2017-03-23 18:12:00

ወርቃዊ ኢዮቤል ክህነት ኣሕዋት ፍራቸስካውያን ጥቀ ክቡራን ኣባ ኃይለኣብን ኣባ ዓንደሚካኤልን


ሰንበት 19.03 2017ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ግዕዝ ሚላኖ ማዕሪጋ ወዓለት። እቶም ዕድለኛታት ሰብ ጸጋ ወርቃዊ ኢዮቤል ክህነቶም ዝቀደሱ ክልተ ኣቦታት፣ ጥቀ ክቡር ኣባ ኃይለኣብ ኪዳነማርያም ተስፋ (ዓደብዑር)፡ ጥቀ ክቡር ኣባ ዓንደሚካኤል ተኽሉ ዓንደሚካኤል (ተራእምኒ) ነበሩ።

ጥቀ ክቡር ኣባ ኃይለኣብ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ኪዳነማርያም ተስፋን ኣደኦም ወይዘሮ ብርኽቲ ተኽለን ኣብ ዓደብዑር፡ ብዕለት 8 ግንቦት 1936 ዓም ተወልዱ። ብዕለት 2 ነሐሰ 1959 መጀመርያ መብጽዓ ብዕለት 2 ነሐሰ 1962 ዓቢ መብጽዓ ብዕለት 19 መጋቢት 1967 ዓም ከኣ መዓርገ ክህነት ተቀበሉ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጥቀ ክቡር ኣባ ዓንደሚካኤል ካብ ኣቦኦም ኣቶ ተኽሉ ዓንደሚካኤልን ኣዲኦም ወይዘሮ ቅዱሳን ተስፋጊዮርጊስን ብዕለት 22 ጥቅምቲ 1936 ዓም ኣብ ተራእምኒ ተወልዱ። ብዕለት 2 ነሐሰ 1959 መጀመርያ መብጽዓ ብዕለት 2 ነሐሰ 1962 ዓቢ መብጽዓ ብዕለት 19 መጋቢት 1967 ዓም ከኣ መዓርገ ክህነት ተቀበሉ፣

ብምኽንያት ''ኢዮቤል ዓመተ ርኅራኄ'' (Giubileo della misericordia) ኣብ ተልእኮ ምሥጢረ ንስሓ ተወፊዮም ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ከገልግሉ ስለ ዝጸንሑ፡ ምስ ደቂ ሃገሮምን ብሥርዓት ግዕዝን ክቅድስዎ ወሰኑ። ሠናይ ኣጋጣም ኮይኑ ከኣ ኣኅዋቶምን ደቂ ማኅበሮምን ብፁዓን ጳጳሳት፣ ኣቡነ ወልደትንሣኤ ገ/ጊዮርጊስ ልኅቀ ጳጳስ ሰበኻ ሃረርን፡ ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ኤጳርቃ ሰበኻ ባረንቱን ኣብቲ ከብካብ ክሳተፉ ከኣሉ። ብጳጳሳትን 14 ካህናት ቀዳስያንን ተማእኪሎም፡ ብዙኃት ምእመናን ዝተሳተፍዎ ብዓጀባ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ።

ኣባ ተኽሎም ብርሃነ ቆሞስ ምእመናን ሥርዓት ግዕዝ ሚላኖ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅረቡ፡ ''' ኢኃደጋ ለምድር እንበለ ካህናት ወዲያቆናት '' ብፁዕ ኣቡነ ወልደትንሣኤ ገ/ጊዮርጊስ ልኅቀ ጳጳስ ሰበኻ ሃረር፡ ብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ኤጳርቃ ሰበኻ ባረንቱ፡ ክቡራን ኣቦታተይን መማህራነይን፣ ኣባ ኃይለኣብ ኪዳነማርያምን ኣባ ዓንደሚካኤል ተኽሉን፥ ዝኸበርኩም ኣቦታተይ ካህናትን፡ኣኃተይ ደናግልን ምእመናን ኣቦታትን ኣደታትን ዓበይትን ናኣሽቱን መንእሰያትን ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ፡ ነቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ኣብ ዓጸደ ወይኑ ክዕድሞም እንከሎ ኣብ ባሕሪ ገሊላ፣“ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩምሲ ንዑ ሰዓቡኒ” (ማር.1,17) ብምባል ብዂሪ ማዕጾ ፀጋ ጸዋዕታ ክህነት ተለመ።

