2017-03-28 17:03:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እምነት ሕይወት ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት ይሃሉ ንቕድሚት ዘብል እዩ


ዕለት 28 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጎሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ትንቢት እዝቅኤል ምዕ. 47 ካብ ፍቕዲ 1-9 ፍቕዲ 12ን ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1-16 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፥ ብኢየሱስ ምእማን ብዘይ ትካዘን ጓህን ብናይ ምትኻስን ሓጢኣት ከየልመስካ  ሕይወት ከም ክውንነቱ ተቐቢልካ ብሓሴት ንቕድሚት ምስጓም ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ  ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1-16 ኢየሱስ ብሕማም ለምሲ ዝሳቐይ ዝነበረ ሰብኣይ ከምዝፈወሰ ዘዘንትው ቃል ጠቒሶም፡ እቲ ብእብራይስጥ ቤትሳይዳ ዝስሙ ሓሙሽተ ገበላ ኣብ ዝነበሮ ቡዝሓት ህሙማን ዕዉራት ሓንካሳት ልሙሳትን ካብ እግዚኣብሔር ናይ ምፍዋስ ጸጋ ክዕደሎም ክሳብ እቲ መልኣኽ ወሪዱ ነቲ ማይ ምስ ዘናውጾ ናብቲ ቀላይ ዝኣትዉ ዝፍወስሉ ኣብ ዝነበረ ኣብ ግምገም ቀላይ’ቲ ኢየሩሳሌም ደቂሱን ንሳላሳን ሾሞንተን ዓመት ብሕማ ዝሳቐይ ዝነበረ ሰብኣይ ኢየሱስ ረአየ እሞ ክትፍውስ (ክትሓዊ) ትደሊ ዶ? እንክብል ይሓቶ። ግና እቲ ብሕማም ዝሳቐይ ዝነበረ ሰብኣይ

“ጐይታ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን፡ ኣነ ኽሳዕ ዝወጽእ ድማ ኻልእ ቀዲሙኒ ይወርድ”  እንክብል ናይ ጓሂ መልሲ የቕርብ። “ጐይታ ረአ’ሞ ሕይወት ምሳይ ክሳብ ክደይ ሕስምቲ ከምዝዀነትን ካልኦት ናብቲ ቐላይ በጺሖም ክሕጸቡን ምስ ተሓጽቡ ድማ ክፍወሱን ኣን ግና 38 ዓመት ተዀርምየ ክበጽሕ እንተደለኹ ግን ኣይተዓደልኩን” ዝብል ናይ ጓህን ትካዘን መልሲ የቕርብ። እዚ ሰብኣይ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ልክዕ ከምቲ ናይ ዕለቱ መዝሙረ ዳዊት ዝብሎ፥ ‘ከምቲ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ዝተተኽለ ኦም እዩ፡ ኰይኑ ግና ዘይጥሉቕ ናብቲ ማይ ዘለሉ ስፍራ ክወርድ ዘይይኽእል ንቑጽ ሱር ዝነበሮ እዩ ዝመስል፡’ ካልኦት ይቕድሙኒ ኣነ በይነይ እየ 38 ዓመት ኣብዚ ንበይነይ ናብቲ ቀላይ ዘብጽሓኒ ሓደ’ኳ ዘይብለይ እንክብል ተኪዙ እናስተማሰለ ይዛረብ። ምትኻስን ምስትምሳልን ከቢድ ሓጢኣት እዩ። እቲ ሰብይ ካብቲ ዝነበሮ ሕማም እቲ ከቢድ ሕማሙ ምትኻስን ምስትምሳልን እዩ። ትኹስን ዘስተማስልን ካብ ልቡጥ ወይ ከኣ ልሁም ምዃኑ እዚዩ ዝገደደ ሓጢኣት እዩ።”

