2017-03-21 16:59:00

ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኽ ኣብ ቅድስቲ መንበር


ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ልኡኽ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም. ናይ ተልእዀ ዘመኖም ዘብቅዑ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዳቪድ ሞክሶን ንኽትክኡ ኣብ ብሩንዲ ናይ እትርከብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ 2005 ዓ.ም. ክሳብ 2016 ዓ.ም. ቀዳሜ ሊቀ ጳጳስ ኰይኖም ዘገልገሉ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ በርናርድ ንታሆቱሪ ከምእተሾሙ ናይ ውህደት ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዩስቲን ወልባይን ከምዝወሰኑንን ቀጺሎም እውን ኣብ ሮማ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማእከል ኣመሓዳሪ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ መንበር ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ኣሞርኵይዙ ዘመሓላለፍዎ ዜና ዝተወከሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 20 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ንታሆቱሪ ኣብ 1948 ዓ.ም. ኣብ ብሩንዲ እትርከብ ማታና እተሰየ ቁሸት ከምእተወልዱን ኣብ 1973 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ቀጺሎም ኣብ ሎንደን ካምብሪድጅ መንበረ ጥበብ ደሓር እውን ኣብ ኦስፎርድ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅነት ኣመስኪሮም ናብ ትውልዲ ሃገሮም ብሩንዲ ተመሊሶም ናይ ብሔር (civil) ኣገልግሎቶም ጀሚሮምን ቀጺሎም ኣውን ናይ ርእሰ ብሔር ዣን ባብቲስተ ባጋዛ ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ዋና ኣማኻሪ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ኣብ 1978 ዓ.ም. ድሕሪ ወትሃደራዊ ዕልዋ መግስቲ ባጋዛ ምኽንያት ካብ 1978 ዓ.ም. ክሳብ 1990 ዓ.ም.  ከምእተኣሰሩን ኣብ 1997 ዓ.ም. ኣብ ብሩንዲ ማታና ናይ እትርከብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ኰይኖም ምስ ተሾሙ ኣብ 2005 ዓ.ም. ኣብ ብሩንዲ ናይ እትርከብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ሊቀ ጳጳስ ኰይኖም ተሓሪዮም በዚ ሓዋርያዊ ሓላፍነት’ዚ ድማ ክሳብ 2016 ዓ.ም. ከምዘገልገሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያን መግለጺ ጠቑሱ የመምልክት።

ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ንታሆቱሪ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናብ ሓድነተ ኣሚቱ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዓሚዩቕ ተመክሮ ዘለዎምን ስለ ኣሃድነት ኣቢያተ ክርስትያን ብዙሕ ዝጽዕሩን ዘገልግሉን ካብ 1998 ዓ.ም. ኣትሒዞም እውን ናይ ዓለም ሓቆፍ ኮሚቴ ቤተ ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባልን ናይ ሓባር ተግባር ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካል ኣባል ኰይኖም ዘገልገሉ ምዃኖን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ዝጠቐሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ፥ ኣብ ታንዛኒያ ናይ ብሩንዲ ኣብ እዋን ናይ ሰላምን ዕርቅን ዘተ ናይ ብሩንዲ ፖሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበረ ሰብ ወኪሎም ከምእተሳተፉን ናይ ብሩንዲ ናይ ሓቅን ዕርቅን ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር ኰይኖም እውን ዘገልገሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.