2017-04-13 17:16:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ (ዕለት 12 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.)


ዕለት 12 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅድስ ጴጥሮስ ኣብ ዋዜማ ሰሙነ ሕማማት ካብ ወጻእን ውሽጥን ንዝመጹ በሸሓት ንዝቝጸሩ ምእመናን ናይ ዓለም ተስፋን  ናይ መስቀል ተስፋንብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሖም ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝገልገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ተስፋ ካብ መስቀል ይውለድ

ቅዱስ ኣቦና ክርስቲያናዊ ተስፋ እንታይ ማለት ምዃኑ እንከረድኡ፥ “ክርስቲያናዊ ተስፋ ካብ መስቀል ዝውለድ እዩ ቢሎም እዚ ተስፋ’ዚ ካብቶም ዝወድቁ ዝኣርጉን ዝዓንውን ምድራውያን ተስፋታት ዝተፈልየ ንሱቑል ኢየሱስ ዝጥምት ክሳብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ነባሪ ዝዀነ ተስፋ”  እዩ። ሓድሽ ተስፋከምቲ ሞይቱ ብዙሕ ፍረ ዝህብ ንእሽተይ ፍረ ስርናይ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ፋሲካ ዝገበሮ። ኣብ ፋሲካ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ ሓጢኣትና ብምሕረት ሞትና ብትሳኤ ፍርሓትናን ራዕድንና ብኣመኔታ ለወጠበዚ ምኽንያት’ዚ ድማ

ኣብ መስቀል ተስፋና ይውለድን ዳግም ይውለድን። በዚ ምኽንያት ድማ ኵሉ ጸላም ሕይወትና ናብ ብርሃን ኵሉ ስዕረትናን ፍሽለትናን ብዓወት ይልውጦ፡ ናይ ኢየሱስ ተስፋ ምስ እንሓርይ ቀስ እናበልና ናይ ሰዓሪ ሕይወት ኣነባብራን ኣገባብን ንፈልጥ። ንሱ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ንእሽተይ ዘርኢ ትሑት ፍቕሪ እዩ።

ንኽፍኣት ንምስዓርን ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ንምውዕዋትን ንዓለም ተስፋ ካብ ምሃብ ካልእይ መገዲ የሎን። ብርግጽ ናይ ተሳዓርነት ኣመክዮን ወይ ከኣ ናይ ስዕረት ዋቔዕ እዩ ክትብሉ ትኽእሉ። ዘፍቐረ ሃይለ ስልጣኑ እዩ ዘጥፍእ። ነዚ ጉዳይ ሓሲብኩምሉን ኣስተዒልክምዎ ትፈልጡ? ዘፍቅር ሓይሉ እዩ ዘጥፍእ። ዘፍቅር ኵሉ ይህብ። ዝህልዎ ድማ ፍቕሪ ጥራሕ ይኸውን፡ ኣሎኒ ዝብሎ ፍቕሪ ጥራሕ ይኸውን፡ ምፍቃር፥ ብምሃብ ካብቲ ዘሎካ ኩሉ ምቕንጣጥ ማለት እዩ። ምፍቃር ጸጋ እዩ  ይብሉ።

ይኣኽለኒ ዝየብል ወናኒ ኩሉ ናይ ምኻን ጽምኢ ጠሪሹ ዘይረውይ እዩ

ብርግጽ ናይቲ ተቐቢሩ ዝመውት ንእሽተይ ዘርኢ ኣመክንዮ (logic) ናይ ትሑት ፍቕሪ ዋቔዕ (logic) ናይ እግዚኣብሔር መገዲ እዩ፥

እዚ ናይ ዋንነት ህርፋን ወትሩ ዝደፍኣና ሓደ ነገር ምስ እትርከብ መመሊሱ ዝደፍእ ካልእ ምርካብ ናብ ዝብል ዝንውንው ዘይዓግብ ድላይ። ኣብ ገዛእ ርእስና እነስተውዕሎን እንርእዮን ሓቂ ድማ እዩ። ፈጺሙ ዘይረውይ ድላይ - ጽምኢ እዩ። ምስ እትረክብ ደጊምካ ናብ ምርካብ ዝደፍእ ይኣኽለኒ ዘይብል፡ ብሓቂ። ሃርጎፍጎፍ ምባልን ሃርጓፍነትን ጠሪሹ ዘይዓግብን ዘይረውይን እዩ። ኢየሱስ ኣነጺሩ፥እቲ ንሕይወቱ ዚፈትዋ ኬጥፍኣ እዩ። እቲ ንሕይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለዓለም ሕይወት ኪሕልዋ እዩ …’(ዮሓ. 12,25) ከምዝብሎ እዩ። ንስኻ ሃርጓፍ ዲኻ። ይኣኽለኒ ዘይትብል ዲኻ….ኩሉ በራሲ እዩ። እቲ ናቱ ዝዀነ ዝኣከቦ ዘፍቅርን ስለ እቲ ዝኣከቦ ዝነብርን ብገዛእ ርእሱ ዝሕበን ይኸውንን ኩሉ ድማ ይስእን።