ኣብ ምንባር ብሕይወት ሓደ ድላይ ዘይብሉን ናይ ተዘክሮ ሓሴት ዘጥፈአ። ሓጐስ ዘይፈልጥ ወይ ከኣ ቅድሚ ምሕማሙ ዝነበሮ ሓጐስ እውን ናይ ምዝካር ዓቕሚ ዘጥፍኤ ከምዝመስልን እዚ ድማ ሓጢኣት ምዃኑ ዝተንተኑ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ “ኣብቲ ዘለኹሉ ምንባር ተላሚደዮ እየ ቢሉን ሕይወት ምሳይ ዘይፍሓዊት እያ እናበለ …  ፍርሕን ስክፍታን ምረት ልብን ዝተመልኤ”  ከምዝነበረን እዙ ኹሉ ዘስተውዕል ዝነበረ ኢየሱስ ከይተቖጠዖ ‘ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ’ ምስ በሎ እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ይሓውይ

እታ እቲ ሰብኣይ ዝሓወየላ መዓልቲ ድማ ሰንበት ነበረት፡ ስለዚህ እቲ ሰብኣይ ድማ ዓራቱ ክጸውር ዝርኣዩ ናይ ሕጊ መምህራን ይቃወሙዎ እቲ ትገብሮ ዘሎኻ ተግባር ፍቑድ ኣይኰነን ኩልኩል እዩ ካብኡ ሓሊፎም እውን መን’ዩ ኸ በዛ መዓልቲ ሰንበት ዘሕወየካ እንክብሉ ይሓትውዎ፡ እቲ ዘሕወዮ ሕጊ ዝጠሓሰ ብምዃኑ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ኣይኰነን ቢሎም ይሓስቡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ንኢየሱስ ስለ ዘሕወዮ  ምልስ ቢሉ የቐንየለ እንክብል ኣየመስገነን፡ መን ምዃኑ እውን ስሙ ኣይሓተቶን። ካብታ ዝደቀሰላ ዓራት ምስ ትኽስ ምባሉን ሃካይነቱን እዩ ዝተንስኤ፡ ሕጂ እውን ካልኦት ካብኡ ንላዕሊ ሕጉሳት እያቶም ቢሉ ዝሓስብን ሕይወቱ ኣክንዲ ዝነብር ካልኦት እናረአየ ዝነብርዎ ሕይወት እናሓሰበ እዩ ዝነብር። ሕጉስ ምዃኑ ዘንጊዑ ኣብ ትካዘ ዝነብር። ትህኪትን ምትኻስን ዘልምስ ሓጢኣት እዩ። ስለምታይ ንኽትስጉም ዘይምፍቃድ እዩ። ኢየሱስ ንኹላትና ሓደ ብሓደ ይፈልጠናን ይርእየና እዩ። ኩላትና ሓጢኣተይናታት ኢና፡ ንሱ ምስ ሓጢኣትና እናረአየ ድማ ንነፍሲ ወከፍና ተንስእ ይብለና ኣሎ

ከምዝበሉ ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ተንስእ ሕይወት ሒዝካ ተጓዓዝ ይብለና ኣሎ። ሕይወትካ ኣብ ዘለሉ ኩነት ይሃሉ ተንስእ ንቕድሚት በል፡ ኣይትፍራሕ ዓራትካ ኣልዒል እሞ ተንስእ። ሕይወትካን ሓጐስካን ሒዝካ ንቕድሚት በል። ክትሓውይ ትደሊ? ዝብል ቀዳማይ ሕቶ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና የቕርበልና ኣሎ። ኣብ ናይ ሎሚ ቅዳሴ ዘሎ ናይ መዝሙረ ዳዊት ተደጋጋሚ መልሲ “ኣቱም እቶም ናይ ሕይወት ማይ ዝጸማእኩም ንዑ ናባይ” ብዝል እዩ፡ ብናጻ ዝወሃብ ዘይኽፈሎ ማይ ሕይወት ኣሎና። ናይ ሓጎስ ጽምኢ ዘርውይ። “እወ ጐይታይ ክሓውይ እደሊ እየ፡ ጐይታ ክትንስእ ሓግዘኒ” ንበሎ እሞ “ናይ ምድሓን ሓጐስ ከነስተማቕር ኢና” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.