2017-04-12 09:53:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንእሰይ ንእየሱስ ሕራይ ንምባል ኣይፍራሕ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበት ብዘሎ @Pontifex አት ፖነቲፊክስ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ፍቱዋት መንእሰያት ብምሉእ ልባትኩምን ብለገሳነትን ኢየሱስ ንምስዓብ ሕራይ ንምባል ኣይትፍርሑ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ እንክዝክር፤ በታ ዕለት እቲኣ እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ባዚሊካ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን መሰናደዊ ብበዓለ ሆሳዕና ዝበዓል ብሔራዊ ሓቆፍ (ሰበኻዊ ሓቆፍ) መዓልቲ መንእሰያት ዋዜማ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ስነ ስርዓት ከምዝመርሑ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ብኻልእ መዳይ እውን ቅዱስነቶም ምስ መንእስያት ዘካይድዎ ርክብ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. “መንእሰይን እምነትን ልልላያ ጸዋዕታ” ብዝብል ኣርስቲ ክዝትይ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ከምኡ እውን እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ፓናማ ንኽካይድ ዝጸውዕዎ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝጠመተ ምንባሩ እውን ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ሪዮ ደጃነይሮ ዝተኻየደን ኣብ 2016 ዓ.ም. እውን ኣብ ፓላንድ ከተማ ክራኮቪያ ተኻይዱ ንዝነበረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መሪሖም ቃለ ምዕዳን ብምልጋስን ከምእተሳቲፎምን እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ድማ ኣብ ፓናማ ኣብ ወርሒ ጥሪ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ …” (ሉቃስ ምዕ. 1 ፍቕዲ 49) ብዝብል ቃል ተመሪሑ ንኽካይድ ኣብቲ ናይ ክራኮቪያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ፍጻሜ ከምዝገለጹ ይዝከር።

ቅዱስነቶም ኣብ ሮማ ዕለት 8 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ በዓለ ሆሳዕና ዝበዓል መበል 32 ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ዝተኻየደ መንፈሳዊ መርሓ ግብሪ መሪሖም ቃለ ምዕዳን ከምዝገለሱን መንእሰያት እውን ቃል ምስክርነት ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም፥ ቅዱስነቶም ብጽሑፍ ኣሰናድዮሞ ዝነበረ ቃለ ምዕዳን ሓዲጎም እቲ ካብቶም መንእሰያት ዝቐረበ ቃል ምስክርነትን ከምኡ እውን እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. “መንእሰይን እምነትን ልልላያ ጸዋዕታ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ንኽካየድ ኣብ ዝጠለብዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣተኵይሮም “ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ክራኮቪያ ናብ ፓናማ ኣቕኒዑ ኣሎ። ኣብ መንጐ እዚ ጉዕዞ’ዚ ድማ ከም ድልድል እቲ መንእሰይን እምነትን ልልያ ጸዋዕታ ብዝብል ኣርእስቲ ንኽካየድ ዝተጸውዔ ሲኖዶስ ኣሎ” ቢሎም “እቲ ዝተጸውዔ ሲኖዶስ ንካቶሊክ መንእሰያትን ንካቶሊካውያን ማሕበራት አባላት መንእሰያትን ጥራሕ ዝዛረብ ዘይኰነስ ንመላእ መንእሰይ ዓለም ዝዛረብ ከምዝኸውን ኣረጋጊጾም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ንዝርከቡ መንእሰያት ዝዛረብ እዩ። ቤተ ክርስቲያን መንእሰይ ዝብሎን ዝሓቶም ምስማዕ ይግብኣ”  ከምዝበሉ ጂሶቲ ኣመልኪቶም።

“ተዘንጊዖም ንገዛእ ርእሶም ዝተሓድጉ ከይኖም ዝስምዖም ብዙሓት መንእሰያት ኣለዉ፡ ናይ መንእሰይ ሕይወት ብዙሕ መሰናኽል ዘጋጥሞ እዩ፡ ስለ ንበይኖም ዝተሓድጉ ድማ ንቕድሚት ምጉዓዝ ዝተሳእኖም ብስእነት ስራሕን ኣብነት ሕይወትን ስእነትን ብሕንጸትን ተወሃሂድካ ንምንባር ዘኽእል ዕድል ዘይምርካብን ብውግእን ግጭትን ንስደትን ምዝብልናን ሓደጋ ዝተዳርጉ ክንሓስብ እንከሎና ኣብዚ እዋን’ዚ መጻኢ ሕይወት ዝጸልመቶም  ከምዘለዉን እዞም ኩሎም ዝረአዩ ጸገማት መንእሰይ ክሳብ ክንደይ ዝተረስዔን ተነጺሉ ንሓደጋ ተቓሊዑ ይነብር ከምዘሎ ንኸነስተውዕል ይድርኹና”

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ ንመእሰያት ዘጋጦሞ ብድሆታትን መሰናኽላትን ንምግጣምን ንምስናፍን ዝሕግዝ መገዲ ንኸለልይ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ መንሰይ ዝዝትይ ሲኖዶስ ጸዊዓ ከምዘላን ቤተ ክርስቲያን ምስ መንእሰይ ወለዶ ክትዝትይ ትደልይን መንእሰይ ወለዶ ድማ ነቲ ጥበብ ዝዀኑ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጽን ክብሉን ክዝትዩን ትዕድም ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ መንእሰይ ወለዶ መጻኢ ከመይን እንታይን ክኸውን ከምዝግብኦ ዝሕብሩ እያቶም ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ ኣብቲ ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምስ ተራኸብና ምስ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ እንተድእ ተዛቲኹም ንኣእቶም ጽን ምባልኩምን ክሓተኩም እየ። ኣብቲ ናይ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክርከብ ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ተስፋ ኣሎኒ፡ ኣነ እንተዘይትረኸብኩ ብርግጽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝህልው ከረጋግጸልኩም እፈትው”  ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 9 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ሆሳዕና መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር፥ ዕለቱ መበል 32 ሰበኻዊ ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምዃኑ ዘኪሮም ንኹሎም መንእሰያት ኣብቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካይድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክንራኸብ ተስፋ ኣሎኒ። እግዚኣብሔር ፍቃዱ ኰይኑ ብሰላም የረኽበና ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ማሪና ታማሮ ገሊጸን 








All the contents on this site are copyrighted ©.