2017-04-01 16:44:00

ራብዓይ ስብከት ዓቢይ ጾም፤ ኣባ ካንታላመሳ፥ ሞት ክርስቶስ ናይ ፍቕሪ ውሕስነት እዩ


ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣሃው ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ዕለት 31 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ቅድስቲ መንበርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ሓላፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ብምስታፍ ዝካይድ መደብ ኣስተንትኖ መሪሖም ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም ራብዓይ ስብከት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ እመ መድሓኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

እቲ ኣባ ካንታላመሳ ዘቕረብዎ ራብዓይ ስብከት ዓቢይ ጾም ኣብ ምስጢረ ትንሳኤ ክርስቶስ ዘማእከለ ኰይኑ ትንሳሴ ክርስቶስ ዘለዓለማዊ ሕይወትና ከመይ ይኸውን ብዝብል ምጽንጻን ከይሕሰብ ዘተሓሳስብ ኰይኑ፥ እቲ ሕመረት ናይ ስብከቶም ሓሳብ ድማ መንፈስ ቅዱስ ናብ ምስጢረ ትንሳኤ ክርስቶስ ዘቕርበናንን ዘእትወናን እዩ ዝብል ምዃኑን ነዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ኣብ ሰለስተ ነጥቢ ኣቶኵይሮም፥

“ትንሳኤ ከም ታሪኻዊ ክውንነት (ሓቂ)፥ ሓዋርያት ኣብ ቅድሚ ዘሕዝን ፍጻሜ ሞት ኢየሱስ፥ ጉዳይ ኢየሱስ ከም ድምዱም ብምቕባል ናይ እምነት ሞት እምነት ዝሞተሉ ኩነት ይሓስብዎ። እቲ ዘደንቕ ድማ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ከምዚ ምዃኑ ተሪፉ ስለ ክርስቶስ ክእሰሩን ክሳቐዩን ስሌኡ ክስውኡን ደው ይብሉን ይስውኡ እውን። ስለምታይ ዝሞተ ኢየሱስ ተንሲኡ ርኢናዮ ስለ ዝበሉ ኣዩ። ትንሳኤ ብፍሉይ ቀልቢ ታሪኻዊ ክውንነት እዩ፡ ልክዕ ከም ሓደ ባሕርን መሬትን ዝፈላልይ ምልክት ከኡ ድማ ትንሳኤ ክውን ኣብ ታሪኽን ካብ ታሪኽ ወጻእን እዩ። እዚ ኸኣ ትንሳኤ ብቐጥታ በቲ ኣብ ግዜን ቦታን ግሙድ ዝዀነ ብሰብኣዊ ቃላት ክትምስክሮ ዘይከኣል ይገብሮ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ካብ ሞት ዝተንስኤ ኢየሱስ እምበር ካብ ሞት ክትንስእ ዝረአዮ የሎን።”

ብዛዕባ ትንሳኤ ብታሪኻዊ ኩነት ተመርኵይዞካ ታሪኻውነቱ ንኸተዘንትው ክልተ ነገር ይሓትት፥ እቲ ቀዳማይ ይብሉ ኣባ ካንታላመሳ፥

“ትጽቢት ዘይተነብረሉን ክትገልጾ ዘይከኣልን ክሳብ ናብ ሰማዕትነት ፈተና ዘብጽሕ ጽንዑን ቆራጽን እምነት ሓዋርያትን ናይዚ እምነት’ዚ ባዕሎም ሓዋርያት ዘመሓላለፍዎን እዚ ኽኣ እቲ ቅድሚ ትንሳኤ ዘይኰነስ ድሕሪ ትንሳኤ ህያውነት ኢየሱስ ተመክሮ ዘኸውን እምነት ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ እዩ። ስለዚህ ትንሳኤ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ኢየሱስ ናይ እግዚኣብሔር ሕራይ (ድልድል እወታ) እዩ።

ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እንሰምዖ ብዙሕ ዘሕዝን ፍጻሜ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ቅኑዕ ቢሎም ንዝሓስብዎ ንጉጉይ ዕላማታት ገዛእ ርእሶም ዝስውኡ ከምዘለዉ እዩ። እቲ ዝኸፍልዎ መስዋዕትን ሞትን ነቲ ጌጋ ክነሱ ኣሚኖም ዝሞትሉ ጉጉይ ዕላማ ሓቂን ቅኑዕን ክገብሮ ኣይክእል። እቲ ሞቶም ዝምስክሮ እንተሎ እቲ ዝሞትሉ ዕላማ ጥርሕ እዩ። ናይ ኢየሱስ ሞት ግና ናይቲ ናቱ ሓቂ ውሕስነት ኣይኰነን። ወይ ከኣ ናይቲ ናቱ ሓቂ ዝምስክር ዓቢይ ተመክሮ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ናይ ፍቕሩ ዓቢይ ተመክሮ እዩ፡ እዚ እወ ሓቂ እዩ ስለምታይ ስለ ብጻይካ ገዛእ ርእስኻ ኣሕልፍካ ካብ ምሓብ ዝዓበየ ፍቕሪ ስለ ዘየሎ።”

“ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ”፥  ይብሉ ሰባኪ ቤተ ጳጳስ፥ ዝምልከተናን ነቲ ናትና ትንስኤካብ ሞት ንዝብል ተስፋ መሰረት ስለ ዝዀነ ንኣና ምስጢር እዩ። በቲ ሓደ መዳይ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ከሃሌ ኩልነት ርግጸይናነት ዘህልው ክኸውን እንከሎ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ናይቲ ዘይብቑዕን ዘይፍትሓውን ዝዀነ ናይ ምድራዊ ካሕሳ ዘነጽር ምዃኑ ተንቲኖም፥

“ኢየሱስ ናይ ትንሳኤ ኣገባብን ክውንነት ዝህቦ መግለጺ እግዚኣብሒር ኣብ እምባ ኰረብ መጺኡ ንሙሴ ኣብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ናይ ኣብርሃምን ኢሳቕን ያዕቆብን ኣምላኽ ምዃኑ ዝተገልጸሉ ኩነት ዘመልክት እዩ። ናይ ህያዋን ኣምላኽ! ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ እትኣምን እንተድኣ ኲይካ እወ ኣብ ትንሳኤ ሙታን ትኣምን ኢኻ ማለት እዩ”  

ከምዝበሉ ካፐሊ ሓቢረን።

“እምነት ክርስትና ኣብ ትንሳኤ ሙታን ነቲ ኣብ ልቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሎ ካብ ሞት ናይ ምትንሳእ ድላይ ንዝዀነ (ሙማት ናይ ዘይምዳላይ) ባህርያዊ ድፍኢት መልሲ እዩ፡” ጳውሎስ ከምዝብሎ፥ “ሞት ብሕይወት ምእንቲ ኺልወጥ ካብዚ ምድራዊ ሰብነትና ክንቅንጠጥ ፈቲና ዘይኮናስ ሰማያዊ ሰብነት ምእንቲ ክንለብስ ሃረር ንብሎ ኣሎና ከመይ እዚ ድክንኳን እዚ ከቢዱና ንቕንዞ ኣሎና” (2ቆሮ. 5,4) እዚ ኸኣ እቲ ሃረር እንብሎ ትንሳኤ ኩለንተናና ምሉእነት ምዃንና ነፍስን ስጋን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ዝዓንው ሰብነትና ብሕይወት ተመሲጡን ኢመዋትነትን ክንለብስ ዝብል እዩ።”

“እቲ ኣባና ዝሓድር መንፈስ”  ይብሉ ኣባ ካንታላመሳ፥ “ካብቲ ናይ መንፈስና ኢመዋትነት ንላዕሊ ኣብ መንጐ እዋናውን ናይ መጻእን ሕይወትና ዘሎ ቀጻልነት ዘረጋግጽ እዩ።” ብዙሕ እዋን ብዛዕባ እዚ ኣገባብ’ዚ ከም ኣብነት ንምጥቃም ናብ ናይ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት እዩ ውከሳ ዝግበር እቲ ኦም ኰይኑ ዝዓብይ ዘርኢ፥ ኣብ እዋን ሓጋይ ዝመውት ተፈጥሮ፤ ኣብ ጽድያ ይትንስእ …” ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካፐሊ ኣስዒበ፥

እቲ ሓቂ ብዛዕባ ኣብቲ ክንየውን ሰገርን ዝህልው ኩነትና ክንፈልጦ ዘይከኣል ምስጢር ምዃኑ እዩ፡ ከምዚ ክኸውን ዝገበሮ ድማ እግዚኣብሔር እቲ ምስጢር ካባና ክሓብኦ ስለ ዝደለየ ዘይኰነስ፡ ክውክሎ ዝኽእል መሰረታውያን መምዘንታት ገይርና ክንገልጾ ስለ ዘይከኣለናን ስለምታይ ኩሉ ኣገላልጻና ምስ ጊዜን ቦታ ዝተኣሳሰረ ኣገላልጻ ስለዝዀነ፡ ካብ ጊዜን ቦታን ወጻኢ ዝዀነ ነገር ክንወክልን ክንገልጽን ተኽእሎና ኣይኰነን። ምኽንያቱ ዘለዓለማውነት  ብገዛእ ርእሱ ኣካል ኣይኰነን። ወይ ድማ ክሳብ ወሰን ኣልቦ ምዃን ዝናዋሕ ጊዜ ማለት ኣይኰነን። ዘለዓለማውነት ወሰን ኣልቦ ማለት ኣይኰነ። ዘለዓለማውነት ኣገባብ ምዃናዊ ናይ እግዚኣብሔር እዩ (ምዃን ናይ እግዚኣብሔር) ወይ ከኣ ኣገባብ ህላዌ እግዚኣብሔር እዩ። ዘዓለማውነት ባዕሉ እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ናብዚ ዘለዓለማውነ ምእታው ማለት ድማ ብጸጋ ናይ እግዚኣብሔር ህላዌ (ናይ እግዚኣብሔር አገባብ ምዃን) ምክፋል ማለ እዩ፡

ከምዝበሉ ገሊጸን፥ እቲ እዚዩ ዘገድስ፤ ዘለዓለማዊ ሕይወትና ከመይ ይኸውን ቢልና ምጽንጻን ዘይኰነስ ናብ ዘለዓለማዊ ከብጽሑና ዝኽእሉ ነገራት ምግባር እዩ። ዕለታውን ሕጃውን ሕይወትና ናብቲ ዘለዓለማውነት ዘሰንይ ንእሽቶ ስጉምቲ ይኹንእንክብሉ ዘቕረብዎ ራብዓይ ስብከት ዓቢይ ጾም ከምዘጠቓሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.