2017-03-28 17:07:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ሕይወት ካብ ምጽናስ ምክንኻን ማለት ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ቀድሚካ ምክልኻል ማለት እዩ


ዕለት 28 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና በቲ ኣብ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ ኣሳግር (social network) ዘሎ  @Pontifex  ብእተሰምየ ናይ ግሊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “ናይ ነፍሲ ወከፍ ቅዱስ ዝዀነ ሰብኣዊ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ፍጻሜ ምዕቃብ ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ቀዲምካ ንምክልኻል ዘብቅዕ ብሉጽ መገዲ እዩ”  ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ክፍለጥ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፥

“ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ካብቶም ሎሚ ሰብኣዊ ክብሮም ንኽጠሓስን ንእትደልዮ ተግባር ኩሉ መጋበርያ ንኽኾኑ ዝድለዩ ክሳብ ሕይወቶም ንሞት ኣሕሊፍካ ንምሃብን እዚ ዓይነት ጸረ ሕይወት ዝዀነ ተግባር ዳርጋ ብሕጊ ፍቑድ ንኽኸውን ብዙሕ ጎስጓስ ንዝግበረሎም ንሓደጋ ሞት ንዝቃልዑ ዝውለዱ ሕጻናት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣብ ጎድኖም እያ” ( 213 ረአ)።

እንክብሉ ንዘንበርዎ ሓሳብ ዘቃልሕ ከምዝዀነን “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ እቶም ዕሸላትን ንጹሓንን ብዘየማትእ ኩነት ደው እትብልን ንኣኣቶም እትከናኸንን ስሌኦም እትጣበቕን ምዃና ዝቕይሮ ምንም ዓይነት ሕቶ ከምዘይህሉን”  ነዚ መሰረታዊ መትከላል ዘቐይራ ምንም ዓይነት ሕቶ ክህሉ ከምዘይክእል ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ገሊጾምዎ እዮ። ስለዚህ፥  

“እዚ ጉዳይዚ በይናውን ክቕየርን ምስ እዋናዊ ምዕባሌ ክኸይድ ዝኽእል ብዝብል ኣመለኻኽታ እውን ጠሪሹ ዘይልወጥ እዩ። ሕይወት ምንጻል ንዝተፈላለየ ጸገም ከም መፍትሒ ጌርካ ምቕራብ ሰጓሚ ማለት  ከምዘይኰነን እዚ ቤተ ክርስቲያን እትኽተሎ መስረታዊ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ ክሳብ ሎሚ ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከባ  ጽንሲ ምንጻል ከም ቅሉጡፍ ናይ ዘጋጥመን ስቓይን ጸገም መፍትሒ እናተባህለ ንዝቐርበለን ደቀንስትዮ ኣብ ምርጫ ሕይወት ምስናየንን ካብ ጸገም ንኽላቐቓ ኣብ ምድጋፈን ብቑዕ ጻዕሪ ዘይገበርና ይመስል” (ቍ 214 ረአ)።

እንክብሉ ንዘስፈርዎ ሓሳብ ዘቃልሕ መልእኽቲ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ መክሲኮ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ብብሔራዊ ደረጃ ዕለት 25 ሚያዝያ  ዝበዓል መዓልቲ ሕይወት ምኽንያት “ሕይወት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብገዛእ ርእሱ ንውልቁ ዝህቦ ሃብቲ ዘይኰነስ ዝቕበሎ ጸጋ እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ኣይትፍርሒ እንክብል ሰላምታኡ ብምቕራብ ክትጸንስ ምዃና የበሰራ ስለዚህ ሕይወት ከይተፈርሐ ክእንገድ ዘለዎ ጸጋ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ኣብ መልእኽቶም ኣጽንዖም ብምግላጽ ኣብ መክሲኮ ዘሎ ንሕይወት ስድራ ቤት ዘስግእ ናይ መርዓን ቃል ኪዳን ተክሊል ዘለዎ ክቡር ዋጋ ዘሕስርን፡ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ዘለዉ ክቡር ዋጋ ከምዝዀነ ሕጻን ይኹን ብዕድመ እውን ዝደፈኤን ብዝተፈላለየ ናይ ኣካልን ናይ ኣእምሮ ስንክላ ዘጋጠሞ እውን ይኹን ብዘየገድስ ሕይወት ዝሓውይን ዝዕቀብን ሕይወት ብምክናኻን ተግባራት እምበር ሕይወት ብምቕንጻል ኣይኰነን ስለዚህ ሕይወት ክቕንጸል እናረአና ከምዘይረአና ምዃን ናይቲ ጸረ ሕይወት ባህሊ ተሓባበርቲ ኢና ንኸውን እሞ ዝዀነ ይኹን ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕ ተግባር ኩሉ ብሓባር ናይ ሕይወት ባህሊ ብምስፋሕን ስለ ሕይወት ብምቛምን ንቃለስ ከምዝበሉ ኦንዳርዛ ኣፍሊጦም።

ከምኡ እውን ኣብ ፖርቱጋል ናይ ላኢሪያ-ፋጢማ ሰበኻ እተን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጽንሲ ንምንጻል ዝግደዳን ወይ ድማ ኣደነተን ኣብ ፍጻሜ ካብ ምብጻሕ ንዝሰናኸላ ደቂንስትዮ እቲ ብኣኣተን ኣቢሉ ዝውለድ ሕጻን ከእንግዳን ነቲ ኣብ ማሕጸነን ዘሎ ዝተጸንሰ ሕጻን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንሞት ኣሕሊፈን ንኸይህብኦ ኣብዚ መዳይ ኩለ መዳያዊ ድጋፍ ዝረኽባሉ ፍሉዩ መደብ ከምዘዳለወ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ናይ ድጋፍ መደብ ንደቂንስትዮ ካሪስታ ብእተሰምየ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኣብቲ ሰበካ ዝድገፍ ክኸውን እንከሎ ጽንሲ ካብ ምንጻል ሕይወት ምእንጋድ ዝብልን ደቂንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሲ ፍሉይ ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን መንፈሳውን ዘድሊ እውን እንተዀይኑ ኤኮኖሚያዊ ድጋፍ ረኺበን ናብ ጽንሲ ምንጻል ፈተና ከይወድቃን ሕይወት ከእንግዳ ኩለ መደያዊ ትብዓት ኣብ ገዛእ ርእሰን ከስርጻ ዝድግፍ መደብ እውን ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.