሕፍር ሕይወት እትነብሮ ዝነበረት ክትወጽእ፥ እቲ ብልባ ሓምሽተ ጊዜ ደልያ ክትረኽቦ ዘይከአለት ፍቕሪ፥ ሓደ አብኡ እትአምኖን እትቐበሎን፥ መስሕ መድሕን የድልያ ነሩ። አካላዊ ጽምኢ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ዔላ ዘውርዳ ነርዋ፥ እቲ ቀንዲ ግን መንፈሳዊ ጽምኢ ውሽጣዊ ጽምኢ ካብ ሓደ ሰብአይ ናብ ካልእ ሰብአይ ዝወስድ ግን ዘየርዊ ነርዋ። ንኢየሱስ ክትረኽቦ እንከላ አብ ሻድሻይ ሰብአይ እያ በጺሓ ነራ ግን ጌና ሰብአይ የብለይን ኢላቶ እዚ ኸአ ናብ ሻብዓይ ገጻ ትሓስብ ከም ዘላ ዘመልክት እዩ።

አብ ቅዱስ መጽሓፍ ቍጽሪ ሽድሽተ ዘይምሉእ ቍጽሪ እዩ፥ ሸውዓተ እዩ ምሉእ ቍጽሪ ኢየሱስ ከም ሻብዓይ ሰብአይ አብ ሕይወታ ኮይኑ እዩ ዝቐርባ፥ ሽዑ ኩሉ ጸገማ ተካፍሎ እሞ እቲ ዝደለየቶ ውሽጣዊ ጽምኢ ከምእትረዊ ገርዋ። አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም እዚ ዓይነት ተመክሮ ክህልወና እዩ ዝድለ ዘሎ። ሰብ መጀመርያ ክገብሮ ዘለዎ ሰባት ዝገበርዎ ዓንቃፊ መደላድል ከፍርስ አለዎ። ኢየሱስ ነቲ ብግዚኡ ዝነበረ ሰብ ዝሰርሖ ባህልን ስርዓትን ጥሒሱ ነዛ ብኩሉ ንጽግቲ ሰበይቲ ረኺብዋ ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር የድሊ። ባህልን ስርዓትን ካብ አምላኽ ክፈልየና የብሉን።

ኢየሱስ አብ ዕላሎም ዘለዋ ጽምአት ገሊጽላ። ዕላሎም ካብ ማይ አስትይኒ እናዓመቖ ናብ ሕይወት ዝህብ ማይ ሰጊሩ። ሕያው ማይ ዝብል ካብቲ ዝዛሪ ማይ ዝመጽእ እምበር ዕቋር ማይ ካብ ዔላ ዝመጽእ አይ ኮነን ዘስምዕ። ትርጉም ናይ እዚ ዝዛረቡሉ ዘለዉ ማይ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ ዘስምዕ። እታ ሰበይቲ አብ ኢየሱስ ዘልአ አፍልጦ እውን እናዓበየ ካብ ማንም አይሁዳዊ ናብ ነብዩ ናብ መስሕን መኃኒን ከይዱ ።

ጽምአት አምላኽ እውን ነርዋ እዩ። ኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ አይሁዳዊ ከም ዝኾነ ምስ ፈለጠት ሕቶ አቕሪባትሉ። ቀንዲ ትሕዝቶ ሕቶአ አምላኽ አበይ እረኽቦ እዩ ነሩ። አብዚ ጊዜ ሳምራውያን ካብ አይሁድ ተፈልዮም አብ ኢየሩሳሌም ክንዲ ስርዓት አምላኾ ዝገብሩ አብ ትሕቲ እምባ እዮም ዝገብሩ ነሮም። አይሁድ ግን አብ ኢየሩሳሌም ጥራሕ እዩ መስዋዕቲ ክዓርግ ዝግብኦ ይብሉ ነሮም። እዚ ኾይኑ እቲ ድሕሪ ምጽአት ክርስቶስ ግን ቦታ ዘይ ኮነ ወሳኒ እምነትናን ልብናን እዩ። 

እዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ሕይወታ ካብ አምላኽን ሕጉን ስለ ዝርሓቐ ብርቱዕ ጽምኢ ነርዋ። በዚ እያ ኸአ ካልአይ ጊዜ አብዚ ዔላ ከይወርድ ካብቲ እትብሎ ዘሎኻ ኩሉ ጊዜ ዘርዊ ማይ ሃበኒ እናበለት ዝሓተት። ኢየሱስ እቲ ዘድልያ ዘይውዳእ ማዕከን ማይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክህባ ስለ ዝኽእል ክትቀርቦን ዝብላ ክትአምንን ነጊርዋ፥ ጽምአታ ናይ ብሓቂ ርክብ ምስ ሰብን አምላኽን እዩ ነሩ። ንጽምአታ መልሲ ዝህብ ስለ ዝረኸበት ከም ዝፈለጣን ከም ዝግደሰላ ከምትርኢ ገርዋ። ንሱ ወላእኳ ውሽጣ ክፈልጣ ዘቕስን አይኹን አነጺሩ ብቅንዕና ነጊርዋ። አብ ሕይወት ሰባት ቀንዲ ዘድሊ ልቢ አበይ ከም ዘሎ እዩ እምበር ጆግራፊካዊ ቦታ አይኮነን፥ ሓቀኛ አምልኾ አብ ሓቅን ብመንፈስን ዝፍጸም ጥራሕ ምዃኑ እግሂዱ ነጊርዋ።

