2017-03-25 17:22:00

ነቲ ሰናይ ዜና ሓጐስ ዝኾነ ወንጌል ንምስባኽ ፈተናን ግድልን ከፍርሓና የብሉን!


ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መደባት ዝገልጽናዮ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉን ንሓደ ክልተ ግዜ ተመዲቡ ዘይተተግበረን ቀዳማይ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ መንበረ ሊቀጵጵስና ሚላኖ ሎሚ ዕለት 25 መጋቢት በቆጻጽራ ሰዓት ዓዲ ጣልያን 8.15 ብነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሊናተ ምስ በጽሑ ብጸዓዱ ገዛውቲ ወይ ካዘ ብያንከ ዝፍለጥ ቁሸት ከተማ ሚላኖ ምስ ተወከልቲ ስድራቤታት ናይቲ ብሮም ዝፍለጡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ሰብኽሳግማዊ መነባብሮ ዘዘውቱሩን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኣስላምን ስደተኛታትን ተራኺቦም ተዘራሪቦም፣

ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ከተማ ሚላኖ ክገብሩ እዮም ዝብል ወረ ካብ ዝስማዕን መርሓ ግብር ዕላዊ ካብ ዝኾነሉን ግዜ ጀሚሮም ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበ ዝነበረ ነባሪ ናይዚ ብጸገማቱ ፍሉጥ መብዛሕትኦም ነበርቱ ከኣ ኣብ ስደትን ድኽነትን ዝርከቡሉ ከባቢ ካብ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ኣትሒዞም ዝጽበዩ ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ ምስ መጽዎም ብዓቢ ዓጀብ ተቀቢሎም ከም ህያብ ኣብዚ ቊሩብ ግዝያት ዝተሓደሰት ታሪኻዊት ምስሊ እኖና እግዚእትነ ማርያም ኣወፍዮምሎም ድሙቅ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ገረምሎም፣ ቅዱስነቶም እውን ሰላምታ ድሕሪ ኣቅሪቦምን ባሪኾምን ካብቲ ዝተሓደሰት ምስሊ እኖና እግዚእትነ ማርያም ብምብጋስ ‘ኣብ ዚ ፍሉይ ግዜ ጾመኣርባዓ ብምሕረት ኣምላኽ እንደገና ክንሕደስ ልብና እንደገና ክጸሪ ነፍቅድ፣ እኖና እግዚእትነ ማርያም ብዘይ ሓጢኣት ስለዝተፈጥረት ምሕዳስ ኣየድልያን እዛ ዘወፈኹመይ ምስሊ ግን እወ ብኢድ ሰብ ስለዝተሰርሐ ክሕደስ የድሊ፣ ልክዕ ብኡ መልክዕ ከኣ እግዚእትነ ማርያም ከም ኣደ መጠን ንቅድስና ኢየሱስ ንክንምስክር ብመለኮታዊ ምሕረት እግዚኣብሔር ክንነጽሕ ፍቃደኛታት ክንከውን ትምህረና፣ እታ በኣና ብሓጢኣተኛታት ዝቆመት ቤተ ክርስትያንውን ወትሩ ክትሕደስ ትዕድመና፣ ንሕና ጥራይ ዝብል ኣምር ገዲፍና ብመንገዲ ቅድስና ክንጐዓዝን ወትሩ ተሰንየና፣ ኣብ ድርኲዂት ሚላኖ በዛ ህያብ እንክትቅበሉኒ ናኣሽቱ እንከሎና ኣብ ገዛና እንክምለስ ኣደታትና ኣብ ኣፋፈት ኰይነን ክጽበየናን ዝስመዓኒ ዝነበረ ሓጐስ ከምዝስመዓና ገሩ፣ እወ እግዚእትነማርያም ኣደና እያ ወትሩ ንክትጽበየናን ንክትቅበለናና ኣብ ቅድሚት ትስራዕ’ ክብሉ ቃሎም ሃቡ፣ ድሕሪ ምምስጋን እንደገና ካልእ ህያብ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከብ ፋብሪካ ዝተኣልመት ሓንቲ ኣክሚም ወይ ልብሰ ካህን ኣወፈዩሎም፣ ቅዱስነቶም እውን እቶም ህዝቢ ብኢዶም ዝሰርሕዎ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ልብሲ ስለዝለገሱሎም ኣመስጊኖም ተፋነውዎም፣  ምስ ኣወፈብምውፋይ ተፋነውዎም፣