እዚ ምሥጢራዊ ጥዑም ብስራት'ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድን ኲነት ሕይወትን ዝነብሩ ንዝነበሩ፡ ንተልእኮ ግብረ ድኅነት መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ንክቅጽሉ ን2000 ዓመት ዝተጋውሔን ዝተቓልሔን ሕሹዂታ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ዕድመ'ዚ ከኣ ሓደ መዓልቲ ኣኻውሕን ደናጒላን ዓዲኣብዑር ጨዲዱ፡ ኲርባን ጐላጐልን ተራእምኒ ጥሒሱ ጎቦታትን ዱርን ምሕላብ (መንሳዕ) ሰንጢቑ፡ ኣብ ዓጸደ-ወይኒ ጐይታ ክትሰርሕ ናዓ! ተባሂልኩም። ኣባ ተስፋጊዮርጊስ ዘርኣይ፡ብ4ለካቲት 1971 ኣብ ሸዊት ዕድመኦም ወዲ 35ዓመት ናብ ዓዲ ኲላትና ቀዲሞምና ኃሊፎም፡ ኣብ ሱታፌ ቅዱሳን ስለ ንኣምን፡ ሎሚ ኢዮቤሎም ኣብ ሰማይ የብዕልዎ ከም ዘሎዉ እምነትና እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ ክህነት በዚ ምስጢራዊ ዕድመ ጐይታ ተቓሊሑ ከብቅዕ፡ ንወሃቢ ጸጋ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ንዘለዓለም ምምስጋኑ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝውሰኾ የልቦን። 19 መጋብት 1967 በዓል ቅዱስ ዮሴፍ፡ ሓጋይ ምድሪ፡ ኣብ ገዳም ገዥረት ኣሥመራ፡ርእሰ ኣድባራት ማኅበርና፡ ብኢድ ብፁእ ኣቡነ ጁሰፐ ሞዮሊ መዓርገ ክህነት ተቐበልኩም። ''ድልው ውእቱ'' (ቅሩብ እዩ) ምስ ተዜመልኩም፡ ኣብ ሓዋርያዊ ተልእኮኹም ኣምራሕኩም።

ቀላሲት ኣገደስቲ ምዕራፋት ሕይወትኩም ቅድስቲ ሥድራ ኢያ ነይራ እንተበልኩ ካብ ሓቒ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ከመይ ኣባ ኃይለኣብ ኣብ ወርኂ ግንቦት ኢኹም ተወሊድኩም። ኣባ ዓንደሚካኤል ከኣ ኣብ ወርኂ ጥቅምቲ (ዘመነ ጽጌ)። ክልቲኡ ኣዋርኅ ከኣ ንእግዚእትነ ማርያም ዘተወፈየ እዩ። ምብጻዓ ዝገበርኩሙሉ 2 ነሓሰ ብምሕረት ኣሲዚ ዚፍለጥ (Perdono di Assisi) ቅድስቲ ማርያም ዘመላእክት። ክህነት ዝተቐበልኩምሉ 19 መጋቢት ቅዱስ ዮሴፍ።

ብኃባር ንድኅሪት ምልስ ኢልና፡ 81 ዓመት ይገብር ንዝፈጠረትኩም ቅድስቲ ሥላሴ፡ 59ዓመት ይገብር ማሕላ ተወፍዮ ፍልስናኹም ንዝተቐበለ ኣምላኽ፡ 50 ዓመት ይገብር መዓርገ ክህነት ዘልበሰኩም ሕያዋይ ጓሳ መድኃኔ ዓለም ነመስግኖ ኣሎና።

