2017-04-20 16:14:00

ብፁዕ ኣቡነ ቶዞ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስማዕ፡ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ እንኰ መገዲ ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ከይኖም “Urbi et Orbi-ንከተማን (ሮማ) መላዕ ዓለምን” ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ዓለም ሰላም ንኽረጋገጽ ብፍላይ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ዘኪሮም ምእንቲ ሰላም ጻውዒት ከምዘቕረቡን ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ እንኰ መገዲ ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ እዩ እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ ዘማእከለ “ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ንሓደ ሓድሽ ናይ ሰላም ፖለቲካ ኣግባብ”  ብዝብል ኣርእስቲ ብቤት ማሕተም ፍራተ ጃኰፓ ተሓቲሙ ኣብ ቀረባ እዋን ንንባብ ናይ ዝበቕዕ መጽሓፍ ደራሲ  ናይቲ ነበር ናይ ሰላምን ፍትሕን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፋኤንዛን ሞዲሊያናን ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ቶዞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብቲ ብግጭትን ዓመጽን ኣብ ዝምጽጉዕ ዘሎ ዓለም ናይ ዘይጐነጻዊ ፖሊቲካ ሓይሊ ርኽበት ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓድሽ ኣብ መንጐ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ተበጊሱ ዘሎ ውጥረትን ዝኣመሰሉ ካልኦት ግጭትን ዓመጽን ርኢኻ ናብቲ ኑክለሳዊ ውግእ ዝዀነ ኣዕናውን ጸረ ሰብኣውን ጸረ ምህዳርን ውግእን ምስሕሓብን ሓይሊ ናብ ምጥቃምን ዘየብጽሕ ካልእ ኣማራጺ መገዲ ምስዓብ ወሳኒ እዩ። ናይ ዓለም ሓቆፍ ተቛማት ንዘይጐነጻዊ ቃልሲ ውሳኔ ምርግጋጽ ኣበኪረን ክዓዩ  ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብሓቂ ሓደ እውነተይናን ቅኑዕን ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካዊ ስልጣን ሕጹጽ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ትርዳእ። ነቲ ህልው ኩነታት ዓለም ርኢኻ እዚ ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካዊ ስልጣን ልዕለ ሓያላን ማለት ዘይኰነስ ሓድሽን ሓቀይናን ፖለቲካዊ ስልጣን ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ምዃኑ ተረጋግጽ።

ብናይ ውግእ ኣጽዋር ንምድላብን ቅድድም ንውናኔ ሓደገይና ናይ ውግእ ኣጽዋርን ተወጊዱ ዓለም ኣብ ምርጋፍ ከቢድ ኣጽዋርን ብፍላይ ድማ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብምዕያይ ናይ መሰረተ ሕጊ ብቑዕነት ንናይ ውግእ ኣጽዋር ውናኔ መምዘኒ ተገይሩ ልዕለ ሓያል ናይ ምዃን ህርፋንን ምቅድዳምን ተኣልዩ ናብ ሰላም ዘብጽሕ መገዲ ምስዓብ የድሊ።

ነዚ ኹሉ ርኢኻ ማለት (ብማዕቀፍ) ህሉው ኩነታት ዓለም ግምት ብምሃብ ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ፖለቲካን ባህልን ናይ ግድን ምዃኑ ተስተውዕል፡ ስለዚህ ዘይጐነጻዊ ቃልስ ብዝተፈላለያ ሃይማኖታት ድዩ ብኣቢያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ክሰፍሕ ኣለዎ። ዓለም ካብ ኤኮኖሚያዊ ዛዕባ ወጻኢ ካልእ ዝመያየጠሉን ዝብሎን ርእሰ ጉዳይ ዘይብሉ ኰይኑ እዩ ዝመስል ዘሎ። ኤኮኖሚ ብብሔራዊ ድዩ በዓለም ለኻዊ ደረጃ ናይ ዝክረ ነገር ማእከል ኰይኑ ኣሎ፡ ካብዚ ወጻኢ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ስእነት ሰላምን ፖለቲካውን ማሕበራዊ ግርጭትን ዓመጽን ውግእን ብካልኣይ ደረጃ ዝርአይ ኰይኑ ኣሎ። ውግእን ዓመጽን ብዘየማትእ መገድን ብዘይ ብሔራዊ ረብሓ ምቕዳም ዝብል ሕቡዕ ዝክረ ነገር ክፍታሕ ዝግበሩ ጻዕርታት ብዙሕ ትኩረት ክግበረሉ ኣይረኣይን እዩ። ሰላም ንኩለ መደያዊ ቅልውላው መፍትሒ እዩ።

