2017-03-21 16:48:00

መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ፋጢማ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮካብ ዕለት 12 ግንቦት ክሳብ ዕለት 13 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ግልጸተ ማርያም ዘፋጢማ ኣብ ፋጢማ ሓዋያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተም ዕለት 20 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ካብ ዘውጽኦ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት ክልተ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ዕስራ ደቓይን ኣብ ሞንተ ሪያል መዕርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ኣጋይሽ ምስ ናይ ፖርቱጋል ረፓብሊክ ርእሰ ብሔር ክሊኣዊ ርክብ ኣካይዶም ብቐጥታ ናብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ነቒሎም ልክዕ ሰዓት ሹዱሽተን ርብዕን ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ግልጸተ ዘማርያም ናይ ግሊ ጸሎትን ኣስተንትኖን ፈጺሞም ኣብኡ ምስ ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናን ብሓባር ጸሎት መቁጸርያ ክመርሑ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ዕለት 13 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ምስ ናይ ፖርቱጋል መራሔ መንግስቲ ክራኸቡን ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ኣብ ዓቢይ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ቤተ መቕደስ ካብ ፖርቱጋል ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ህሙማን ዝሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ልክዕ ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ምስ ናይ ፖርቱጋል ብፁዓ ጳጳሳት ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶምን ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ካብ ፖርቱጋል ተሰናቢቶም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ሮማ ቻምፒኖ መዕርፎ ነፈርቲ በጺሖም ናብ ሃገረ ቫቲካን ክኣትዉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.