ኢዮቤል፣''ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ቊጸር፥ ድምሩ ኣርባዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ፥ ነታ መበል ኃምሳ ዓመት ቀድስዋ፥ እዚኣ ዓመት ዕልልታ ስለ ዝኾነት ቅድስቲ ትኹነልኩም'' (ኦዘሌ.25.8,10,12)። እወ! 'ዓመተ ፀጋ ኣምላኽ' (ሉቃ.4,18-19)፡ እወ! ዓመተ ምስጋና፡ እወ! ዓመተ ዕልልታ። ትርጒሙ እናማዕበለን እናኣስፋሕፍሔን ብምምጻእ፡ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብሩራዊ (25)፡ ወርቓዊ (50)፡ኣልማዛዊ (75) ኢዮቤል እናተባህለ ይዝከርን ይቅደስን ኣሎ። ሎሚ ወርቃዊ ኢዮቤል ጸጋ ክህነት ኣቦታትና ክንቅድስ እንከሎና ናብ እመ ኣምላክ ክንጥምት ንዕደም። በቲ ዝረኸበቶ ፀጋ ኤልሳቤጥ ምስ ሞጎሰታ፡ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ ደስ ይብሎ” ብምባል ንኤልሳቤጥ ዘመዳ መለሰትላ።

ንሕና'ውን ሎሚ ድኅሪ 50 ዓመት ተሳተፍቲ ሓጎስኩም ብምዃን ምሳኻትኩም ኀቢርና ካብ'ዚ ብዘይፍለ ካብ ውሽጢ ልብና ካብ ብዝግንፍልን ባሕሪ ከብድና ብዘጒስዖን፡ ንሕያውነትን ግብርታትን እግዚኣብሔር እናኣድነቅና፡ ነሞጒሶን ነኽብሮን ነመስግኖን ኣሎና።

ርእሰ ሊ.ጳ.ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ፣ ወርቃዊ ኢዮቤል ክህነቶም ኣብ ዝቀደሱሉ፣ 'ነፍሲ ወከፍ ፀጋ ጸዋዕታ ክህነት ሓደ ዓቢ ምሥጢርን፡ ልዕሊ ዓቅሚ ሰብ ዝኾነ ህያብን እዩ። ንሕና ካህናት ኣብ ምሉእ ሕይወትና እነስተማቅሮን እንዝምከሮን  ዘሎና መንፈሳዊ ሕይወት እዩ' እናበሉ፡ ዕቤትን ክብረ-ግርማ ምሥጢረ ፀጋ ክህነት ክገለጹ ተረኽቡ።

ኣባ ኃይለኣብን ኣባ ዓንደሚካኤልን ሓጎስን ራዕድን ብዝተፈራረቖ ድምጺ “እነኹ” በልኩም። እቲ ድምጽን ውሳኔን ኣብ “እነኹ ኣብዚ ኣሎኹ” ዝብል ገርህን ተራን ቃል ተሓጽሩ ከይተረፈ፡ መቓልሕ መቀጸልታ ቃል ነብይ ኢሳይያስ ብምዃን፣ “ኣምላኸይ እነኹ ንዓይ ለኣኽ” (ኢሳ.6,8) ዚብል ነጐዳ ኢዩ። 'ክሰብኽ ለኣኸኒ፡ ግን ከኣ ቕድም ክሰምዕ ፀጋ ብቅዓት ዓድለኒ። ከጸናንዕ ለኣኸኒ፡ቅድም ግና ኲንታቶም ክሳተፍ ደግፈኒ። ክመርኅ ለኣኸኒ፡ ግን ከኣ ምልላይ መንፈስ ጸግወኒ”። ምስማዕ፡ ምስታፍ፡ ምልላይ ዝብላ ቃላት፡ ልክዕ ከም ምስባኽ፡ ምቅዳስ፡ ምምራሕ፡ ጻዕርን ጽንዓትን ዘድልየን ኢየን።

