2017-03-18 16:21:00

ካልኣይ ስብከት ዘዓቢይ ጾም፥ መለኰታውነት ክርስቶስ ማእከል እምነት


ሰባኬ ቤተ ጳጳጳስ ኣባል ማሕበር ኣሃው ካፑቺን ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ዕለት 18 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ቅድስቲ መንበርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ሓላፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ብምስታፍ ዝካይድ መደብ ኣስተንትኖ መሪሖም ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም ካልኣይ ስብከት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ እመ መድሓኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ኣባ ካንታላመሳ ኣብቲ ዕለት 09 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ስብከት፥ ፥ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ድማኢየሱስ ጐይታ እዩኪብል ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን” (1ቆር. 12,3) እንክብሉ ካብ ዘስመርሉ ሓሳብ ብምቕጻል ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ድሕነት ምንጪ ዝዀነ ኣብ ናይ ክርስቶስ መለኰታውነት ዝተነብረ እምነት ብምዝኽኻር ካብዚ ተበጊሶም ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን እምነት እንታይ እዩ? እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፥ ዘቕረብዎ ስብከት ካብቲ ዛዕባ ክርስቶስ ጉባኤ ኒቅያን ዝብሎ ናይ እምንት ጠመቕ ወይ ከኣ ሃምነናዊ ውሳኔ ተበጊሶም፥ ብሓደ ወዱ ንኣቦ፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ነኣምንቢልካ ንምርግጋጽ ኣብ ኢየሱስ ምስ ኣቦ ትኽክል ዝዀነ ኩሉ ብኣኡ ዝዀነ ኣምልዀን ስግደትን ንምቕራብ ቅዱስ መጽሓፍን ኣይሁዳዊ ባህልን እኹል እዩ። በንጻሩ ግና ነቲ ብዙሓት ጐይቶት ዘምልኽን ዝፈልጥን ንዝነበረ ግሪክ-ሮማዊ ኣረሜን ባህሊ እቲ ጠመቕ ውሳኔ ንቂያ ብሓደ ወዱ ንኣቦ፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ነኣምንዝብል ውሳኔኡ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝዀነ ብሓደ ወዱ ንኣቦ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ነኣምን፡ ንሱ ብርሃን እንካብ ብርሃን ኡነተይና ኣምላኽ ካብ ኡነተይና ኣምላኽ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ ሃምነናውን ርግጻውን ሓረገ ሓሳብ ምውሳኽ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሓድሽ ርኽበት ዘይኰነስ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ መለኰታውነት ክርስቶስ እምነት ዘንበረት እያ፡ ስለዚህ ኣበው ንቂያ በቲ ሃምነናዊ ውሳኔኦም ኣቢሎም ነዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት ዘሰናኽል ዝነበረ ኩሉን ምድንጋራትን ንምውጋድ እዮም ዝተግሁ። ንኣብነት እቲ ግሪካዊ ልማድ ንሱ ድማ ናይ መለኰታዊ እንታይነት (essence) ዘይውለድ ዝብል እዩ። እምነት ክርስትና ግና “ወልድ፥ ካብ እውነተይና ኣምላኽ ዝተወልደ” ከምኡ ኣውን ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ፍጥረትን መጐይና መለኰት ምዃኑ የነጽር።

እቲ ናይ ንቂያ ናይ እምነት ውሳኔ “ኣብ ኩሉ ባህልን ዘመንን ክርስቶስ ‘እግዚኣብሔር’ ተባሂሉ ክእወጅ እምበር ተተሓሒዙ ዝመጽእ ወይ ከኣ ዝምንጭውን ብኻልኣይ ደረጃ ዝቕመጥን ከምዘይኰነ ዘገንዝብ እዩ። ኣብቲ ቲዮሎጊያዊ ክትዕ ኣታናስዮስን ካልኦት ወግዐ-ጽኑዕ ቲዮሎጊያውያን ነዚ ሓሳብ ከመንጭዉ ዝኽኣሉ ካብ ምጽንጻን ሓሳባትን ምርምራትን ዘይከነስ ካብ ኣስተንትኖ ናይ ሕይወት ተመክሮን ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተመክሮ ኣስተንትኖ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ እቲ ድሕነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝገብር ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር እዩ”

ክርስቲያናዊ እምነት ይብሉ ኣባ ካንታላመሳ ናይ ክርስቶስ መለኵታውነት ዝኣምን እዩ። እዚ እምነት’ዚ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማሕበረሰብናን ኣብ ማሕበረ ክርስቲያን ዘለዎን ዝወሃቦን ቦታ እንታይ ይመስል። እንታይከ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ብሓደ መዳይ ኣብ ባህልና ብዛዕባኡ ብመጻሕፍቲ ድዩ ብኪነ ፊልም ኣቢሉ ብዙሕ ይዝረብ ቢሎም፥  

