2017-03-21 17:38:00

ቅዱስ ዮሴፍ ሰናይ ዝኾነን ዓበይቲ ነገራትን ንምሕላም ክእለት ይዓድለና! ር.ሊ.ጳ


ላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትማሊ ዕለት 20 መጋቢት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ እንክትዝክር እቲ ወትሩ ዝከረሉ ዕለት 19 መጋቢት እኳ እንተኾነ ኣብ ጾመኣርባዓን ሰንበትን ስለዝወዓለ ንትማል ሰኑይ ክበዓል ተወሲኑ፣ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ዘለዋ ኣኽብሮትን ናብ ኣማልድነቱ ዘለዎም ኣድናቆትን ብዝተፈላለይ ኣገባባት ይግለጽ፣ ገሊኦም ጸሎት ታስዕቲ ገሊኦም ብሰንሰለት ቅዱስ ዮሴፍ ዝፍለጥ ቀጻሊ ጸሎት ገሊኦም ንሰላሳ መዓልቲ ማለት ንምሉእ ወርሒ መጋቢት ዝቅጽል ጸሎት ብምዝውታር ንዝተፈለለየ ኣድላይነታት ኣማልድነቱ ይምሕጸኑ፣

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስውን ትማሊ ኣብቲ ልሙድ ናይ ቅዱስ ማርታ ቤትጸሎት ምስ መሳርሕቶም ንዝኽሪ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዘዕረጕኦ መስዋዕተ ቅዳሴ ‘ቅዱስ ዮሴፍ ብሕልፊ ንመንእሰያትና ንመጻኢ ብተስፋ ክጥምቱን ሰሰናዩ ብምምንይን ምሕላምን ነቲ ኣብ ሕልሞም ዝተዋህቦም ዕዮ ገዛ ንምፍጻም ጠኒኖም ክኣትው ትብዓት ይሃቦም` እንክብሉ ነቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ምጽናሳ ከይፈለጠ ብስውር ከሰናብታ ክሓስብ ከሎ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ሕልሙ ‘ዮሴፍ ንሕጽይትኻ ማርያም ምሳኻ ንክትወስዳ ኣይትፍራሕ እቲ ጸኒሳቶ ዘላ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢየሱስ ቢልካ ከኣ ክትሰምዮ ኢኻ ምስ በሎ ካብ ድቃሱ ምስ ተንሰኤ ነቲ መልኣኽ ዝበሎ ሰጋእ ከይበለን ብዘይወዓል ሕደርን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ምስኡ ከምዝወሰዳ’ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ተንቲኖም፣ ከምቲ ወንጌል ዝገልጾ ቅዱስ ዮሴፍ ትሑትን ጻድቅን ኮይኑ ልዕሊ ኩሉ ተኣዛዚ ከምዝነበረን በዚ ከኣ ነቲ ነቦና ኣዳምን ሔዋንን ኣቀዲሙ ስዒቡ ከኣ ንኣብርሃምን ደቁን ኣብ መወዳእታ ከኣ ብግህዶ ንንጉስ ዳዊት ካብ ዘርኡ ወራሲ ዘለዓለማዊ ንጉስ ዝፋኑ ንዘለዓለም ዝኾነ መሲሕ ክውለድ ዝተነግረ ሓላፍነት ናይ ወለዶን ውርሻን ኣቦነትን ጽንዓትን ክቅበል ከምዝበቅዔ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘እዚ ሰብዚ እዚ ሓላሚ እዚ ነዚ ሓላፍነት ክቅበልን ምስ ኩሉ ክበዱን ጸገሙን ዝተዋህቦ ዕዮገዛ ብምፍጻም ንኣና ብዙሕ ነገር ይምህረና ምናዳ ከኣ ኣብዚ ግዜ ዝኽትምና ዝመልኦ ዘመንና ዝተዋህበና ዕዮገዛ ብግቡእ ክንፍጽም የተባብዓና። ቅዱስ ዮሴፍከስ ብሱቊታ ነቲ ዝተዋህቦ ተስፋ ሒዙ ይጐዓዝ እግዚኣብሔር ክፍጸም ከምዝደልዮ ስለዝፈልጥ ከኣ ብትብዓት ንቅድሚት ሒዝዎ ይግስግስ፣ እንክብሉ ትብዓቱን ጽንዓቱን እምነቱን ትሕትናኡን ምስ ገለጹ፣ ቅዱስነቶም ናባና ምልስ ይብሉ እሞ ገለ ንዓና ዝምህረና ነገርከ ይህልዎዶ ቢሎም ይሓቱ እሞ ‘እወ ብዙሕ ነገራት ክብለና ይኽእል ኮይኑ ንሱ ናይ ዘረባ ሰብ ስለዘይኮነ በቲ ሕቡእ ሕይወቱን ብስቅታኡን እዩ ዝዛረብ፣ እግዚኣብሔር ንከምዙይ ዝበለ ትሑትን ድኹምን ሰብ ክንድዙይ ዚኣክል መደብን ተስፋን ከሰክም ከሎ ዘገርም እዩ፣ ሕስብ እሞ ነብሎ ልደት ኢየሱስ ኣብ በዓቲ ኣብ መንገዲ እንደገና ነዲኡን ንሕጻንን ሒዝካ ንግብጺ ምህዳም፣ ከመይ ገብሩ ደኣ ክኢልዎ እንተበልና ንኩሉ  ድኻምነት ብርሕራሔን ጥንቃቄን ከምቲ ንሓደ ሕጻን ተጠንቂቅካ እተሓቊፎ ዓይነት ኣተሓሕዛ የድሊ፣ ቅዱስ ዮሴፍ ኣይዛረብን ኮይኑ ይእዘዝ በዚ ከኣ ብሕያውነት ነቲ ተስፋ ከምዝፍጸም ይገብር፣ ነቲ ብትንቢት ዝተነገረ መንግስተ ኣቦና ዳዊት መንግስቲ እግዚኣብሔር ክጸንዕ ኣቦነት እግዚኣብሔርን ናትና ውሉድነትን ከምዝረጋገጽ ይገብር፣ ብሓጺር ኣገላልጻ ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ድኹማት ሓላዊ  ኮይኑ ካብ ድኻምነትናን ሓጢኣትናን ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ከምዝውለድ ዝገብር ጻድቅ ሰብ እዩ፣ ነቲ ብሕልሚ ዝተነግሮ ነግፈረግ ከይበለ ዝፈጸመ ክሓልም ዝኽእል ሰብ እዩ ነሩ፣ ነቲ እግዚኣብሔር ዘሕለሞ ስለድሕነት ኩልና ኢሉ ተቀቢልዎ፣ ኣብ ርእሲኡ ጸራብ ዕንጸይቲ ኮይኑ ወትሩ ብሱቊታ ይሰርሕ ከምዝነበረ ከኣ ዘይምዝንጋዕ፣ ስለዚ ንኩልና መልእኽቲ ኣለዎ፣ ሰናይ ዝኾነን ዓበይቲ ነገራትን ክንሓልም ክንክእል ምናዳ መንእሰያትና ከመይ ቅዱስ ዮሴፍ እውን ጐበዝ ነሩ እዩ፣ ከምኡውን ከምቲ ንሱ ኣማንን ጻድቅን ዝንበረ ብሱቊታ ከኣ ዕብየቱ ዝገለጸ ንሕናውን ካብኡ ንመሃሮ ብዙሕ ነገር ኣሎ፣ ድኻምነትናን ድኻምነት ካልኦትን ክንጻወር ክንክእል ጸጋኡ የብዝሓልና፣ ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.