2017-03-25 17:04:00

ብፁዕ ኣቡነ ቪጋኖ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸብ ብዙሃን ሕዳሴ መምዘኒ ሓዋርያውነት እዩ


“ድሕሪ 20 ዓመት እንታይ ዓይነት ቤተ ክርስቲያ”  ዝብል መሳጢ ሕቶ ዘማእከለ ካብቲ ካብ ዕለት 23 መጋቢት ክሳብ ዕለት 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፐንስይልቫያን ምስ ዝርከብ ቪላኖቫ መንበረ ጥበብን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ትርኢት ኣብ ምሕደራ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ግደ ምህዞ  ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ  ዓውደ ትርኢት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ካህናትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን አባላት ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራትን ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝተፈላለየ መገዲ ዘነቓቕሕዎን ዘተኣታትውዎን ዘለዉ ሕዳሴ ኣብ ቤተ ክስቲያንን ሕዳሴ ንቤተ ክርስቲያን መዳይ ዝዓዩ ዘሳተፈ ከምዝነበረን ብዛዕባ እዚ ዓውደ ትርኢት ኣመልኪቶም ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኰ ዳል ኮቮሎ ቅድም ቀዳድም እቲ ዓውደ ትርኢት ምህዞ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘለዎ ማሕታ ዓቢይ ምዃኑ ኣነጺሩን እቲ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝህልው ምህዞ እንታይን ከመይን ክምራሕ ከምዘለዎ ዘረድእ እውን እንተዀነ ንኹሉ ዝኸውን ሓደ ዓይነት መድሃኒት ዝእዝዝ ግና ኣይኰነን፡ ስለዚህ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ክፉት ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝኸውን ቅድሚ እቲ ዓውደ ትርኢት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምሕት ገሊጾም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፥

ከምዚ ዓይነት ዓውደ ትርኢት ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ንካህናትን ደናግል አባላት ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ ምናባዊ (virtuous) ናይ ሙከራ ጥበብ ዝገብርሉ ዕድል ምፍጣር ከምዘድሊ እውን ከም ሓሳብ ምስ ቀረበን ካብቶም ኣብዚ ምናባዊ መደብ ካብ ዝሳተፉ ዝነበሩ ኩሎም “እንታይ ዓይነት ቤተ ክርስቲያን ንመጻእን ኣብ መጻእን?” ናብ ዝብል ሕቶ ዝመርሕ ሓሳብ ይቕርብ ብምንባሩ ካብዚ ብምብጋስ እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ሓደ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቀሪቡን ስነ መጽናዕታውን ምርምራውን ብናይ ቀለም ትምህርቲ ደረጃን ዝብጻሕ መልሲ ክወሃቦ የድሊ ናብ ዝብል ደዳሚ ሓሳብ ምስ ተበጽሐ እዚ ድማ ነዚ ዓውደ ትርኢት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምስንዳው ዝድረኸ ምኽንያት ምዃኑን፥ ብፍላይ ድማ ቅዱስ ኣቦና ምህዞ ኣብ ኩሉ መዳይ ዘለዎ ግደ ብዙሕ ጊዜ የዘኻኽሩን ምህዞ ክተባባዕ ድማ ይምዕዱ፡ እዚ ምህዞ ዝብል ቃል ኣብ ዘቕርብዎ ኣስተምህሮን ምዕዳን ስብከታቶምን ስልጣናዊ ትምህርቶምን መልእኽቶም ኣብ ናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣስተምህሮታቶምን ዝደጋገም ቃል ምዃኑ ኣብ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ዓቢይ ትኩረት ክወሃቦ ዝግብኦ ነጥቢ ምዃኑ ምስ ተሓበረን ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ምህዞ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዓቢይ እወታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ብምስትውዓል ምህዞ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝትንት ትርኢት ንምክያድ ከምእተወሰነ እውን ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ትርኢት እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ህየንተ የኔታ ኣባ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ተረኺቦም፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን መዋቕራዊ ህዳሴ መምዘኒ ናይ ተልእኾ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ። ንወንጌል እሙን ብምዃን ምህዞ ብዘሳኹዕ ዓቕምን ብቕዓትን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጠለብዎ ህዳሴ ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። ስለዚህ ሕዳሴ ክበሃል እንከሎ ወንጌል ኣማኪልካ ቃል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ፍጻሜታት ቅድስቲ መንበርን ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ መላእ ሃገራት ዓለም ምብጻሕ እዩ። ንናይ ክርስቶስ ወንጌል እሙን ዝዀነ ሰብ ንሕዳሴ ክፉት እዩ። ከምዚ እንተይዘይኰነ ግና ቅድም እውን ከምዚ እዩ ዝግበር ኔሩ እሞ ብኸምኡ ይቐጽል ኣብ ዝብል ኣብ ዘለኻዮ ደው ቢልካ ንምትራፍ ፈተና ዝተቓልዔ ይኸውን።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጠለብዎ ሕዳሴ ቅዱስነቶም ናይ ሕዳሴ ሊቅ ስለ ዝዀኑ ዘይኰነስ በቲ ሓዳሲ ዝኰነ ኩሉ ነገር ዝልውጥን ሓድሽ ዝገብርን መንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ህልዉ ኩነታት ዓለምን ሰብኣውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ባህላውን ፖለቲካውን ኩነት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ነዚ ኩነት ድማ ብወንጌል መሰረት ብምንባብ እዩ። ስለዚ እቲ ህዳሴ እዋናዊ ኩነት ብወንጌል ኣንብብ ዝብልን ብመሰረት ወንጌል ንኸተንብቦ ዝመርሕ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተምህሮ ከመቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጾም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.