ምእንቲ'ዚ ንእግዚኣብሔር ሰለስተ ግዜ ቅዱስ ምሕረትካ ንዘለዓለም እዩ ዝነብር እናበልና፡ ብሱቊታ ምምስጋን እዩ፡ ወይ ከኣ ''ዘኢይትነገር'' ኢልካ ምብርካኽ እዩ። እወ! በቲ ሓደ መዳይ ከኣ፥ ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ሥርዓት ግእዝ፡ቅድሚ ቊርባን ምቅባልና እንጽልዮ፣ ዲያቆን፥ ንቀዳሲ ካህን 'ተመልከት – ነጽር' ምስ በለ፡ ካህን፥ ብጊዲኡ፥ 'ቅዱስ ንቅዱሳን እዩ – ቅዱሳት ለቅዱሳን'፡ ሕዝቢ፥ ይምልሱ፥ 'ሓደ ኣብ ቅዱስ እዩ፡ ሓደ ወልድ ቅዱስ እዩ፡ሓደ መንፈስ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ። ቀዳሲ፣እግዚኣብሔር ምስ ኲልኻትኩም ይኹን ኢሉ፡ ናብ ''እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ'' ይሓልፉ። ብሓቒ ዓሚቚ ትርጒም መንፈሳውነት ዝሓቆፈ ጸሎት እዩ።

ምእንቲ'ዚ ብዘይካ ቅድስቲ ሥላሴ ቅዱስ የልቦን እሞ፡በቲ ኣብ ጒዕዞ ክህነታዊ ተልእኮኹም ማዕረ ጸዋዕታኹም ኮንኩም ዘይተረኸብኩምሉ ምሳኻትኩም ኀቢርና ካብ ርኅሩኅ ኣቦ ምሕረት ንልምን። እቲ ብቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ 'ንክርስቶስ ክንመስል' ዝተረከብናዮ ሓደራ፡ ምልኣት ከይረኸበ ክፉት ምዕራፍ ኮይኑ ይነብር ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምሥጢር እዩ። ካህን ከም ኲላቶም ክርስቲያን ንሕይወቱ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከረክባን ኣብ መሕረቱ ክምሕጸንን ይርከብ። ግን ከኣ፡ እወ! ''ብዙኅ ንዝሃብዎ ብዙኅ ይደልይዎ'' (ሉቃ.12,48)፡ እንደገና፣''ጐይታ ኣብቶም ኣብ ዓቢይ ሥልጣን ዘሎዉ፡ ዓቢይ ፍርዲ ስለ ኬውርድ'' (መጽ.ጥበብ ሰሎ.6,5)፡ ዝኀለፈን ተሪፉ ዘሎ ዕድሜናን ኣብ ምሕረቱ ኣቐሚጥና፡ ንሱ ክሳብ ዝመጽኣሉ ዕለት፡ዕርፍና ኂዝና ንቕድሚት ክንጥምት፡ ልብና ኣብ ተስፋ ርኅራኄኡን ሓልዮቱን ይቋመት።

50 ዓመት ጒዕዞ ክህነታዊ ተልእኾ! ሓንሳብ ንድኅሪትዶ ክመልሰኩም? በዓል ቅዱስ ዮሴፍ። ወንጌል፣ትሑት፡ ቅኑዕ፡ ርቱዕ፡ ጻድቕ እናበለ ዝምስክረሉ። 19 መጋቢት 1967 ናይ ሓጎስ ናይ ደስደስ መዓልቲ! ካብኡ ንደኀርከ? ክንደይ ዘይተጓዕዛ ኣእጋርኩም፡ ክንደይ ዘይባረኻን ዘይፈትሓን ዘይቀደሳን ኣእዳውኩም? ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንሱዳን ንሃገረ ኢጣልያ! ማኅበር ኣብ ዝለኣኸትኩም ተኣእዚዝኩም ክትከዱ። 50 ዓመት ናይ እምነትን ተስፋን፡ድኻምን ሃለኽለኽን፡ ናይ ውረድ ደይብ ሓጎስን ሓዘንን፡ ጥዕናን ሕማምን፡ ሰሓቅን ብኽያትን፡ ስቕያትን ፍሽኽታን፡ ሓደጋ ማኪናን ኣትማንን ወዘተ። ኲሉ ሓሊፉ ትማሊ ትማሊ ይመስለኩም ይኸውን። ክንደይ ተዘክሮ!!!!!