ነታ ዘይቅሱን ሕይወት እትነብር ዝነበረት ንመጀመርያ ጊዜ አብ ሕይወታ ዝርድአ ሰብ ረኺባ፥ በዚ ሓጎሳ ክትቆጻጸር ስለ ዘይክአለት ዘገርም ዕትሮአ ሓዲጋ ጽምአ ረሲዓ ንደቂ ዓዳ ክተካፍል እንጎየየት ንዓዲ ተመሊሳ። አብ ወንጌል ብሓቂ ዝአመኑ ሰባት ቀዳመይቲ ዝገብርዋ አብ ስብከተ ወንጌል እዮም ዝወፍሩ። ንኢየሱስ ብሓቂ ዝረኸበ ሕይወት ቀጺሉ ዝገብሮ ንኻልኦት አብ ኢየሱስ ከም ዝመጽኡ ምግባር እዩ እዛ ሰበይቲ ንደቂ ዓዳ አብ ኢየሱስ ክትዕድም እናጎየየት ከይዳ።

አብቲ ዓዲ ብዙሓት ዝጸምኡ ነሮም ንሳ ግን ትፈልጥ አይነበረትን። እቲ ዝገርም እዚኦም እቶም ዝጸልእዋን ዝጸርፍዋን ዘዋርድዋን ዝነበሩ፥ ገሊኦም አሰብኡታ ዝነበሩ ምስአ ርክብ ዝነበሮምን እዮም። ዝሓለፈ ብዘየገድስ እናጎየት ከይዳ እቲ ቅቡእ አምላኽ መጺኡ ከምዘሎ ነጊራ። ገለ ካብኦም ሰሚዖማ ዝበለቶ ከረጋግጹ አብቲ ዔላ መጺኦም። ዝመጽኡ ግን ንሳቶም እውን ጽምአት ነርዎም፥ ንአምላኽ ክፈልጡ ሃንቀው ይብሉ ነሮም። ሕያው ማይ ክህቦም አብኡ መጽኡ ሽዑ ጽምኦም ክረዊ ጀሚሩ። በይሁድ ዝዋረዱ ዝንዓቑን ዝነበሩ መስሕ አብ መንግኦም አብ ዔልኦም መጺኡ ክሰምዑ ናይ ብሓቂ ዝገርም እዩ። ጽምኦም ካብቲ ዘይምእማኖም ይዓቢ ነሩ እዩ። አብ መጨረሻ ኸአ ባዕላትና ሰሚዕና ደአ እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ክርስቶስ ምድኅን ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር ብዘረባኺ አይኮናን እንአምን ዘሎና ኢሎማ።

አብ ጉዕዞ እምነት ክልተ ነገር አሎ ክንፈልጦ ዘሎና፡ ፩ያ ንአምን ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኢየሱስ ስለ ዝነገረና፥ ፪ይ ንአምን ምኽንያቱ ባዕልና አብ ሕይወትና ንኢየሱስ ስለ ዝረኸብናዮ። አብዚ እዋን ጾም ቤተ ክርስትያን ንኹልና አመንቲ አብ ሕይወትና ባዕልና ንኢየሱስ ክንረኽቦ ምስኡ ናይ ባዕልና ተመክሮ ክህልወና ትደልየና። 

አብዛ እንነብራ ዘሎና ዓለም ኩልና ዝተፈላለየ ጽምአት አሎና፥ እቲ ቀንዲ ግን ጽምአት አምላኽ እዩ። ከምዛ ሳምራዊት ሰበይቲ አምላኽ አበይድአ አሎ? አበይ ክረኽቦ እኽእል ዝብል አብ ናይ ብዙሓት ሕልና አሎ። ክንረኽቦ እንተ ኾና ከምዛ ሳምራዊት ሰበይቲ አብ ናይ ገዛእ ርእስና ሕይወት ክንርኢ አሎና፥ አብ ሓዲስ ሕይወት አብቲ ኢየሱስ ዝዛረበሉ ዘሎ ሕይወት ጸጋ ክንአቱ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ክንፈልጥ ድለትና ወሳኒ እዩ።

አብ እንታይ እዩ ዘሎ ጽምእና? አብ ጥምቀትና ጸጋ እምነትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ተቐቢልና ግን ነዚ ዝተቐበልናዮ ክነብሮ ኢልና እንታይ ስጉምቲ ወሲድና። ንንዋታዊ ነገራት፥ ንምቾት፥ ንስልጣን ንክብሪ ድዩ ዘሎ ጽምእና? ከመይ እንተ ገበርና እዩ እቲ ኢየሱስ ዝገልጸልና ንጽምእና ዘርውዮ። ብርግጽ ኢየሱስ ምንጪ እቲ ማይ እዩ፥ አብኡ እንተ ኸድና ሓገዝ፥ ምልአት፥ ተሓድሶ እቲ እንደልዮ ክንረክብ ኢና።

አብዚ ጊዜ ጾም ፵ ንዑናይ አብቲ ዔላ ንውረድ እሞ ንኢየሱስ ንርከቦ፥ ሽዑ ማይ ሕይወት ዘይነጽፍ ካብ ውሽጡ ስለ ዝፍልፍል ነቲ ብርቱዕ ጽምእና ከርውየልና እዩ። ነፍሰይ ንአኻ ንሕያው አምላኽ ትናፍቕ አላ (መዝ 42፡2) እናበልና አብቲ ሕያው አምላኽ ንመለስ። ጸሚእካ እንከሎኻ አብ ማይ ሕይወት ዘይምስታይ ሞት እዩ ዘስዕብ ብመንፈስ ብፍምኢ ፍቕሪ አምላኽ ከይንመወት አብዚ ቅዱስ ጾም አብቲ ምንቺ ማይ ሕይወት ዝኾነ ኢየሱስ መድሕና ንመለስ።

ብጸግኡ ይሓግዘና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.