ብድሕሪዚ ሰዓት 10 ምስ ውሉደ ክህነት ሓቢሮም ንክጽልዩን ንክዛተዩን  ኣብቲ ሕምብርቲ ሚላኖ ዝኾነ ብድዎሞ ዲ ሚላኖ ዝፍለጥ ዓቢ ካተድራል ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ ከዱ፣  ቅዱስነቶም ኣብቲ ቦታ ብዝበጽሑሉ ድሙቅ ኣቀባብላን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃልን ምስ ተሰምዔ፣ ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብ ዝተገብረ ዘተ ሕቶታትን መልስን ዓቢሉሉ ነበረ፣ እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ብሓደ ካህን ዝቀረበት ኮይና `ኣብዚ ዘሎና ዘመን ሓደ ካህን ናይ  ስብከተወንጌልን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ታሕጓስ ንከየጥፍእ   ክፍጽሞም ዘለዎም ቀዳሞት ምርጫታት ኣየኖት ኮን ይኾኑ እንታይ ዓይነት ምንጻሕከ የድልዮ ትብሉ’ ትብል ነበረት፣ ቅዱስነቶም ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብጹዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ ዓባይ ናይ ስብከተወንጌል ሰነዶም ዝበልዎ ማለት ‘ስብከተወንጌል ታሕጓስ እዩ’ ንእትብል ጠቂሶም `እዚ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ስብከተወንጌል ሓጐስ እዚ ንምርካብ ጐይታ ጸጋኡ ክህበና ምጽላይ የድሊ። ከመይ ዘይሕጉስ ሰባኺ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ታሕጓስ ብዓንዱ ርእሱ ከምዝኾነን ነዚ ሓጐስ እዚ ከምዝዕድልን ንስከተወንጌል ክጽውዓካ ከሎ ከኣ ነዚ ሕይወት ዝልውጥ ሓጐስ ይህበካ ወላውን ኣብ መስቀል እንከሎኻ ትሕጐስ ብሓጐስ ከኣ ንወንጌሉ ትሰብኽ። ካብተን ቀዳሞት ዘመናት ጀሚርካ ነፍሲ ወከፍ ታሪኻዊ ዘመን ክርስትና ብደሆታት ምስ ኣጋጠሞ እዩ፣ እዚ ጸገማትን ግድላትን እዚ ካብ ውሽጢ እታ ማሕበረክርስትያን ይኹን ካብ ደገ እዩ ዝመጻ ዝነበረን ዘሎን እዩ፣ ወትሩ ናይዚ ዘመንና ጸገማትን ግድላትንሲ ንበይኑ እኳ ዝበሃል እንተኾነ ክንፈርህ የብልናን ከም ቀርኒ ብዕራይ ክንወስዶ ኣሎና ክስሕለናን ከበርተዓናን ኣለዎ፣ ከፍርሃና ዘለዎ ጸገምን ግድልን ዘይብሉ እምነት ከጋጥመና እንከሎ እዩ፣  ግድላት እምነትና ስነሓሳባዊ ጥራይ ኮይኑ ንከይተርፍ ይሕግዘና፣ ስነሓሳብ ይዓብዩ ይፈርዩ ኩሉ ፍጹም ኣብ ዝመስለሉ ደርጃውን ይበጽሑ ግን ትሕዝቶ ስለዘይብሎም ይቅምስሉ፣ ተዓጽዮም ይተርፉ፣ ግድልን ጸገምን ካብዚ ምዕጻዚ የድሕነና ወትሩ ክንሕደስ ይሕግዙና፣ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ቃል ኣምላኽ ወይ ደይ ቨርቡም ዝብል ሰነዱ ‘ቤተክርስትያን ኣብ ዘመናት ነታ መለኮታዊት ሓቂ ብምልኣት ንክትረክብን ቃል እግዚኣብሔር ኣባ ክሳብ ዝፍጸምን ትጋደል’ ዝበሎ ግድላትን ጸገማትንናብቲ ዝተገልጸ ምስጢር እግዚኣብሔር ክፉታት ከንኸውን ይሕግዙና` ድሕሪ ቢሎም መንፈስ ቅዱስ መምህር ብዙሕነትን ውህደትን ብምዃኑ ቤተ ክርስትያን ኣብ ታሪኻ ዝተፈላለይ ባህልታትን ትምህርትን ብምሃብ ምሂራትናን ሓጊዛትናን እያ እሞ ነዚውን ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሕነትን ሓድነትን ቤተክህነትናን ገዳማትናን ብምዕዛብ ሃብቲ ናይዛ ብብዙሕ መንገድታት እትግለጽ ሓንቲ ቤተክርስትያን ንስብከተወንጌልና ተሀብትሞ እንክብሎ ወንጌል ብብዙሕ መንገዲ ከምዝሃብተመ ገሊጾም፣ ከም ኣብነት ከኣ ወንጌል ሓደ እኳ እንተኾነ ኣርባዕተ ቅርጺ ኣለዎ ግን ሓደ እዩ ክብሉ ብምሳሌ ኣርባዕተ ወንጌል ነቲ ዝተፈላለየ ባህልታት ቤተክርስትያን ክንጠቀመሉ ኣተሓሳሲቦም፣

