2017-03-30 19:30:00

ተስፋ ክርስትያን ኣብ ሰብኣዊ ውሕስነት ኣይምስረትን! ር.ሊ.ጳ


‘‘እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፣ ስለዚ ዘርኢ ኣብርሃም ንኲሎም ነዛ ተስፋ እዚኣ ብጸጋ ኺወርስዋ እዮም። እዚ ኸኣ ፈጸምቲ ሕጊ ጥራይ ዘይኮኑስ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝጸድቁውን እዮም። ከመይ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዂላትና እዩ፡ እዚ ድማ፣ ‘ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ’ ዚብል ተጻሒፉ ስለዘሎ እዩ፡ ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ ኣምላኽ ኣቦና እዩ። እዚ ኣምላኽ እዚ ንዝሞቱ ሕይወት ዝህብ፡ ንዘየሎውውን ናብ ህላዌ ዚጽውዕ እዩ፣ ከምቲ ‘ዘርእኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ ዚብል ዝተነግሮ፡ ኣብርሃም ኣብቲ ተስፋ ኣብ ዘይብሉ፡ ተስፋ ብምግባር ኣቦ ብዙሓት ከም ዚኸውን ኣመነ። ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ኣቢሉ ስለዝነበረ፡ ኪወልድ ከም ዘይክእልን ሳራውን ማሕጸና ከምዝሞተ እናረኣየ እኳ እምነቱ ኣይደኸመን፡ ግና ብእምነቱ እናበርተዔ ደኣ ንኣምላኽ ክብሪ ሃበ እምበር፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን፣  እምላኽ ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ኺፍጽሞ ከም ዚኽእል ተረዲኡ ነበረ፣’’ (ሮሜ 4.16-22)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! እዚ ኣብ ላዕሊ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ዓቢ ህያብ ይልግሰልና፣ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ከኣ ንኣብርሃም ከም ናይ እምነት ኣቦና ምዝካር ለሚድናዮ ኢና፣ ኣብ ናይ ሎሚ ንባብ ከኣ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብርሃም ብተስፋ እውን ኣቦና ከምዝኾነ የረደኣና፣ ናይ እምነት ኣቦና ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ተስፋ ኣቦና እውን እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ኣብቲ ኩነታቱ ንክፍኣት ብቀንዱ ከኣ ንሞት ዘሸንፍ ናይ ተስፋ ትንሳኤ ዜና ክንረክብ ንኽእል፣

ኣብቲ ጽሑፍ ኣብ ኁልቊ 17 ኣብርሃም ዝኣመኖ ኣምላኽ ‘ንምዉታት ዜተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህለው ገይሩ ዚጽውዖ ኣምላኽ፡’ ከዝኾነ ይገልጽ እሞ ኣተሓሒዙ ኣብ ኊልቊ 19 ኣብርሃም ‘ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ ንምእማን ኣይደኸመን፡’ ይብል፣ እነሆ እምበኣር ንሕናውን ክነብሮን ክንገብሮን ዝተጸዋዕናዮ ከምዚ እዩ፣ እቲ ንኣብርሃም ዝተገልጸ ኣምላኽ ዘድሕን ኣምላኽ እዩ፣ ካብ ተስፋ ቊርጸትን ሞትን ኣውጺኡ ናብ ሕይወት ዝጽውዕ ኣምላኽ እዩ፣ በዚኸስ ታሪኽ ኣብርሃም ብምሉኡ ትንቢት ኮይኑ ናብ እግዚኣብሔር ዝቀርብ መዝሙር ኮይኑ ሓራ ዘውጽእን ብሓዲስ ከምትውለድ ዝገብርን ይኸውን፣ እዚ ከኣ ንኣና ነቶም ፍጻሜ ናይዚ ኩሉ ኣብ ምስጢረ ፋሲካ ከምዝኾነ እንኣምንን እነብዕሎን ዘሎና እውን ይምልከት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ኁልቊ 24 እግዚኣብሔር ‘ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ’ ከመይ ንሕና እውን ብኣኡ ገቢርና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ምእንቲ ክንሰጋገር ኢሉ ይብል፣ በዚ ከኣ ብሓቂ ኣብርሃም ኣቦ ናይ ብዙሓት ኣሕዛብ ማለት ናይቶም ብሓዲስ ሰብኣውነት ዝተነበዮሎም እዚኦም ከኣ እቶም ብክርስቶስ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዝደሓንናን ንሓንሳብን ንወትሩን ኣብ ሕቊፉ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ናይ ዝኣቶና ንሕና ኢና።