ሓቀይና ፍቅሪ ብመስቅል ዝሓልፍ እዩ፡ ናይ መስቀል ሸቶ ከኣ ዓወት እዩ

እቲ ብኣግባብ እግዚኣብሔርን ብእግዚኣብሔር ዚነብር ሰዓሪ እዩ ገዛእ ርእሱን ካልኦት የድሕን ንዓለም ናይ ተስፋ ዘርኢ ድማ ይኸውን። ርግጽ እዩ እዚ ሓቀይና ፍቕሪ’ዚ በቲ ሸቶኡ ክብርን ዓወትን ብዝዀነ ከም ኢየሱስ ብመስቀልን ተጋድሎን ዝሓልፍ እዩ። መስቀል ግድን ዝሕለፍ መገዲ እቲ ብኢየሱስ ኣብ ፋሲካ ዝተገልጸ ናይ ዓወት ፍጻሜኡን ሸቶኡን ግና ግድን ኣይኰነን።

ናይ ኣደ ፍቕሪ

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ምፍቃር ማለት ሕይወትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለት እምበር ሕይወትና ምብቃቕ (ምውናን) ማለት ኣይኰነን። እዚ እዩ ኣዴታት ብግብሪ ዘርእየኦ። ሕይወት ይህባ። ይሳቐያ ደሓር ግና ሕይወት ምስ ወለዳ ብሓጐስ ይምልኣ። ካልእ ሕይወት ስለ ዝሃባ ይሕጐሳ። ፍቕሪ ሕይወት ይወልድን ንስቓይ እውን ትርጉም ይህብ። ፍቕሪ ተስፋና ንቕድሚት ክብል ዝድርኽ ኣንቀሳቓሲ መትኒ እዩ።

ስቝል ኢየሱስ ምስትንታን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ስቑል ኢየሱስ ንኸነስተንትን ድማ እክላበዉ፥

ስቑል ኢየሱስ ናይ ተስፋ ፍልፋሊ ዓይነ ማይ እዩ። ቀስ እናበልና እቲ ኣብ ኢየሱስ ተስፋ ምግባርና ገና ብዓንትውኡ ናይታ ንእሽተይ እትመውት ዘርኢ እትህቦ ብዙሕ ፍረ ከነማዕድው ይብቅዓና። ኣብ መስቀል ፋሲካ ኣብ ሞት ሕይወት ብምስትውዓልን ብምእማንን ከነማዕድው ይብቅዓና፡ ኣብ ቅድሚ ስቑል ኢየሱስ ደው ቢልና ኩላትና ኣብ ቤትና ዘሎ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ብምጥማት፥ ምሳኻ ዝስእኖ ሓደ የብለይን ምሳኻ ወትሩ ትስፍው ይኸውን። ንስኻ ተስፋይ ኢኻ ንበሎ

እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንኽዕደሉ ዝተረኽቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ምእመናን ነቲ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ተስፋን መስቀል ሞትን ትንሳኤን ዘማእከለ ኣስተህሮኦም ኣብ ሕይወቶም ፋሲካ ዓወት ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ጽልእን ጽልእ ናብ ፍቕሪ ዝልውጥ ምዃኑ ዘረጋግጸሎም ከምዝዀነ ድሕሪ እቲ ኣስተምህሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዘካይድዎ ቃለ መሕትት ከምዘረጋገጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ገሊጸን።

ኣብ ጸልማትን ደልሃመትን ክትርከብ እንከለኻን ኩሉ ድንግርግር ክብለካን ንመስቀል ምስ እትጥምት ነቲ ድሕሪ እቲ መስቀል ዘሎ ትንሳኤ ድሕሪ እቲ ስቓይ ዘሎ ሕውየት ተማዕድው እሞ ብተስፋ ትነቓቕሕ፡ መስቀል ምስ እተስተንትን ካብ መስቀል ድማ ፍቕሪ ተማሂርካ ፍቕሪ ተካፍል ትኸውን ዝበሉ ከምዝነበሩን ገሊኣቶ ምእመናን ድማ ተስፋ ምግባር ማለት ካብቲ ትርጉም ዘይብሉ ኩሉ ክትርሕቕን ኣብ ሕይወትካ እቲ ክቡርን ልዑልን ዝዀነ ኢየሱስ ደሊኻን ንኣኡ ተራኺብካ ካብኡ ናይ ፍቕሪ ሓይሊ ገሊልካ ፍቕሪ እተካፍልን ፍቕሪ ምንባር ማለት እዩ ከምዝበሉ ታማሮ ሓቢረን።

ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዘመልከቶ ቅዱስነቶም በቲ ኣብቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበት ብዘሎ ብትሽዓተ ቋንቋታት ተተርጒሙ ዝመሓላለፍ @Pontifex ፖንተፊክስ ብእተሰምየ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብ ዋዜማ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቶም፥ “እቲ ናይ ክፍኣት ምስጢር ክሳብ ክንድዚ መርአያ ዘይብሉ ደልሃመት እውን እንተዀነ ግና እቲ በዚ ደልሃመት’ዚ ዝሓለፈን ነቲ ደልሃመት ዝሰዓረ ጭቡጥ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኢትኣላው እዩ”  ከምዝበሉ ሓቢሩ ኣተሓሒዙ ድማ ዕለት 22 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብቲ ብቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ዘዳለዎ ምእንቲ ኵሎም ናይ እምነት ሰማዕታት ብፍላይ ናይ ዕስራን ናይ ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ሰማእታት ኣብ ዘተኰረ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ስነ ስርዓት ክሳተፉ ምዃኖምን እቲ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ስነ ስርዓት ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ስዓት 10 ናይ ለይቲ ሮማ ኣብ ቲበሪና ኣብ ዝርከብ ቅዱስ በርጠለመዎስ ባዚሊካ ዝፍጸም ምዃኑ ኣፍሊጡ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.