ብዛዕባ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ዝግደስ ሰብ ድዩ ማሕበርን መንግስትን ተቛማትን ምርካብ ከቢድ ከይኑ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓለምን ኩነትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ባህሊ ክሰፍሕ የተሓሳስቡ። እዚ ድማ ብቐዳምነት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርቲ መሰረትን ናይ ሰላም ሰባት ተመክሮን ትምህርትን ጻዕርን ጽሑፋትን ተወኪሶም ከይተሓለሉ ዘቕርብዎ ጻውዒት እዩ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ዓለም ክርስቲያን ኣብ ሰዓቢ ኢየሱስ ክርስቶሳውነት ምዃኑ ዘሎ ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ጸዋዕታኡ ርኽበት ክገብርን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነትን ስፍራን ኣብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ክዓይን ንደረት ሰገራውነ ክፉት ዝዀነ ኣብ ዓለም ናይ ምሉእ ማሕበራውን ሰብኣውን ምዕባለን ምትሕብባር ዝብልን ዘይንጽል ምዕባለ ኣብ ምርግጋጽ ክዓዩ ዝተጸውዐ እዩ። 

ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ሓለፋ ዘለዎ መገዲ እዩ። ዓመጽ ብዘይጐነጻዊ ቃልሲ ምብዳህ የድሊ። ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ክበሃል እንከሎ ዘይንጡፍነትን ልሙስነትን ዘይተሳታፍነትን ማለት ኣይኰነን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢፍትሓውነትን ግብረ ክፍኣትን ዝፍነው ከቢድ መጥቃዕቲ ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ መጥቃዕቲ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ከምዝብልዎ ፖሊቲካ ንናይ ሓባር ረብሓ ቅንዕናን ፍቕርን ማለት እዩ። ኣቲ ኣብ ዓለም ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ፖለቲካ ግና ካብቲ ቅዱስነቶም ዝገልጽዎ ዓይነት ፖለቲካ ዝተፈልየ ብምዃኑ መገዲ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ንምስዓብ ድዩ ንምምራጽ ከቢድዎ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ብማሕቑፍ ህልው ኩነታ ዓለም ሎሚ ኣብ ዓለም ዝተዀላለፈ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ኣሎ እንክብሉ ዝሃብዎ ትንታነ ሓቅነቱ ንርእዮ ኣሎና። ቤተ ክርስቲያን ወዲ ሰብ ክልወጥ ጭቡጥ ጻዕሪ እያ እተካይድ። ካብ ሕንጸት ወጻኢ እውን ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘይ ውግእን ዘይ ስላምን ውጡር ኩነት ተቃልዕን ኣብ ዓለም ነቲ ዓመጽ ዝወልድ እንርእዮ ናይ ሓሶት ሰላም፡ ኢፍትሓውነትን ኣድልዎን ዓመጽን ዕንደራ ውግእን ተቃልዕ ብሃገራዊ ርትዕን ሕጋውነትን ፍትሓውነትን ንምስፋሕን እናተባህለ ዝፍጸም ፖለቲካዊ ሸፈጥን ፖለቲካ ንዘይግብኡ ናይ ምጥቃምን ተግባር ቅዱስነቶም ናበይ ከምዘብጽሕ ተንቲኖምዎ እዮም።

ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ክትእውጅን ክትምስክርን ዝተጸውዔት እያ፡ እዚ ድማ ናይ ዘይጐነጻዊ ምርጫን ምኽንያትን ኩሉ ብምክልኻል ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኣብነት ክትከውንን በቲ ዘለዋ መንፈሳውን ባህላውን መጋበሪያታት ኣቢላ ሰላም እትሃንጽን ምፍልላይን ተነጻጽሎን ዘይብሉ እቲ ክርስቶስ ብፁዓን እያቶም ቢሉ ዝገልጾ  ቅኑዕ ሕብረተሰብ ክቐውም እትሃንጽ ባዕሉ ክርስቶስ ዘቖማ ቤት ኩሉ እያ። ንዘይቅኑዕ ሕግን ኢፍትሓውነትን ውግእን ዓመጽን ንዘይ ምእዛዝን ነቲ ሓላፍነትን ስልጣንን ካብ ጌጋ ኣጠቓቕማን ንናይ ገዛእር ርእሲ ጥቕሚ መጋበርያ ዝገብሮ ዘበለ ከይድታትን ምርጫታትን እምቢ በል ዝብል ናይ ሕልና ፍቓድን ድላይን ምእዛዝ ክህሉን ፖለቲካ ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝቐውምን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ምርግጋጽ ዝዓይን ንናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ከይዲ ዘተባብዕ ክኽውን ኣለዎ። ቤተ ክርስቲያን ነዚ እያ እተቓልሕ።

ጽልእን ሸለልተይናነትን ዓመጽን ንምውጋድን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምርግጋጽ ናይ ተራኽቦ ባህሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ኣስተመየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝትንትንዎ ሓሳብ ርክብ ኣብ መንጐ ሰባትን ሃገራትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ክህሉ ዝብል እዩ። ናይ ተራኽቦ ባህሊ ንናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ስዕበት መስረት እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ቶዞ እስዒቦም፥ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግብጺ ዝረአይ ዘሎ ዓመጽን ግብረ ሽበራን ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 29 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ግብጺ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዘይሰረዙን እዚ ድማ ናይ ምርኻብ ባህሊ ዝምስክርን ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ዝምስክርምን ዘተባብዕን እዩ። ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ዘይጐነጻዊ እዩ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሰር ዝኽተል እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ግብጺ ንኸካይድዎ ዝተወሰነ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃኑ እንታይ ማለት ምዃኑ ብቓልን ተግባርን ዝምስክር እዩ፡ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.