ክቡራን ኣቦታትና፣ንስኻትኩም ነቲ ሓጐጽጐጽ ዝመልኦ ዘመን ሕቖኹም ሂብኩሙሉ ተዓዊትኩም! ኣብ ዝባንኩም ዘደፋንቑ ተዘክሮ ተሓንጊጥኩም፡ ንመጻኢ ዘመን ንኣኅዋትኩምን ንመንእሰያት ደቕኹምን ብምርካብ ብሓቂ ናይ ደቂ እግዚኣብሔር መጻኢ ዝበለጸ ዘመን እናተመነኹም ትሽምግሉ ኣሎኹም።

እወ!ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ብርሃን ዓለምን ጨው ምድርን ክኸውን ጽዉዕ እዩ። ብፍላይ ከኣ ካህን 'ብኣንብሮ እድ' ነቲ ኡንኮ ድኅነት ወዲ ሰብ ዝኾነ ብሥራተ ወንጌል፡ ንሓደስቲ ወለዶ ከውርሶም ብባሕርይ ጸዋዕታኡ ብዝተቀበሎ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ትሑዝ እዩ። መንግሥቲ ኣምላኽ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ሰንሰላታዊ ቀጻልነት ስለዘሎዎ፡ እናተወራረሰ እዩ ዝኸይድ። ብፍላይ ሎሚ መባዂዕቲ ዝድለየሉ ዘየላቡ ጊዜ እዩ። ንሕይወት መቀረት ክህቦን ክትነብሮ ዕዙዝ ጣዕሚ ዘልብሶን ከኣ ንሱ ጥራይ ኣዩ። ከመይ ኡንኮ ''መገድን ሓቒን ሕይወትን'' (ዮሓ.14,6) መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ እዩ። ሥራሕና ውጺኢታውን ኣድማዕን ምእንቲ ክኸውን ኢድ እግዚኣብሔርን ብርሃን መንፈስ ቅዱስን የድልዮ፣ “እቲ ዜብቚል ኣምላኽ ደኣ እምበር እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሶ የብሉን” (1ቆሮ.3,7)። እቲ ወሳኒ ጒዳይ ኣብ ኢዱ ብቑዕ መሳርሒ ምዃን ጥራይ እዩ።

ብፍላይ ንኣኻትኩም ክቡራን ኣቦታትና ኣባ ኀይለኣብን ኣባ ዓንደሚካኤልን፡ እዚ ሎሚ ብሕዝበ እግዚኣብሔር ተኸቢብኩምን ተዓጂብኩምን እተዕርግዎ ዘሎኹም መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ብዝሓለፈ ምስጋና ብዝመጽእ ከኣ ልመና ዝሓቆፈ እዩ እንተበልኩ ካብ ሓሳብኩም ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ነቲ ካብ 50 ዓመት ይገብር ዝተለምኩሞ፡ ኣብ መዝገብ ሕይወት ተዓቒቡልኩም ዘሎ ከይጸብጸብኩም ክሳብ ናብኡ ዝጽውዓኩም፡  ኣብነት ቅዱስ ለዮፖልዶን ቅዱስ ፓድረ ፒዮን ኣኅዋትና ተመርኲስኩም፡ ንነፍሳት ብምሥጢረ ንስሓ ምትዕራቕ ክትቅጽልዎ ከሎኹም ጸሎትኩም፣'ኦ ጐይታይ ኣብ ዓለም ድምጽኻ ሰሚዐ ስዒበካ፡ ሕጂ ከኣ ከም ፍቓድካ ገጽካ ክርኢ ኣብቓዓኒ' ምባል እዩ። መን ይፈልጥ ኣልማዛዊ ኢዮቤል (75) እውን ትቅድሱ ትኾኑ፡ ንመን ኢሉዎ። ግን ከኣ ንጊደ ሓቒ፡ ከምቲ መዘምር ዚብሎ፣ ''ዕድሜና 70 እንተ በዝኀ 80 ዓመት እዩ። 81 ረጊጽኩም ኣሎኹም፡ ናይ ጠንካራት ሰብ ፀጋ እዩ። ካብኡኸ . . . .