ኣብዚ ከኣ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መንጎ እምነትን ተስፋን ንዘሎ ጥቡቅ ምትእስሳር ክነስተውዕለሉ ዝሕግዘና፣ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ኁልቊ 18 ኣብርሃም ‘ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ ተስፋ ብምግባር ኣቦ ብዙሓት ከምዝኸውን ኣመነ’ ይብል፣ ተስፋና ኣብ ኣመክንዮ ማለት ምስልሳል ወይ ብሓሳብካ ምውራድን ምድያብን ወይውን ንዚመጽእ ዚኣክል ብምእካብ ወይውን ዝኾነ ሰብኣዊ ውሕስነት ብምርግጋጽ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ ተስፋ እትገብረሉ ምንም ነገር ኣብ ዘይብሉ ከምዚ ናይ ኣብርሃም እርጋንን ምምካን በዓልቲ ቤቱ ሳራን ግሁድ ክንሱ ተስፋ ዝገበረ እዩ፣ ንኣኡን ንበዓልቲ ቤቱን ኩሉ ተወዲኡ እዩ ነሩ ውላድ ክህልዎም ኣይክእሉን ነሮም ኮይኑ ግን ኣብርሃም ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ተስፋ ገበረ፣ እዚ ከኣ ዓቢ ነገር እዩ፣ ዓቢ ተስፋ ኣብ እምነት ይምስረት በዚ ከኣ እዩ ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ተስፋ ክገብር ዝኸኣለ፣ እዚ ከኣ ኣብ ቃልና ዘይኮነ ኣብ ቃል ኣምላኽ ስለዝምስረት እዩ፣ በዚ መንገዲ እዚ ንሕናውን ኣብነት ኣብርሃም ክንኽተል ዝተጸዋዕና ኢና! ኣብርሃም ኩሉ ነገር ዝተወደኤ ኮይኑ እንክረኤ ንሱ ግን ከምቲ ኣብ ኁልቊ 21 ‘ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ’ ዝበሎ ብጐይታ ይተኣማመን። ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም ደስ ምበለኒ! ንሕና! ንሕና ኩልና በዚ ንኣምንዶ! እግዚኣብሔር ከምዘፍቅረናን ነቲ ዘተስፈወና ኩሉ ክፍጽሞ ስንድው ምዃኑን ንኣምንዶ! ምናልባት ካባኹም ‘እሞ ኣባቴ ነዚ ክንደይ ክንከለሉ ኢና’ ቢሉ ክሓተኒ ይኸውን፣ መልሱ ከኣ እወ ዝኽፈል ዋጋ ኣሎ ልብኻ ምኽፋት ምበልክዎ፣ ልብኻትኩም ክፈቱ ሓይሊ እግዚኣብሔር ከኣ ንቅድሚት እናመርሔ ተኣምር ክገብርን ተስፋ እንታይ ምዃኑን ክምህረኩም እዩ፣ እቲ እንኮ ዋጋኸስ እዚ እዩ ልብኻ ንእምነት ምኽፋት ዝተረፈ ንሱ ክምልኦ እዩ፣

መንግስተ ሰማይን እቲ ዝሓየለን ዝለዓለን ናይ ተስፋና ነገርከስ እዚ እዩ፣ ብኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ምንም ርግጽነት ዘይብሉን ሃንደበታውን ዝኾነ ነገር ኮይኑ ግን ወላውን ኣብ ቅድሚ ሞት ይኹን እቲ ተስፋ ዝህብ ቃሉ ዝህብ ጐይታ ትንሳኤን ጐይታ ሕይወትን ዝኾነ እግዚኣብሔር ስለዝኾነ ተስፋና ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝኣተወልና ኪዳን እዩ ዝምስረት፣ ከምዚ ዓይነት ተስፋ ማንም ኣይህቦን ከመይ እቲ ነዚ ኪዳን ዝኣተወልና ጐይታ ትንሳኤን ጐይታ ሕይወትን እዩ፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ከም ሓቀኛታት ደቂ ኣብርሃም ኣብ ውሕስነትናን ክእለትናን ዘይኮነስ ኣብቲ ካብ ኪዳን እግዚኣብሔር ዝምንጩ ተስፋ ጸኒዕና ክነብር ጸጋኡ ክህበና ንእግዚኣብሔር ንለምኖ፣ እግዚኣብሔር ኪዳን ክኣቱ ከሎ ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ይፍጽሞ እዩ፣ ቃሉ ፈጺሙ ኣይጠልምን እዩ፣ በዚኸስ ሕይወትና ሓዲስ ብርሃን ይረክብ ከማይ እቲ ንወዱ ካብ ሞት ዘተንሰኤ ንዓናውን ካብ ሞት ከተንሰኣናን ምስቶም ብእምነት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝኾኑ ምስ ክርስቶስ ሓደ ክገብረና እዩ፣ ኩልና ነዚ ኢና እንኣምን፣ ሎሚ ኣብዚ ቅርዓት ዘሎና ንእግዚኣብሔር ነመስግን፣ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ክንዝምር ኢና ክንባረኽ ኢና፣ ኮይኑ ግን እዚ እውን ክሓልፍ እዩ፣ እንተኾነ ናይ ተስፋ ቃል እዩ፣ ሎሚ ልብና እንተደኣ ከፊትና ኩልና ኣብቲ ዘይሓልፍ ሰማያዊ ቅርዓት ንዘለዓለም ከምእንራኸብ ኣረጋግጸልኩም፣ ልባትና እንተኸፊትና ተስፋና እዚ እዩ! እግዚኣብሔር ይሃበለይ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.