“ብመዳይ እምነት እንተረአናዮ ግና ብኹርን ሃዋጺ ቡኽረትን ኰይኑ ካብኡ ሓሊፉ እውን ናይ ምንጻግ ዝምባለ እዩ ዝረአይ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ድዩ ኣብ ኪነ ፊልም ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ክበሃል ክነሱ ኣብ ሕይወት ግና ብዅር ከይኑ ይረአይ። ቦታ ዘይወሃቦ ህላዌ፡ ኣብ ኤውሮጳ እቶም ኣማንያን ኢና ዝብሉ ኣብ እንታይን ምንታይን እዮም ዝኣምኑ? ብሓፈሻኡ ኣብ ሓደ ልዑል ሓይሊ ህላዌን ክንየው እዚ ዓለምን ሰገር ዓለምን ዝዀነ ሓይሊ ኣሎ ኣብ  ዝብል ሓሳብ ዝቖመ እምነት እዩ። እዚ ድማ ምኽንያት ናይ ኩሉ ህላዌ ዝዀነ ከዋኒ ነገረ ኵሉ ኣሎ ዝብል እምነት እዩ ደኣ እምበር ክርስቲያናዊ እምነት ኣይኰነን። እዚ ንገዛእ ርእሱ ብዙሓት ናይ ስነ-ማሕበራውነ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ ኣብ ጥንቲ ኣብ ናይ ክርስትና ባህሊ ዝቐላቀል ዝነበረ ሓደ ዓይነት ዝምባለ እዩ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት እምነት’ዚ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹር እዩ።”

ብዘይ ሓደ ሕዛእቲ ኣብ ናይ ክርስቶስ መለኰታውነት እምነት ናይ ምድላይ ኩነት ኣገዳሲ ይኸውን። ኢየሱስ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ። ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ” ኢሉ እዩ። ኣንሕና ኣብ እዋናዊ ዓለም፥ “እቲ ከይተፈለጠኩም እተደልይዎ ዘለኹም መን ምዃኑ ነበስረኩም”  እዚ ከይተረድኦም ዝደልይዎ ዘለዉ መን ምዃኑ ንኸነበስር ዝተጸዋዕና ኢና ዝበሉ ኣባ ካታላመሳ ኣስዒቦም፥ ኢየሱስ እውን “እቲ ንሳኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ዝርእዩ ብጹዓን እያቶም” እንክብል ተዛሪቢ እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ኣባ ካንታላመሳ ስብከቶም እንከጠቓልሉ፥

“ብዙሕ እዋን ኣንሕና አማንያን ኣብ ክርስቶስ እንኣምን ምዃንና ብልቢ እንተደኣ ዘየነስተንትን ኰይና ኣምበኣር ሕጂ ብልቢ እነስተንትነሉ እዋን በጺሑ እዩ። ማሕበረ ክርስቲያን ሕጉሳት ንኽዀኑ ዘብቅዖም ካብ ካልኦት ንላዕሊ ምኽንያት እንተድኣ ዘይብሎም ከመይ ቢሎም እዮም ብጹዓን ክበሃሉ ዝክእሉ? ስለምንታይ ደኣ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ስለ እቲ ኣብ ክርስቶስ ብዘለዎም እምነት ይቕተሉን ይስውኡን? መልሱ ባዕሉ ኢየሱስ ከምዝብሎ እዩ። ስለ ዝረአኹምን ናይ ሕይወትን ሞትን ትርጉም ስለ ዝተረዳእኩምን፡ ‘መንግስቲ ኣምላክ ናትኩም እዩ! … ማለት ድሮ ኣባላት መንግስቲ ኣምላኽ ኢኻትኩም ነዚ ቀዳምነት’ዚ ድማ ድሮ ተስተማቕሩ፡ ኣነ ዘለዎም ኢኻትኩም (ኣነ ኣለኹኹም) ብሓቂ እዚ ዝምስጥ ቃልን ተግባርን ድማ ኣለኹክን ኣለኹልካን ዝብል ሓንቲ መርዓት ካብ መርዓዊኣን ሓደ መርዓዊ ካብ መርዓቱ ክሰምዖ ዝደልዮ ቃልን ተግባርን እዩ። እዚ ሕጉስ ዝገብር እዩ። ኢየሱስ ከምዚ እትብሎ መርዓት ኣትኾኖ ቤተ ክርስቲያን ትግብኦ … ግቡኣቱ (እንግብኦ) ንኹን፡ ኢየሱስ ሕጉሳት ከምዝገበረና ዘይስምዓና እንተድኣ ኰይንና ብኣኡ ሕጉሳት ንኸይንኸውን ዝዕንቅጸና እንታይ እዩ ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት፡”

ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.