ዝኸበርኩም ኣቦታትና፣ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ኮነ ጸዋዕታ ክህነት እዝንኹም ጸሊኹም ሰሚዕኩም ዝመለስኩም ነመስግነኩም። ንቅድስናኹምስ ገዳማዊ መብጻዓ ምኣኸለኩም ነይሩ። ግን ከኣ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ከተገልግሉ፡ናብ ምሥጢረ ክህነት ብምስጓም፡ 'ሕራይ እሺ' ስለ ዝበልኩም ድርብ ሞጎስን ምስጋናን ይግባኣኩም።

ዝኸበርኩም ኣኃተይን ኣኅዋተይን ምእመናን፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ሓንሳብ ናባኹምዶ ክምለስ? እወ። “ሊቀ  ካህናት ዘበለ ዂሉ ካብቶም ከምኡ ዝኾኑ ሰባት ይኅረ። ንእግዚኣብሔር ብዜርኢ ነገር ከኣ መባእን መስዋዕትን ስለ ኃጢኣት ምእንቲ ኼቅርብ፡ምእንቲ ሰብ ይሽየም” (ዕብ.5,1)። “ካህን ዘበለ ዂሉ ኣብ ጸጽባሕ ኣገልግሎቱ ይፍጽም፡. . . መላሊሱ ድማ መስዋዕቲ የቅርብ”(ዕብ.10,11)። ኅብስትን ወይንን ኣብ ሥጋን ደምን መድኃኒና ዝልውጥ፡ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ካብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ክወርድ፡ ብጸጋ ሥልጣን ክህነቱ መንፈስ ቅዱስ ከምዝዓስሎ ዝእዝዝ ቅቡእ እዩ። ምእንቲ'ዚ ካህን ኣውራ ንኣና ንምእመናን እዩ ዘድልየና። ቅዳሲ ጳጳስ፡ ኣቡን፡ ቀዳሲ ካህን፡ ቀዳሲ ፈላሲ፡ ቀዳሲ ሞኖኮስ እንተ ዘይብልና፡ ቅዱስ ቊርባን የብልናን፡ ምሥጢራት ዝሰርዓልና የብልናን፡ ብምሥጢረ ንሳሓ ምስ ኣምላኽና ዘተዓርቐና የብልናን። ስለ'ዚ ንኣና ምእንቲ ክሕሸና፣ ቃል ኣምላኽ ዝምግቡና፡ ዝቅድሱና፡ ዝባርኹና ቅዱሳት ካህናት ከይጐድሉና፡ ነቲ ዋና ግራት ኣብ ግራቱ ዓየይቲ ክልእከልና ወትሩ ክንልምኖ ኣሎና። ካህን ከማና ኃጢኣተይና ሰብ እዩ፡ መልኣኽ ኣይኮነን። ከም ማይ ጽብሓት ጽሩይ እዩ ማለት'ውን ኣይኮነን። ልዕሊ ሰብኣዊ ዓቕሙ ዝኾነ መዝነት ተሸኪሙ ዘሎ ሰብ እዩ። ምእንቲ'ዚ ኣብ ጸዋዕታኦም ጸኒዖም ክነብሩን ከገልግሉናን እግዚኣብሔር፡ ጥበብን ኃይልን ጽንዓትን ክህቦም ክንጸልየሎም ይግባኣና። በዚ ከኣ እዮም፡ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወትሩ ኣብ ምዝዛም ስብከቶም፣ ''Pregate per me'' ዝብሉ። ንካህናትና፣ ምናልባት ኣብ ክንዲ ንሓምዮም ንጻረሮም ነጨንቖም ኣብ ጐድኖም ንኹን፡ ብዂሉ ብመንፈስ ኮነ ብሥጋ፡ ብርካብና፡ ብምኽርና፡ ንደግፎም፡ ነተባባዓዮም፡ ኣጆኹም ንበሎም።