ካልአይቲ ሕቶ ሓደ ዲያቆን ዘቅረባ ኮይና ‘ሰብ ቃልኪዳን ኮይና ኣብ ተልእኾ ከኣ ነገልግል፣ ተልእኮ ቤተክርስትያን  ምልኣት ክህልዎ ግደና ክዓዝዝ እንታይ ምኽሪ ትህቡና፣’ ትብል ነበረት፣ ቅዱስነቶም ብቀጥታ ናብቶም ብዲቊና ዘገልግሉ ሰብ ሓዳር ብምትኳር ‘ንስኹም ዲያቆናት ንቤተክርስትያን እተበርክትዎ ብዙሕ ኣሎኩም፣ ኣብ ማእከል ቤተክህነት ኰንኩም ኣብ መጎ ድላይን ግቡእነትን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ሓዳርኩም ዝርከብ ወጥርን ንምልላይን ንምፍዋስን ቀዳሞት ተዋሳእቲ ክትኮኑ ትኽእሉ፣ ኣብዚ ግን ንዲያቆናት ፍርቂ ቤተክህነት ፍርቂ ዓለማውያን ገርና ካብ ምርኣይ ክንጥንቀቅ ኣሎና፣ እዚ ሓደገኛ ኣጠማማታ እዩ፣ ጸዋዕታ ዲቊና ኣብ ቤተክርስትያን ወትሩ ዘሎ እዩ፣ ካብ ኣመና ቤተክህነታዊ ምዃንን ተጻዩን ምጥንቃቅ የድሊ፣ ኩሉ ኣገልግሎት እዩ። ዲቊና ከኣ ነዚ ኣገልግሎትዚ ሓሊኻ ምኽኣል እዩ፣ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽ ኣግልግሎት መንበረ ታቦት ኣገልግሎት ድኻታት ኮታስ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ብሓባር ተልእኮ ዲያቆን እዩ ብሓጺር ኣገላልጻ ኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ኣገልግሎት ኣሕዋትን እዩ፣’ ክብሉ ምስ መለሱ ካልእ ነዚ ዝመሳሰል ሕቶታት ውን ድሕሪ መሊሶም፣ ተመሳጊኖም ኣብ ቅርዓት ካተድራል ድዎሞ ዲ ሚላኖ ነቲ ኣብ ቅርዓት ዝነበረ ሕዝቢ ሰላምታን ምስጋናን ብምቅራብን ምእንታኦም ክጽልዩ ብምምሕጻንን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም።

ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ኣዕረጉ ናብቲ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ ብዙሕ እውን ዝተዘርበሉ ኣብ ጐዳና ቪቶረ ናብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ከይዶም ምስ እሱራትን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ቤት ምኽሪ ምሕደራን ወለተይናታትን ተራኺቦም ሰላምታ ምስ ተለዋውጡ ምስ ሓደ ክልተ ብግሊ ምስ ተዘራረቡን ምስቶም እሱራት ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቋዲሶም፣

ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ኣብ ማእከል ሚላኖ ዝርከብ ኣደባባይ ሞንዛ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሺሕ ዝቝጸሩ ምእመናን ዝተሳተፍዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፣ ካብዚ ብምቅጻል ሕጂ መደብና እናተመሓላለፈ ከሎ ምስቶም ኣብቲ ዕለትቲ ምስጢረ ቅብዓተ ሜሮን ዝተቀበሉ መንእሰያት ኣብ ሜዳ ቅዱስ ሲሮ ይራኸቡ ኣለው፣ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ከኣ ካብ ሚላኖ ክሰናበቱን በቆጻጽራ ሰዓት  ዓዲጣልያን ከኣ 7.30 ምሸት ናብ መንበሮም ሮማ ክምለጹ ትጽቢት ይግበር፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.