ኣብ ምዝዛም ኣስተንትኖና፣ ኣቦና ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ኣብ ካህን ዝነበሮ ኣኽብሮት ንምርዳእ፡ ብዙኅ ጊዜ ዝደግሞ ዝነበረ ሓደ ኣብነት ክንጠቕስ፣ ''ሓደ ካብ ሰማይ ዝወረደ ቅዱስን ሓደ መስኪን ካህንን፡ኣብ መገዲ ብሓደ እንተ ዝጓነፉኒ፡ ነቲ ካህን ሰላም ክብሎን ኢዱ ክሳለምን ምተጓየኹ። ነቲ ቅዱስ ከኣ ዎ ቅዱስ ሎረንሶ፡ ተዓገሰኒ! ምኽንያቱ ኣእዳው'ዚ ሰብ'ዚ ንቓል ሕይወት ይትንክፋ፡ መልዕልተ ባሕሪያዊ ሥልጣን ከኣ ኣሎወን ምበልኩዎ'' ይብል (2Cel.790)። ወርቓዊ ኢዮቤል ክህነትኩም ትቅድሱ ዘሎኹም ኣቦታትና፣ እንቛዕ ነዚ ኣብቅዓኩም፡ ዕድመን ጥዕናን ንምነየልኩም። ንቅድስና ከኣ ይግበረልኩም። ንኣና ከኣ ዝተባረኸን ዝተቀደሰን መዓልቲ ይግበረልና። በረኸትን ጸሎትን ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ከኣ ኣይፈለየና።'

ኣብ ምዝዛም ቅዳሴ ኣቡነ ወልደትንሣኤ ቃል ሰላምታን መስጋናን ኣቅረቡ። ካህናት መስቀል እናኣሳለሙ መዘምራን እናሸብሸቡ ናይ መዘከርታ ስእሊ ንተሳተፍቲ ተዓደለ። ካብኡ ሕዝቢ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ ጐደና ክራመር ተዳልዩ ዝነበረ ግብጃ ንምስታፍ ተጓዓዘ። ምእመናን ሚላኖ ምስቲ ብዙኅ ሠናይ ረቋሒታት ዘሎዎም፡ ብምድላው ሺሻይ ግና ዝወዳደሮም ዘይብሎም ንዂሉ ዘጽግብን ኣጻብዕትኻ ዘቈርጥምን ምግቢ ኣዳልዮም 'ብላዕ ስተ' ኮነ። ኣደታት ሚላኖ ከዳልዋኦ ዝቐነያ ''ጥዑም ጥዑም'' ምስ ተባህለ ብነጐዳ ዚጥዕም ዕልልታ ሓጎሰን ገለጻ። ሽሕ'ኳ ጾመ ኣርባዓ እንተነበረ ከምቲ ''ካህናት ንሰንበት ዝደፍሩዋ' በዚ ፍሉይን ሳሕቲ ዝርከብ ጒንዖን፡ መኣድና ብመዛሙርን ብሸብሸቦን ብጥምታትን ዝተሰነየ ነበረ። ኣብ ሞንጎ ሞንጎ ምስጋናን ሞጎስን ዘቅርቡ ምእመናን ነበሩ። ቀጺሉ ካብ ምእመናን ዝተዋጽኤ ገንዘብ ኣብ ሰታሪት ተዓሺጉ ብክልተ ሕጻናት ንቀደስቲ ወርቃዊ ኢዮቤል ተዋህበ። ዂሉ ተሳታፊ 'ሊላይ በዓል፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ከብካብ ካልእ ጊዜ እውን ይሓውሰና' እናበለ ሓጎሱ ክገልጽ ተሰምዔ። ኣብ ምዝዛም ኣባ ዓንደሚካኤል ተኽሉ በቲ ኲሉ ዝተገብረሎም ህውነታዊ እንግዶት ካብ ጳጳሳት ጀሚሮም ክሳብ ሕጻናት ኣመስገኑ። ምእመናንን ንኡሳን ኣኅዋት ካፑቺንን ኃቢሮም ዝተዓጥቁሉ በዓል ሰዓት 4.00 ድኅሪ ቀትሪ ብሰላም ተዛዘመ። ነቲ በዓል ድርብ ዝገበሮ ከኣ ኣቡናትና ክሳብ መጨረሽታ ኣብ ሞንጎ ኣኅዋቶምን ኣኀቶምን መጓሰኦምን ምውዓሎም ኢዩ። ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ይኹን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.